እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተጨውዩ ዝቐነየ ኤርትራዊ ቈልዓ ተለቒቑ
ንኣስታት 16 መዓልታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጨውዩ ዝቐንየ ኤርትራዊ ስደተኛ ቈልዓ ናብ ስድራኡ ከምዝተረከበ ወላዲቱ ራሕማ መሓመድ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ኣማን መሓመድ ካብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዳባት 03 ወጺኡ ናብ ገዛኡ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበረ እዋ'ዩ ተጨውዩ ተወሲዱ ነይሩ።
እቲ ብዘይተፈልጡ ጨወይቲ 800 ሽሕ ብር ክኽፈሎ ተሓቲቱሉ ዝነበረ ወዲ 12 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ኣማን፡ ድሕሪ 15 መዓልታት እቶም ጨውየሞ ዝጸንሑ ኣካላት፡ ናብ ስድራቤት ኣማን ብምድዋል 'ሕጂ ሕጂ 200 ሽሕ ብር ከፊልኩም ወድኹም እንተዘይወሲድኩም ወድኹም ሕጂ ይሕረድ ኣሎ… ካብዛ ሰዓትዚኣ እንተሓሊፋ ግን ልዕሊኡ ኢና ንብለኪ’ ክብሉ ኣፈራሪሖም ነይሮም።
ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልታት ኣብ ቢቢሲ ተዘርጊሑ ብዝነበረ ናይ ምጭዋዩ ዜና ዝረኣዩ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ገንዘብ ላዕልን ታሕት ኢሎም 200 ሽሕ ብር ኣጎሳጒሶም ከምዝኸፈሉ ወላዲቱ ጠቒሳ።
ንዅነታት ህጻን ኣማን ከተረድእ እንከላ "ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ትሕቲ ገረብ ብዘይ ኮቦርታ ኮፍ ኣቢሎም መግቢ ዝብሃል ኣይሃቡንን ሓንሳብ ቆሎ ሓንሳብ ብሽኮቲ እዮም ሂቦምኒ ኢሉና።
"ሃሪሞሞ ስለዝዀኑ እውን ዝባኑ ናይ ማህረምቲ ምልክትን ናይቲ ዝኣሰርሉ ሰንሰለት ምልክትን ኣሎ፣ ትማሊ ለይቲ'ውን ክብህርር ስለዝሓደረ ኮፍ ኢልና ኢና ሓዲርና።
"ሎሚ ንግሆ ኣብ ኣፍደገና ኩሹፍ ዝገበሩ ምስ ረኣየ ‘ሕጂውን ኣርኪቦምኒ ሕጂውን ኣርኪቦምኒ' ኢሉ እናጐየየ ናብ ገዛ ኣትዩ" ብምባል ህጻን ኣማን ዘለዎ ኵነታት ተረድእ።
እቶም መንነቶም ዘይተፈልጠ ጨወይቲ፡ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ንህጻን ኣማን ድሕሪ 4 ሰዓታት ናብ ከተማ ኣምጺኦም ፈንዮሞ። ድሕሪ'ዚ 'ውላድኩም ለቒቕናዮ ኣለና' ኢሎም'ውን ናብ ስድራኡ ደዊሎም።
ኣማን ኣብ ጐደና ምስ ፈነውዎ፡ መንገዲ ስለዘይፈልጦ ሸለብ ገለብ እናበለ ኣብቲ ናብ ጐንደር ዝወስድ ጽርግያ ሒዙ እናኸደ እንከሎ ኣጋጣሚ መማህርቱ ርእይዎ'ዮ ብስንባደ ‘ኣማን መጺኡ ኣማን መጺኡ' ኢሉ ብጉያ ንጐረቤት ረኺበዮ ኢሉ ጸዊዑ።
እታ ፈለማ ዝተቐበለቶ ጐረቤት እናንፈጥፈጠ ምስ ረኸበቶ ክዳን ወዳ ብምልባስ መግቢ ክበልዕ ምስ ኣቕረበትሉ ኣይበልዕንየ ማማ ኣቤላ ባባኸ እናበለ ስንባድ ከምዝነበሮ ትገልጽ።
እቶም ጨወይቲ ገንዘቦም ወሲዶም ይምጻእ ኣይምጻእ ከይዓጠጦም ኣብ ጐልጎል ከምዝደርበይዎን ምናልባት መማህርቱ እንተዘይረኽቦ ነይሩ ካልኣይ ክጭወን ክሽየጥን ተኽእሎ ከምዝነበረ'ውን ብምጥቃስ ‘ናይ ረቢ ጥዑም ስለዝኰነ ብደሓን መጺኡ’ ብምባል ተመስግን።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብቲ ከባቢ ኲናት ብምህላዉ ናብ ሕክምና ክትወስዶ ከምዘይትኸእል ብምግላጽ፡ "ንዅሎም እቶም ወደይ ጠፊኡ ብምባል ሓገዝ ዝሓተተኩዎም ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ወደይ ወጺኡለይ እዩ የቐንየለይ" ትብል።
ስድራ ራሕማ፡ ካብ ኤርትራ ካብ እትወጽእ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ክትገብር እንከላ፡ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ትግራይ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ እያ ጸኒሓ።
ኣብ መወዳእታ 2020 ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ግን፡ ካብቲ መዓስከር ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝተመስረተ መዓስከር ኣለምዋጭ መጺኦም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ሰፊሮም ኣለው።
እዚ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ሓድሽ ከም ዘይኰነን ቅድሚ ሕጂ ከባቢ 5 ኤርትራውያን ስደተኛትታት ቈልዑ በብግዚኡ ከም ዝተጨውዩን ገለ ከም ዝተታሕዙን ገለ ድማ ተኸፊሉዎም ከም ዝወጽኡ ስደተኛን ጸሓፊ እታ መዓስከርን ኣቶ ዮሴፍ ገብረንጉስ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ ክልል ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታን መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ናብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዘእተዎም ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።