ኤሚ፡ እታ እንኮ ካብ 24 ዝሞቱ ህጻናት ዝተረፈት

ጓል ሰለስተ ዓመት ኤሚ፡ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ጥቓ እታ ትኽ ትንፋስ መሓዛኣ ኰይና ትኽስ ኢላትሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ታይላንድ ዝርከብ ማእከል ህጻናት መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 3 ዝርከቡ ዓሰርተ ሓደ ህጻናት ዝርከብዎ ኤሚ እትመሃረሉ ክፍሊ፡ ብስእልን ጽሕፉን መሊኡ ይርአ ነይሩ። ኣብ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ፡ መምህራን ታሕጓስን ፍሽኽታን ዝዓሰሎ ስእልታት ናይቶም ህጻናት ናብ ወለዶም ሰዲዶም ነይሮም።

እንተዀነ፡ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት፡ ህጻናት ደቂሶም እንከለዉ፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ነበር ፓንያ ካምራብ ብረትን ካራን ዓጢቝ ንህንጻ እቲ ማእከል ወሪርዎ።

እቲ ፖሊስ ነበር ቅድሚ ናብ ነፍስወከፍ መምሃሪ ክፍልታት ምእታዉ፡ ፈለማ ንሰራሕተኛ እቲ ማእከልን ንሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ ነፍሰጾር መምህርን ከምዝቐተለ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም። ንሱ ንዅሎም መሓዙት መማህርቲ ኤሚ ደቂሶም እንከለዉ ቀቲልዎም።

ኤሚ ብኸመይ ከምዝድሓነት ንጹር ኣይኰነን። ኣብ መንጐ እቶም ዝሞቱ ደቂ ክፍላ ተዓዃሊላን ካብ ድቃሳ ተበራቢራን’ያ ተረኺባ።

“ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት እንታይ ከምዘጋጠመ ዋላ ሓንቲ ኣይትፈልጥን ነይራ” ክብል ወዲ 59 ዓመት ኣቦሓጐኣ ሶምሳክ ስሪቶንግ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ “መሓዙታ ዝደቀሱ’ዩ መሲልዋ ነይሩ። ሓደ ፖሊስ ንገጻ ብጨርቂ ሸፊኑ ካብቲ ብደም ዝጠልቀየ ክፍሊ ቀስ ኣቢሉ ኣውጺእዋ።”

ሰራሕተኛታት ድሕነት ንኤሚ ካብቲ ዘጋጠመ ኣስካሕካሒ ፍጻመ ንምኽዋል ናብ ካልኣይ ደብሪ’ዮም ወሲዶምዋ። ካብኡ ንደሓር ካልኦት ብህይወት ዝተረፉ ሰባት እንተረኸቡ ኢሎም ናብቶም መምሃሪ ክፍልታት ኣቕኒዖም።

ኤሚ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ታይላንድ ኖንግ ቡኣ ላምፑ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዝድሓነት እንኮ ህጻን’ያ። በቲ መጥቃዕቲ ንበዓልቲ ቤትን ወዲ ሰበይቱን እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ሓዊስካ፡ ብድምር 37 ሰባት ክቕተሉ እንከልዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 24 ህጻናት’ዮም።

“ብህይወት ምውጽኣ ዕድለኛ’የ። ፈለማ ምስረኣኽዋ ጭብጥ ኣቢለ ሒዘያ” ይብል ኣቦሓጐ ኤሚ።

ጓል 35 ዓመት ኣደ ኤሚ፡ ፓኖምፓይ ስሪቶንግ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ ባንኮክ እናኸደት እያ እትሰርሕ። ኣብቲ ማእከል መሐብሐቢ ህጻናት ዝመሃሩ ቈልዑ ኵሎም ሞይቶም ጓላ ግን ከምዝደሓነት ተነጊርዋ።

“ኣብ መወዳእታ ንጓለይ ብቪድዮ ደወል ምስረኸብክዋ ሩፍታ ተሰሚዑኒ” ትብል ኣደ ኤሚ።

እታ ንእሽቶ ከተማ ብሓዘንተኛታት ተዋሒጣ ዝቐነየት ኰይና፡ ስድራ ኤሚ ንጓሎም እንታይ ኢሎም ክነግርዋ ከምዘለዎም ተሻቒሎም ቀንዮም።

ኤሚ ብዛዕባ እቶም ምስኣ ዝውዕሉ መሓዙታ ቀጻሊ ከምእትሓቶም ዝገለጹ ስድራ ኤሚ፡ ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ምስኣ ዝውዕሉ ዝነበሩ ህጻናት ኵሎም እንተላይ እታ መምህሮም ከምዝሞቱን እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ከምዝተዓጸወን ነጊሮማ።

“መዓልታዊ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ እያ እትደሊ። ንሕና’ውን እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝተዓጸወ ቀጻሊ ኢና እንነግራ እንተዀነ ትርጕም ሞት ንኽትርዳእ ገና ቈልዓ’ያ” ትብል እታ ኣደ።

ነቶም ዝሞቱ ቈልዑት ኣብ ኵሎም ኣብያተ መቕደስ እታ ከተማ ጸሎት ይግበረሎም ኣሎ።

ቀንዲ መንቀሊ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ይዅን እምበር ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ፖሊስ ነበር ካምራብ እጸ ፋርስ ስለዝተጠቐመ፡ ዝሓለፈ ሰነ ካብ ስርሑ ከምዝተባረረ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብታ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ታይላንድ እትርከብ ከተማ ዝነብሩ ወለዲ፡ ድሕቲ እቲ መጥቃዕቲ “ደቅና ብሰላም ዝውዕልሉ ቦታ ኣበይ’ዩ?” ዝብል ሕቶ የልዕሉ ከምዘለዉን፡ ሰበ ስልጣን ድሕነት ዜጋታት ከውሕሱ ከምዘለዎም ይሓቱ ከምዘለዉ ተገሊጹ።