እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ንኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ስምምዕ ንግዲ ኣጐዋ ክትስርዝ እያ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገራት ዩጋንዳ፡ ጋቦን፡ ኒጀርን ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ካብ ስምምዕ ንግዲ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ ከምዝስረዛ ኣፍሊጡ።
ባይደን፡ እተን ሃገራት “ዓበይቲ ጥሕሰታት” ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽማ ወይ ድማ ኣብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዝኾነ ዓይነት ምምሕያሽ ዘየርኣያ እየን ክብል ገሊጹ።
ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ፡ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ 1800 ምህርቲታት ብዘይ ቀረጽ ናብ ኣመሪኣ ከእትዋ ዘኽእል እዩ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ ዝርከባ ኒጀርን ጋቦንን “ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ልዕልነት ሕጊን” ኣይመስረታን ወይ ንምምስራት ዘኽእል ምምሕያሽ ኣይገበራን ብዝብል ንኣጎዋ ኣይበቕዓን ኢሉ።
ምእጋድ ሃገራት ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ዩጋንዳን ዝምልከት ድማ መንግስታተን “ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎም ሰብኣዊ መሰላት” ይፍጽሙ ብምህላዎም እዩ ኢሉ።
ዩጋንዳ ንሕደ ጾታውያን ዝምልከት ኣዘራራቢ ሕጊ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ኣመሪካ ኣብ ግንቦት፡ ነታ ሃገር ካብ ኣጎዋ ከምእትእግዳን ማዕቀብ ከምእትገብረላን ገሊጻ ነይራ።
ኣብ ሕደጾታዊ ተግባር ተሳቲፎም ዝተረኸቡ ሰባት ብሞት ክቕጽዑ ዝእዝዝ ሕጊ ዩጋንዳ፡ ዓለምለኻዊ ወቐሳ ኣስዒቡ እዩ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ እተን ሃገራት ንስምምዕ ንግዲ ኣጐዋ ዘየብቀዐን ስክፍታታት ዝምልከት ኣመሪካ ከመሓይሻ ንዝቐረበትለን ሕቶ ክተሓባበራ ፍቓደኛታት ከምዘይኰና ጠቒሱ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሓሙስ ጀሚራ መበል 20 ፎረም ኣጐዋ ከተአንግድ ኰይና፡ እተን ዝተኣገዳ ሃገራት ዛጊት ምላሽ ኣይሃባን።
እቲ ክልከላ ካብዚ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት 2024 ተግባራዊ ዝግበር ኰይኑ፡ ካብቲ ንግዲ ወጻኢ፡ ቍጠባዊ ዕብየትን ዕድል ስራሕን ከምዘዕቢ ዝንገረሉ ውዕል ንግዲ ኣጐዋ ምውጸአን ኣብተን ሃገራት ቍጠባዊ ሃስያ ከምዘስዕብ ይግመት።
ኣብ 2022፡ ኣስታት 881 ሽሕ ዶላር ጥራሕ ዋጋ ዘውጽእ ሰደድ ከምዝገበረት እትግለጽ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝተሓተ ጽልዋ ዘለዋ ከምዝኾነት ዝግመት ኮይኑ፡ ንባዕላ ግን 23 ሚልዮን ዝግመቱ ፍርያታት ካብ ኣመሪካ ኣታዊ ገይራ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዩጋንዳ 174 ሚልዮን፡ ጋቦን 220 ሚልዮን ከምኡ ድማ ኒጀር 73 ሚልዮን ዝግመት ፍርያት ናብ ዕዳጋ ኣመሪካ ሰደድ ገይረን።
ምስቲ ዩጋንዳ ዘውጸአቶ ጸረ ሕደ ጾታውያን ሕጊ ተኣሳሲሩ፡ ድሮ ገለ ትካላት ኣመሪካ ፍርያት ጨርቂ ካብ ዩጋንዳ ምእታው ደው ከምዘበሉ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ቅድሚ ወርሒ ገሊጹ ነይሩ።
ሙሰቨኒ ብግደኡ ኣብ ነሓሰ፡ ንኣመሪካ ዒላማ ከምዝገበረ ዝተገለጸ ክልከላ ልባስ ክዳውንቲ ናብ ዩጋንዳ ገይሩ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ኒጀርን ጋቦንን ዝግበር ክልከላ ድማ ኣመሪካ ኣብቶም ወታሃደራዊ ኣመሓደርቲ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።
ሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ጊኒን ብምኽንያት ዕልዋ መንግስቲ ቅድም ክብል ካብ ስምምዕ ንግዲ ኣጐዋ ዝተሰረዛ ሃገራት እየን።