ኢትዮጵያ፡ ኣብ መርዓ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 20 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ኖኖ ንመርዑት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ከምዝቐተለ ሰብ መዚ ምምሕዳር እቲ ከባቢን ነበርትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓላፊ ሓይሊ ዕማም እቲ ከባቢ ኣቶ ተሾመ ሰቦቃ "ኣኽረርቲ ዕጡቓት ኣምሓራ" ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ክገልጽ ከሎ፡ ሓደ ነባሪ ከኣ እቲ መጥቃዕቲ ‘ብመንን ስለምንታይን’ ከምዝተፈጸመ ንጹር ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።

ሓላፊ ኮማንድ ፖስት ወረዳ ኖኖ ኣቶ ተሾመ ሰቦቃ እቶም “ኣኽረርቲ ዕጡቓት ኣምሓራ” ዝበሎም ኣካላት ብቀዳም 8 ሰነ 2016 [ግ] ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ መርዑት ናብ ዝነበሩሉ ገዛ ቦምባ ከምዝደርበዩ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

“እቶም እንዳ መርዑት ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ እንከለዉ ብደገ ማዕጾ ዓጽዮም ቦምባ ደርብዮምሎም። ኣብቲ ገዛ ካብ ዝነበሩ ብህይወት ዝወጸአ ሰብ የለን። ኣብኡ ነዲዶም" ኢሉ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ። ክትዕ መሬት ዘበገሶ እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ርግጸኛታት ክንከውን ግን ኣይከኣልናን" ክብል ገሊጹ።

ቅትለት ዝተፈፀመሎም ገዛውቲ ካብ ምንዳድ ብተወሳኺ ዝምታ ከምዝተፈፀመ ዝሓበረ ነባሪ ንጽባሒቱ ንግሆ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዝሰግኡ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣባይቶም ከምዝዓጸዉ ተዛሪቡ።

ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ኣባላት ስድራቤቶም ዝተጎድእዎም ነበርቲ "ብዝፈጸምዎ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ኣባይቲ ተቓጺሎም" ክብል እቲ ነባሪ ወሲኹ ሓቢሩ።

ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብቲ መርዓ ዝካየደሉ ቦታ ልዕሊ ሓደ ቦምባ ብምድርባይ መርዓትን መርዓውን ዝርከብዎም ሰባት ከምዝቐተሉ ተዛሪቡ።

እቶም ኣብቲ እንዳ መርዓ ዘጋጠመ ባርዕ ከጥፍኡ ዝመጹ ነበርቲ በቶም ዕጡቓት ተኹሲ ከምዝተኸፍተሎምን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ቢቢሲ ካብ ሓላፊ ሓይሊ ዕማምን ነበርትን ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ቁጽሪ ዝሞቱ ካብ 30 ክሳብ 50 ክበጽሕ ከምዝኽእል ክዛረቡ ከለዉ፡ ሓላፊ ሓይሊ ዕማም እቲ ወረዳ ኣቶ ተሾመ ሰቦቃ ብወገኑ በቲ ባርዕ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ገሊጹ።

"ኣብዚ እዋን መንነት ናይቲ ሬሳ ምፍላጥ ኣይከኣልን እዩ። ሬሳ ካብቲ ዝነደደ ዕንጨይቲ ንምፍላይ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑና ኣሎ" ኢሉ።

እቶም ዕጡቓት ንምንታይ ነቶም መርዑትን ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ዒላማ ከምዝገበሩ ግን ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።

በቲ መጥቃዕቲ ብዘይካ’ቲ መርዑት ዝነበሩሉ ገዛ ካልኦት 22 ገዛውቲ እውን ብሓዊ ከምዝተቓጸሉ እቲ ሓላፊ ኮማንድ ፖስት ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ከረጋግጾም ዘይከኣለ ኣብታ ወረዳ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቱ ዘርእዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሖም ኣለዉ።

ኣብ ውሽጢ ገዛውቲ ብሓዊ ዝነደዱ ሬሳታት ኣብቲ ምስልታት ይረኣዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ሓይልታት መንግስቲ፣ ዕጡቓት ኦሮሞን ኣምሓራን ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኦሮሚያ ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ብምግባር ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።