ጆቨነል ሞይስ፡ ሄይቲ ፕረዝደንታ ምቕታሉ ስዒቡ ናይ ወፃኢ ወተሃደራት ንሓገዝ ክለኣኹላ ሓቲታ

A Haitian police officer stands guard outside of the presidential residence on 7 July, 2021 in Port-au-Prince, Haiti.

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES

ኣብዚ ሰሙን ፕረዝደንት ጆቨነል ሞይስ ብቅትለት ዝሰኣነት ሄይቲ፡ ቀንዲ መሰረተ ልምዓታት ንምሕላው፡ ናይ ደገ ወተሃደራት ናብታ ሃገር ክለኣኹላ ጠሊባ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ እዚ ሕቶ ንኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ዘቕረበ እንትኾን፡ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምግባር ትልሚ ከምዘይብላ ገሊፃ።

ፖሊስ ሄይቲ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ 28 ቀንፀልቲ ዝሓዘ ናይ ወፃኢ ጉጅለ፡ ነቲ ፕረዝደንት ከምዝቐተልዎ ወግዓዊ ጌሩ እዩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ፖርቶ ፕሪንስ ድሕሪ ዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ፡ ነቶም 17 ከምዝኣሰረ ድማ ሓቢሩ።

ካብ ሞንጎ’ቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ጡረታ ዝወፅኡ ወተሃደራት ኮሎምብያ ከምዝርከብዎም ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ዛጊድ፡ ሰለስተ ጥርጡራት ብፖሊስ ከምዝተቐተሉን፡ ካልኦት ሸሞንተ ደሃዮም ከምዘይተረኸበን ኣፍሊጡ።

ዋላ’ኳ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ናብ ሄይቲ ወተሃደራተይ ኣይልእኽን እንተበለት፡ ነቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ንምምርማር ግና ሰብመዚ ኤፍቢኣይን ሆምላንድ ሴክዩሪቲን ከምትልእኽ ትማሊ ዓርቢ ወግዓዊ ገይራ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ሄይቲ ዓለምለኻዊ ወተሃደራት ክልእኽ እንተኾይኑ ከኣ፡ ብመሰረት መመርሒ እቲ ውድብ፡ ብባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ክፀድቕ ግድን’ዩ።

ቅትለት ፕረዝደንት ጆቨነል ሞይስ ኣብታ ድኻ ዝኾነት ሄይቲ ናዕቢ ዘስዓበ እንትኾን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ድማ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ተኣዊጁ’ሎ።

እንተኾነ፡ ሕዚ ኣብ መንግስትነት እታ ሃገር ኣብ ሓላፍነት መን ኣሎ ዝብል ግልፂ ኣይኮነንነ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ፕረዚደንት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብመን ተወዲቡ፡ ንምንታይ ዕላማ ዝብል’ውን ዛጊድ ኣይተነፀረን።

ኣብ መንበሪ ገዛ እቲ ፕረዝደንት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ፕረዝደንት ጆቨነል ሞይስ ክቕተል እንከሎ፡ ጓል 47 ዓመት በዓልቲ ገዝኡ ማርቲነ ሞይስ ድማ ብኸቢድ ተጎዲኣ ኣብ ሕክምና ትርከብ።

ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ሊዮን ቻርለስ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተዉ ጥርጡራት እቲ ጉጅለ፡ 26 ኮሎምብያውያንን ክልተ ናይ ሄይቲ መበቆል ዘለዎም ኣሜሪካውያንን ከም ዝርከብዎ ሓቢሩ።

ህዝቢ ክረጋጋዕን ብወነኑ ሕጊ ንምትግባር ከይፍትንነ ድማ ተማሕፂኑ። መንግስቲ ኮሎምብያ ንምርመራ ኣብ ዝግበር ፃዕርታት ንሄይቲ ከምዝሕግዝ ቃል ኣትዩ።

ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ካልእ ፕረዝደንት ብባይቶ ክምረፅ እዩ ዝድንግግ። እንተኾነ ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝነበረ መረፃ እንከይተኻየደ፡ ጆቨኔል ሞይስ ሓያል ናዕብታት ኣብ ዝካየደሉ ብድንጋገ እዩ ንሄይቲ ከመሓድራ ፀኒሑ።