እስራኤል ነቲ ቀንዲ ኣዛዚ ሰራዊት ሓማስ ከም ዝቐተለት ኣፍሊጣ

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ንቀንዲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ፡ መሓመድ ደይፍ ብ 13 ሓምለ ኣብ ቓዛ ኣብ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ከምዝተቐትለ ገሊጹ።

ደይፍ፡ ኣብ ቓዛ ከተማ ከሃን ዩኒስ ኣብ ዝነበሮ ቀጽሪ ዒላማ መጥቃ’ዕቲ ነፋሪት ከምዝተገብረ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ሎሚ ዝፈነዎ ሓበሬታ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ ራፋዕ ሳልማን ዝተባህለ ካልእ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ከም ዝተቐትለ ኣፍሊጡ፤ ምቕታል ደይፍ ግን ከይተረጋገጸ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ።

እዚ መግለጺ ሰራዊት እስራኤል፡ ንቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ኣብ ቴህራን -ኢራን፣ ከምኡ’ውን ቅትለት ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ፉኣድ ሹክር ኣብ በይሩት - ሊባኖስ ስዒቡ ዝመጽእ ዘሎ እዩ።

መሓመድ ደይፍ ሓደ ካብቶም እስራኤል ብጽኑዕ ትደልዮምን ከም ቀንዲ ጸላእታ እትርእዮምን ወተሃደራዊ መራሕቲ ሓማስ እዩ።

መሓመድ ደይፍ መን እዩ?

መሓመድ ዲያብ ኣልመስሪ ኰይኑ፡ ሳጓኡ "ኣቡ ኻልድ" ወይ ድማ "ኣ’ደይፍ" እዩ። ንሱ ወተሃደራዊ ክንፊ ምንቅስቓስ ሓማስ ንዝዀና በራጊድ ኣልቐሳም ዝመርሕ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ 1965 ኣብ ቓዛ ተወሊዱ።

ብፍልስጤማውያን፡ “እቲ ኣውራ ሓንጻጺ” [The Mastermind]፡ ብእስራኤላውያን ድማ “ናይ ሞት ሰብ” [The Man of Death] ወይ "እቲ ትሽዓተ ትንፋስ ዘለዎ ተቓላሳይ” ተባሂሉ ይፍለጥ።

መሓመድ፡ ካብ እስላማዊ ዩኒቨርሲቲ ቓዛ ብባዮሎጂ ቀዳማይ ዲግሪ ዝረኸበ ኰይኑ፣ ተምሃራይ ኣብ ዝነበረሉ ብፍቕሪ ተዋስኦን ትያትርን ይፍለጥ ስለ ዝነበረ፡ ጕጅለ ስነጥበብ መስሪቱ።

ምምስራት ምንቅስቓስ ሓማስ ምስ ተኣወጀ ግን ብዘይ ነግፈረግ ኣብ መሳርዑ ተጸንቢሩ።

ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት ሓማስ ይነጥፍ እዩ ብዝብል ክሲ፡ ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ 1989 ኣሲሮምዎ፤ ብዘይ ፍርዲ ድማ ን16 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ።

ደይፍ፡ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ዘካርያ ኣልሾርባጊን ሳላሕ ሸሃደን ተሰማሚዑ ወተሃደራት እስራኤል ንምሓዝ ዝዓለመ ካብ ሓማስ ዝተፈልየ ምንቅስቓስ ክምስርት ወጢኑ፤ ድሒሩ እዚ ምንቅስቓስ ድማ ብርጌድ ኣልቐሳም ኰይኑ።

መሓመድ ደይፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ፡ በራጊድ ዕዝ ኣ’ዲን ኣል-ቐሳም ከም ወተሃደራዊ ቅርጺ ክንቀሳቐሳ ጀሚረን። ደይፍ ድማ ከም ሓደ ካብ መስረትቱ፡ ብምዃን ኣብ ቅድሚት ክርአ ጀሚሩ።

ንሱ፡ መሃንድስ ናይቶም ተዋጋእቲ ሓማስ ካብ ቓዛ ናብ ውሽጢ እስራኤል ዝሰልኵሎም ገለርያታት ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ሮኬታት ብብዝሒ ምውንጫፍ ዝብል ስትራተጂ ዘስፋሕፍሑ ዝነበሩ እዩ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ዝኸበደ ክሲ፡ ድሕሪ ቅትለት ሰራሕ ቦምባ ሓማስ ያሕያ ኣያሽ እዩ ዝጅምር።

እዚ ድማ ኣብ ፈለማ 1996 ኣስታት 50 እስራኤላውያን ኣብ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ቦምባ ኣውቶቡሳት፣ ከምኡ’ውን ቀጻሊ ስርሒታት ሕነ ምፍዳይ ምውጣኑን ምክያዱን ከምኡ'ውን ኣብ መፋርቕ 1990ታት ኣብ ምምራኽን ምቕታልን ሰለስተ ወተሃደራት እስራኤል ብምስታፉን እዩ።

እስራኤል ኣብ 2000 ኣሲራቶ’ኳ እንተነበረት፡ ኣብ "ካልኣይ ኢንቲፋዳ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ግን ካብቶም ዝሓዝዎ ከምልጥ ክኢሉ፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ኣሰሩ ብዙሕ ኣይፍለጥን።

መሓመድ ደይፍ፡ ሰለስተ ኣሳእል ጥራይ እየን ዘለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ኣዝያ ኣረጊት እያ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ማስኬራ ገይሩ እንከሎ ኰይና፡ እታ ሳልሰይቲ ድማ ስእሊ ጽላሎቱ እያ።

ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ዝኸበደ ፈተነታት ቅትለት፡ ኣብ 2002 እዩ ነይሩ። እንተዀነ ብተኣምር ኣምሊጡ። ሓንቲ ዓይኑ ግን ስኢኑ። እስራኤል፡ ሓደ እግሩን ኢዱን እውን ከም ዝሰኣነን፡ ድሕሪ ዝተገብረሉ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ቅትለት ንምዝራብ ከም ዝሽገርን እያ ትገልጽ።

ኣብ 2014 እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘካየደቶ ልዕሊ 50 መዓልታት ዝወሰደ መጥቃዕቲ፡ ንደይፍ ክትቀትሎ ኣይከኣለትን፡ እንተዀነ ንበዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ቀቲላ።

"ኣቡ ኻልድ" ዝብል ሳጓ ዝወሰደ፡ "The Clown" ኣብ እትብል ተዋስኦ "ኣቡ ኻልድ" ዝብል ኣብ መንጐ ዘመነ ኡማያድን ዓባሲድን ኣብ ዝነበረ እዋን ናይ ዝነበረ ፍሉጥ ሰብ ገጸ-ባህሪ ተላቢሱ ብምውስኡ እዩ።

ደይፍ ዝብል ስም ብዓረብኛ "ጋሻ" ማለት ኰይኑ፡ እዚ ሳጓ ዝተዋህቦ ድማ፣ ካብ ቅትለት እስራኤል ንምምላጥ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ሓደ ቦታ ስለዘይጸንሕ፡ ዳርጋ ምሸት ምሸት ኣብ ሓድሽ ቦታ ስለ ዝድቅስ ምዃኑ ይንገር።