ዕጡቕ ጉጅለ ሄይቲ፡ ንኣኽበርቲ ሰላም ኬንያ ከም “ወረርቲ” ከም ዝርእዮም ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ቀንዲ ዕጡቓት ጭፍራታት ሄይቲ ጂሚ ሼሪዢየር፡ ኣብታ ሃገር ከም ዝዋፈር ንዝተገለፀ ፖሊስ ኬንያ፡ ከም ወራሪ ከም ዝርእይዎ ኣጠንቂቑ።
ቀዳማይ ሚኒስትራ ኣብ ወፃኢ ሃገር እንከሎ ካብ ስልጣን ክለቅቕ ዝተገደደላ ሄይቲ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ዕስለታት ብዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ስርዓት ኣልቦነት ካብ ዝሰፍና ኣዋርሕ ተቖፂሮም።
ነዚ ንምቁፅፃር፡ ብሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ዝድገፍን ብኬንያ ዝምራሕን ሓይሊ ፖሊስ፡ ኣብታ ሃገር ንምውፋር ፃዕሪ ይግበር ኣሎ።
መራሒ ቀንዲ ዕጡቓት ጭፍራታት ሄይቲ ግና፡ ሓይሊ ፖሊስ ኬንያ ናብ ሄይቲ እንተድኣ ዝዋፈር ኰይኑ፡ ከም “ፃሕታሪ ነገር” ን “ወራርን” ከም ዝርእይዎ ኣጠንቂቑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር አሪየል ሄንሪ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ዘይ ምርግጋዕ ንምግታእ ዝሕግዙ ኣኽበርቲ ሰላም ፖሊስ ንምውፋር ዘኽእል ስምምዕ ኣብ ኬንያ ምፍርራሙ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት ናብ ሃገሩ ከይኣትው ከልኪለሞ። ነዚ ስዒቡ፡ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ተገዲዱ።
እታ ልዕሊ 11 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ሄይቲ ድማ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ መራሒ ኣልቦ ሃገር ኰይና ትርከብ።
ነዚ ዝተፈጠረ ሓጓፍ ስዒቡ ዕጡቓት ጭፍራታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘለዎም ቁፅፅር ብምስፋሕ፡ ኣብ ብዙሓት ከባብታት እታ ሃገር ስርዓት ኣልቦነት ክሰፍን ጠንቂ ኰይኖም።
ንሄይቲ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክመልሳ’ዩ ዝተብሃለ፡ ብሃገራት ካሪቢያንን ኣሜሪካን ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪ ስግግር ፃዕሪ ይገብር ኣሎ።
መራሒ ቀንዲ ዕጡቓት ጭፍራታት ሄይቲ ጂሚ ሼሪዢየር፡ ኣብ ምስረታ መንግስቲ እታ ሃገር ንክሳተፍ እንተድኣ ተፈቒድሉ፡ ዕጥቁ ንምፍታሕ ከም ዝሰማማዕ ኣፍሊጡ።
ኣብዝሓ ከባብታት ዋና ከተማ ሄይቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ንዝገበሩ ጉጅለታት ዝመርሕ ጂሚ ሼሪዢየር ንስካይ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነታ ሃገር ንምርግጋዕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፡ ቦታ ክወሃቦ ከም ዝደልይ ገሊፁ።
እቲ ባርቢኪው ብዝብል ሳጓኡ ዝፍለጥ መራሒ እቲ ዕስለ ጉጅለ፡ ይካየድ ዘሎ ጎንፂ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ክጋደድ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እንተኾነ፡ ነቲ ጎንፂ ንምግታእ “ንፍታሕ ድሉዋት ኢና” ኢሉ።
80 ሚእታዊት ዋና ከተማ ፖርት አው ፕሪንስ ዝተቖፃፀረ ብጂሚ ሼሪዢየር ዝምራሕ ‘ሊቭ ቱጌዘር’ ዝተብሃለ ልፍንቲ ዕጡቓት ጭፍራታት፡ ኣብታ ሃገር መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ቦታ ክወሃበኒ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።
መራሒ እቲ ዕስለ፡ “ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኰፍ ኢልና ክንዘራረብ ዝርዝር ትልሚ እንተድኣ ሒዙ መፅዩን ኣብ ምንታይ ክንሰማማዕ ከም ዘለና ዘየገድደናን ኰይኑ፡ ዕጥቅና ክንፈትሕ ንኽእል ኢና” ኢሉ።
ኣብ ሄይቲ ይካየድ ብዘሎ ጐንፂ ሕጉስ ከም ዘይኰነ ዝዛረብ መራሒ እቶም ዕጡቓት፡ “ብልሽውና ብምቅዋም ብረት ዘልዓሉ ጉጅለታት፡ ኣካል እቲ ኣብ ቀፃሊ ዝጣየሽ መንግስቲ እንተድኣ ዘይኰይኖም እቲ ቅልውላው ከም ዝቕፅል ኣጠንቂቑ።
ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሄይቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ብምባል ዝገለፆ እንትኾን፡ ኣብ ፈላሞት ሰለስተ ኣዋርሕ 2024፡ ልዕሊ 1 ሽሕን 500 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 800 ከም ዝቖሰሉን ኣፍሊጡ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት እውን፡ ኣብታ ዋና ከተማ ምግብን ማይን ንዝተፀገሙ ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ በዳሂ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ብሰንኩ ድማ ሚልየናት ሰባት፡ ኣብ ጠርዚ ጥሜት ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







