ተዋዛዪ ትሬቨር ኖህ፡ ምስናዳእ ‘ዘ ደይሊሾው’ ደው ከብል እዩ

ተዋዛዪ ትሬቨር ኖህ፡ ኣዳላዊ መደብ ዘ ደይሊ ሾው ስርሑ ደው ከብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኖህ፡ "ኣብቲ መደብ ዝነበሮ ጻንሒት ከም ዘሐጕሶ’ኳ እንተገለጸ፡ "ካልእ ክድህስሶ ዝደሊ ክፋል ህይወተይ ኣሎኒ" ኢሉ።

እዚ ወዲ 38 ዓመት መንእሰይ፡ ነቲ መደብ ኣብ 2015 ካብ ጆን ስቲዋርት ካብ ዝርከቦ ንደሓር፡ ነቲ ዋዛ ዝመልኦ ዜናን ቶክ ሾውን ኣአንጊዱ'ዩ።

ስራሕ ደው ዘብለሉ ግዜ ድሒሩ ከምዝግለጽን ክሳብ ሕጂ'ውን ከም ኣአንጋዲ ኰይኑ ከምዝቕፅልን ተፈሊጡ።

ኖህ፡ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ እቲ ሞያኡ ጀሚርዎ።

ኣብ 2011 ናብ ኣሜሪካ ቅድሚ ምግዓዙ፡ ተኸታታሊ ስታንድ-ኣፕ ፍሉያት መደባትን ምሸት ምሸት መደብ ዕላልን የቕርብ ነይሩ።

ንደይሊ ሾው ክሕዝ ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን ብዙሕ ስሙይ ኣይነበረን፤ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ኮኾብ ኰይኑ ብዙሕ ሽልማታት ተለቪዥን’ውን ተዓዊቱ።

ኖህ፡ ነዚ ዝገለጸ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሓሙስ ምሸት መደቡ ኰይኑ፡ እቲ ሓበሬታ ንዕዱማት መደቡ ዘሰንበደ ነይሩ።

ንሱ ንሰራሕተኛታት ናይቲ መደብን ንኣድነቕቱን፡ “እቶም ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝገርሙ ነይሮም" ክብል ኣመስጊኑ፡ “ዕብዳን እዩ ዕብዳን!" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

"መጀመርታ ክንጅምር እንከለና ይዝከረኒ... ብዙሓት ሰባት ኣይኣመኑናን ነይሮም። ርግጽ፡ ንዓይ ንሓደ ወዲ ኣፍሪቃ ናብዚ ቦታ ምሻም ጽላለ እዩ። ክሳብ ሕጂ ጽሉል ውሳነ እዩ ዝመስለኒ" ክበል ይዋዘ።

"በቃ! ምስ ኮነ ግን ንነብሰይ ኣብዚ ረኺበያ፣ በቲ ጕዕዞ ኸኣ ምስጋና መሊአ። ፍጹም ዘገርም'ዩ ነይሩ። ፈጺመ ዘይተጸበኽዎ ነገር'ዩ።"

ንሱ፡ ድሕሪ ኵሉ እቲ ኣብቲ መደብ ዘአንግድሉ ዝነበረ እዋን - እንተላይ ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ዶናልድ ትራምፕን ለበዳ ኮቪድን፡ ኣዝዩ ዝገርም ከምዝነበረ ገሊጹ፡ “ሕጂ ግን ይኣኽለኒ እየ ዝብል። ብዝጸበቐ መገዲ እዩ ድማ ዘቋርጾ ዘለኹ"ክብል ውሳነኡ ኣፍሊጡ።

"ነዚ መደብ ምድላው ኣዝየ እየ ዝፈትዎ፡ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆታተይ'ዩ ነይሩ፡ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሓጎሰይ'ዩ ነይሩ። ድሕሪ 7 ዓመት ግን፡ ደው ምባል ግዜኡ ዝኣኸለ ኰይኑ ይስምዓኒ" ኢሉ።

"ካልእ ክፋል ህይወተይ ክድህስሶ ዝደሊ ከምዘሎ ተገንዚበ። ካልኦት ቋንቋታት ምምሃር እናፍቕ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ምኻድን ምርኢታት ምቕራብን እናፍቕ። ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ኵሉ ነገር ምግባር እየ ዝናፍቕ።"

"ኣብዚ ክኣቱ እየ ኢለ ሓሊመ ኣይፈልጥን። ብገለ መልክዑ፡ ከም ቻርሊንን ‘ፋብሪካ ቸኮሌትን’ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ዝሓለፈ ምርኢት እንታይ ምዃኑ ንምርኣይ ኣትየ፡ ድሕሪኡ እቲ ዝቕጽል ዝፈልጠሉ መፍትሕ ተዋሂቡኒ።"

"ኣነ ክብሎ ዝኽእል፡ ኣዝየ የመስግን ጥራይ"።