ሕቡራት ሃገራት ንዝዓነወ ትሕተ ቕርጺ ትግራይ ንምህናጽ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፈራሪሙ

ዝዓነወ ትካል ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ንኣስታት 20 ኣዋርሕ ብኲናት ዝደቐቐት ትግራይ፡ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንምጅማር፡ ዘኽእል መደብ ሕውየት ትሕተ ቕርጺ ንምስላጥ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተፈራረመ ተገሊጹ።

እቲ፡ ሎሚ ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝዓነዉ ትሕተ ቕርጽታትን ትካላትን ደጊሙ ንምህናጽ ንምሕዋይን፡ ብባንኪ ዓለም ዝምወል ኰይኑ፡ ብሳልሳይ ኣካል ዝትግበር ፕሮጀክት ከምዝፈረመ እዩ ኣፍሊጡ። 

እቲ መደብ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለዉ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ንምጅምራ ዘኽእል ቅድመ-ኩነት እንትኸውን፡ ‘ምስ ህዝቢ እቲ ክልል ብምምኽኻር ዝትግበር’ ከምዝዀነ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ ኣሎ።

ከምኡ ድማ፡ እቲ መደብ ኣካል እቲ ባንኪ ዓለም ቅድም ኢሉ ብኲናት ንዝተሃሰዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ግዳይ ጾታዊ ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮን ዝዓለመ ሓገዝ ከምዝዀነ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ቅድም ክብል፡ ባንኪ ዓለም፡ ነቲ መደብ ዳግመ ህንጸትን ሕውየትን ከባብታት ግዳይ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዝውዕል ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ምምዳቡ ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።

ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ኣብታ ክልል፡ ስልኪ፣ ባንክ፣ ኢንትርኔትን፣መብራህትን- መጓዓዝያን፡ ዝተቛረጹ ዀይኖም፡ መንግስቲ ፌዴራል፡ ከተማ መቐለ ተቖጻጺሩ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ገለ ግልጋሎታት ምሃብ ጀሚሮም ምንባሮምን፡ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት መሊሶም ምቁራጾምን ይዝከር።

ኣብታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ወርሒ ሰነ 2021 ጀሚሩ፡ ‘ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይእዉጅ ዕጽዋ እትርከብ’ ዝበላ ትግራይ እዞም ዝተቛረጹ መንግስታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ዘይምምላሶም ድማ፡ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋዲድዎ ከምዘሎ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፡ ዝሐሸ መጠን ረድኤት ናብቲ ክልል ኣትዩ ከምዘሎ ዝንገር ኰይኑ፡ እንተዀነ ሰኣን ነዳዲ ናብቲ ረድኤት ዝጽበ ህዝቢ ናብ ወረዳታት ምብጻሕ ከምዝየተኽኣለ ይግለጽ።

እቲ መግለጺ ሚኒስተር ፋይናንስ ከምዝብሎ፡ እዚ ሓድሽ ውጥን፡ ኣካል እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገርለኸ ክትግበሮ ብባንኪ ዓለም ዝምወል መደብ ዀይኑ፡ “እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ፡ ብሳልሳይ ኣካል ክትግበር’ ከምዝፈቐደ ይገልጽ።

ነዚ መደብ ክትግብር ምስ መንግስቲ ተስማሚዑ ዘሎ ሳልሳይ ኣካል፡ ቤት ጽሕፈት ፕሮጀክት ኣገልግሎት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNOPS] ዝተብሃለ ትካል ኮይኑ፡ እቲ ስርሑ መዓዝን ብኸመይን ከምዝጅምር ኣይተነጸረን። እቲ ኩነታት ምስ ዝመሓየሽ ድማ፡ እቲ መደብ ንመንግስቲ ከምዘረክብ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብዚ መደብ፡ ግደ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ውድብ እንታይ ከምዝኸውን ዘይተነጸረ ዀይኑ፡ ኣፈኛ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ “እዚ ማለት፡ እንታይ ማለት ከምዝዀነ ክርደአኒ ኣይከኣለን. . . መልሲ ንምርካብ እጽበ ኣለኹ” ዝብል ሓጺር ርእይቶ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ ይርከብ።