ሪያል ማድሪድ ንመበል 15 ግዜ ዋንጫ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ዓቲራ

ክለብ ማድሪድ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ሪያል ማድሪድ ኣንጻር ቦሪስያ ዶርትሙንድ 2ን0 ብምዕዋት ዋንጫ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ዓቲራ።

ማድሪድ ንክብረወሰን መበል 15 ግዜኣ እያ እዚ ዓወት ክተመዝግብ ክኢላ።

ኣሰልጣኒ እታ ክለብ ካርሎ ኣንቸሎቲ እውን ንሓሙሻይ ግዜኡ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሑ ኣሎ።

ጀርመናዊት ጋንታ ቦሪስያ ዶርትመንድ ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝድነቕ ጸወታ ኣርእያ፡ ብዙሓት ዕድላት እውን ፈጢራ ነይራ።

እንተዀነ ግን ተጻወትቲ እታ ክለብ ሸቶ ከመዝግቡ ኣይከኣሉን።

እዚ ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ዋጋ ኣኽፊልዎም’ዩ።

ማድሪድ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ እብረ ዳኒ ካርቫሃልን ቪንቺየስ ጁንየርን ብዘመዝገብወን ሸቶታት እያ ክትዕወት ክኢላ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ዶርትመንድ ዝዓበለለት መሲላ’ኳ እንተነበረት፡ ተጻወትቲ ማድሪድ ግን ኣብ ወሳኒ ግዜ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

ምስ ክለቡ ናይ መወዳእታ ጸወታ ዘካየደ ቶኒ ክሮስ ሓዊሱ ካርቫሃል፡ ናቾን ሉካ ሞድሪችን ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ከልዕሉ ንሻድሻይ ግዜኦም እዩ።

ኣብዚ ዓመት ሪያል ማድሪድ ንኣርቢ ላይፕዚግ፡ ንማንቸስተር ሲቲን ንባየር ሙኒኽን ብምስዓር እያ ናብ ፍጻመ በጺሓ።

ዶርትመንድ ድማ ንፒኤስቪ ኣይንድሆቨን፡ ስጳኛዊት ኣትለቲኮ ማድሪድን ፈረንሳዊት ፒኤስጂን ኣውዲቓ እያ ናብ ፍጻመ ጸወታ ክትበጽሕ ክኢላ።

ቅድሚ 11 ዓመት እውን ዶርትመንድ ናብ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ በጺሓ ነይራ።

ይኹን’ምበር ብባየር ሙኒኽ ከምዝተሰዓረት ይዝከር።