ኣፍኮን፡ ተጻወትቲ ኣይቮሪኮስትን ናይጀርያን ሽልማት ገዛን ገንዘብን ተበርኪቱሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብሰንበት ኣብ ዝተዛዘመ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ተጻወትቲ እተን ቀዳመይትን ካልኣይትን ኰይነን ዝተዓወታ ኣይቮሪኮስትን ናይጀርያን ሽልማት ገንዘብን ገዛን ካብ መራሕቶም ተበርኪቱሎም።
ኣብ ምድብ ጸወታ ኣብ ጽቡቕ ቍመና ዘይነበሩ፡ ድሒሮም ግን ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ዓዶም ዘትረፉ ተጻወትቲ ኣይቮሪኮስት ነፍሲ ወከፎም 82 ሽሕ ዶላርን 82 ሽሕ ዶላር ዘውጽእ ቪላን ከምዝወሃቦም ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ኣላሳን ኦታራ “ንመላእ ህዝቢ እዛ ሃገር ሓጎስ ስለዘግዘምክምዎ ብራቮታት፡ ብራቮታት፡ ብራቮታት” ብምባል ወዲስዎም።
ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ብኣይቮሪኮስት 2 ን 1 ስተሰዓሩ ናይጀርያውያን’ውን ጥራይ ኢዶም ኣይወጽኡን፡ ኣብ ሃገሮም ኣቀባብላ ጀጋኑ ተገይርሎም።
ነፍሲ ወከፍ ተጻወታይ እታ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ናይታ ሃገር ዝዓበየ ናይ ክብሪ ሽልማት ክወሃብ እንከሎ፡ ገዛን ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ መሬትን ክወሃቦም ከምዝዀነ ተገሊጹ።
ተጻወትቲ ናይጀርያ ዝወሃቦም መጠን ናይቲ ገንዘብ ግን ኣይተሓበረን ዘሎ።
ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮም ዝዛዘሙ ተጻወትቲ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ነፍሲ ወከፎም 52 ሽሕ ዶላር ክወሃቦም ከምዝዀነ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን።
ኮንፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ሎሚ ዓመት ንዕውታት ዝህቦ ገንዘባዊ ሽልማት ብ40 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ’ዩ።
ንዕውታት ሃገራት ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወሃበን ዋንጫን መዳልያን ገንዘባዊ ሽልማት’ውን ካብ ካፍ ተበርኪቱለን’ዩ።
በዚ መሰረት ቀዳመይቲ ዝዀነት ሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት 7 ሚልዮን ዶላር፡ ካልኣይቲ ዝወጽአት ናይጀርያ 4 ሚልዮን ዶላር፡ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሓ ደቡብ ኣፍሪቃን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ነፍሲ ወከፈን 2.5 ሚልዮን ዶላር፣ እተን ናብ ርብዒ ፍጻም ዝበጽሓ ኣርባዕተ ሃገራውያን ጋንታታት ከኣ ነፍሲ ወከፈን 1.3 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት ረኺበን’የን።
ተንተንቲ ኵዕሶ እግሪ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ ኣጥርየናኦ ዘለዋ ብቕዓት ቍጽረን ኣብ ተሳታፍነት ዋንጫ ዓለም ክብ ክብል ዝድርኽ ምዃኑ ይገልጹ።
በዚ ሕጂ ዘሎ ኮታ ኣብ ዝመጽእ ዋንጫ ዓለም፡ 9 ካብ ኣፍሪቃ፡ 13 ከኣ ካብ ኣውሮጳ ክሳተፋ’የን፤ እንተዀነ ክልቲኤን ኣህጉራት ዳርጋ ብማዕረ ሃገራት እየን ኣብ ፊፋ ዝውከላ።
ቅድሚ ሕጂ መራሕቲ ሃገራት ንዕውታት ተጻወትቶም ገንዘባዊ ሽልማት ክመባጽዑ ይርኣዩ’ዮም፤ እንተዀነ ብዙሓት ተጻወትቲ ዶሞዞምን ዝተመባጽዓሎም ሞቕሽሽን ከምዘይተወሃቦም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ከማርሩ ይስምዑ።
ኣብ 1990 ዋንጫ ዓለም ኣብ ርብዒ ፍጻመ ኣንጻር እንግሊዝ ጽቡቕ ጸወታ ዘርኣዩ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ኣብቲ እዋን መብጽዓ ንዝተኣተወሎም ገዛ ንኽወሃቦም 30 ዓመታት’ዮም ተጸብዮም፤ እቲ ገዛ ክውሃቦም እንከሎ ድሮ ሓለቓ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝነበረ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







