ካብ ዩኒቨርሲቲ ብምእጋደን ንዝተቓወማ ደቂኣንስትዮ ዝኣስር ዘሎ መንግስቲ

ጣሊባን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ንዝመሃራ ደቂ ኣንስትዮ እገዳ ንከይግበር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ዝተሳተፋ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ’ሎ ።

ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ ኣውራጃ ታካር እውን ተቓውሞታት ተላዒሉ፡ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ከኣ ተኣሲሮም።

ኣብ ጽባሕ እቲ እገዳ ዝተኣወጀሉ ዕለት ሓለዋ እቲ ዩኒቨሪስቲ፡ ብኣማኢት ንዝቝጸራ ደቀንስትዮ ተማሃሮ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከይኣትዋ ከልኪሎምወን።

ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ምስተመልሰ ደቀንስትዮ ንኸይመሃራ ዝእግድ ፖሊሲ እዩ ዘተግብር ዘሎ ።

ድሮ ደቀንስትዮ ካብ መብዛሕትአን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ድሮ ተገሊለን ኣለዋ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ሚኒስተር ላዕለዋይ ትምህርቲ ብሰሉስ ናይ ህዝብን ናይ ውልቀን ዩኒቨርሲቲታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ንኸየምህር ዝእግድ ትእዛዝ ድሕሪ ምምሕልላፉ ብኡንብኡ ተግባራዊ ኮይኑ።

ምኒስትሪት ምህርቲ እቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ተገምጊሙ ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ካሪክለም ክሳብ ዝዳሎ እተን ደቀንስትዮ ካብ ትምህርቲ ተገሊለን ክጸንሓ ከምዘለወን ገሊጹ ።

ትማሊ ሓሙስ ኣስታት ክልተ ደርዘን ዝኾና ሕጃብ ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ኣብ ጐደናታት ካቡል እናጨረሓ ክዞራ ኣብ ማሕበራዊሚድያ ተራእየን።

እተን ሰልፈኛታት ደቀንስትዮ ፈለማ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየን ዝበለጸን ዩኒቨርሲቲ ካቡል ክእከባ እኳ እንተ መደባ፡ ነቲ መደብ ኣቐዲሞም ዝፈለጡዎ ሰበ-ስልጣን ብዙሓት ኣኽበርቲ ጸጥታ ስለዘዋፈሩ ነቲ ዝእከባሉ ቦታ ቀይረንኦ።

ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፋ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብደቀንስትዮ ኣባላት ጣሊባን ከም እተሃርማን ከምእተኣስራን ንቢቢሲ ሓቢረን።

ሓንቲ ካብተን ተቓወምቲ ካብ ማእሰርቲ እኳ እንተምለጠት ብሕማቕ ከምእተሃርመት ንቢቢሲ ሓቢራ።

ሓንቲ ሽማ ክትገልጽ ዘይደለየት ጓለንስተይቲ፡ "ኣብ መንጎና ብዙሓት ኣባላት ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ነይረን" ኢላ።

"ንገለ ካብተን ምሳና ሰልፊ ዝገበራ ደቅና ሃሪሞመን፡ ንገሊአን እውን ኣሲሮምወን። ኣነ ግን ዕድል ገይረ ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጠ፤ ይኹን እምበር ብሕማቕ ተቐጥቂጠ እየ " ኢላ።

ሓንቲ ካልእ ተቓዋሚት ድማ፡ ክልተ ካብተን ዝተኣስራ ሰባት እኳ እንተተፈትሓ ካልኦት ሓያሎ ግን ገና ተኣሲረን ኣለዋ ኢላ።

ሓደ ሓደ ሰብኡት ነተን ተቓወምቲ ደቀንስትዮ ብምድጋፍ ብህዝባዊ ኣብያ ደገፎም ገሊጾም ኣለው። ኣብ ህዝባውን ውልቃውን ትካላት ዝምህሩ ዝነበሩ ኣስታት 50 ፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም። ገሊኦም ደቂ ተባዕትዮ ተመሃሮ ከኣ፡ ፈተና ካብ ምውሳድ ተሓሲሞም ኣለው።

ኣመሪካ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጻኣ ኣብ ነሓሰ 2021 ስልጣን ዝሓዘ ጣሊባን ፍኹስ ዝበለ ስርዓተ ምሕደራ ከም ዝህሉ ቃል እኳ እንተኣተወ እቶም ኣኽረርቲ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ግን፡ ኣብታ ሃገር ንዝጸንሐ መሰላትን ናጽነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣጊዶምዎ ኣለው።

ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ምስ ሓዘ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ተቓውሞታት እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሓያሎ ደቀንስትዮ ተቓወምቲ፡ ማእሰርቲ፡ ዓመጽን ማሕበራዊ ኣድልዎን የጋጥመን ኣሎ።

ቅድሚ እቲ ሰሉስ ዝወጸ ናይ እግድ መግለጺ እውን፡ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣድልዎ ብዝመልኦ ሕጊ እየን ክሰርሓ ጸኒሐን።

ንጾታ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣፍደገታትን መምሃሪ ክፍልታትን ተፈጢሮም ነይሮም። ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወይ ዕድመ ዝደፍኡ ፕሮፌሰራት ጥራሕ እዮም ንደቂ ኣንስትዮ ክምህሩ ተፈቒዱሎም ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ እተወሰነ ዓይነት ትምህርቲ ጥራይ ክመሃራ እዮም ዘፍቅዱለን ነይሮም።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርትን ባህልን ዩኒስኮ፡ ካብታ ጣሊባን ብኣመሪካ ካብ ስልጣን እተኣልየላ ዓመተ 2001 ክሳብ ጣሊባን ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝምለስ መጠን ተሳታፍነት ደቀንስትዮ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብ20 ዕጽፊ ከምዝወሰኸ የረድእ።