‘ባጤራ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ’ ዝብል ስኑዕ ሓበሬታ ዝዘርግሐ ውልቀሰብ በቲ ዝረኸቦ ኣቓልቦ ተገሪሙ

ምንጪ ስእሊ, EAC SECRETARIAT/X
ከም ዕለታዊ ተዓዛቢ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ክሕሰብ ዝጸንሐ ሓድሽ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ዘገልግል ሓደ ባጤራ ናብ ፍረ ዝበቐዕ’ዩ ዝመስል።
ኣብ ኤክስ [ናይ ቀደም ትዊተር] "መንግስቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ" ዝብል ገጽ ሓቀኛ ኣካውንት ምዃኑ ዝሕብር ሰማያዊ ምልክት ዘማልአ ኮይኑ፡ ሓሙሽተ ሸፍራ ዝዋግኡ መርኣያ ናይ ወረቐት ገንዘብ ምስሊ ኣውጺኡ።
ኣብቲ ምልክት ኖት ኣማሓዳሪ ባንኪ ዝፍርመሉ ንኽታም ዝኸውን ቦታ ዝሓዘን እዩ።
‘ሸፍራ’ ዝብል ስም፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ባጤራታት ሽሊንግ ምብራቕ ኣፍሪቃን ፍራንክን ብምውህሃድ እዩ ቆይሙ።
እቶም ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝወጹ ጽሑፋት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ግዜ ዝተራእዩ ኮይኖም፡ ብዓበይቲ ብሎጋትን እንተወሓደ ብሓደ ህቡብ ናይ ኦንላይን ማዕከን ዜና ኬንያን ድሕሪ ምልዓሉ ኣዘራራቢ ኮይኑ።
ብወግዒ ስራሑ ይጅምር ከምዘሎ ተገይሩ’ዩ ተጸብጺቡ።
ገሊኦም ነቲ ሓሳብ ብውዕዉዕ ስምዒት ክቕበልዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብዛዕባ ስምን ዲዛይንን ተኻቲዖም። ኣብ መወዳእታ፡ ግን እቲ ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቖፈ ውድብ - ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ - ሓቂ ኣይኮነን ክብል ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።
ብድሕሪ እቲ ናይ ሓሶት ባጤራ ኮይኑ ዝተረኽበ ሰብ፡ እቲ ዜና ብኸመይ ከም ዝተዘርግሐን ዝረኸቦ ኣቓልቦን ከም ዘገረሞ ገሊጹ።
ኡጋንዳዊ ሙሴ ሃብዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሰባት ተስፋ ክህብ ከም ዝደሊ ገሊጹ።
ንሱ ንባዕሉ ከም ጠበቓ ናይቲ ብጋህዲ ዘየለ "መንግስቲ ፈደራል ሪፓብሊክ ምብራቕ ኣፍሪቃ" ኢሉ ዝጽውዖ ገይሩ’ዩ ዝወስድ።
እዚ ኣብ መወዳእታ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ኣብ ዓውዲ ስለያ ከም ዝሰርሐ ዝገልጽ ብተዛማዲ ምስጢራዊ ሰብ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ናይ ብሕቲ መርመራታት ከምዘካይድ ዝገልጽ ኩባንያ የካይድ።
ሓደ እዋን እውን፡ ንባዕሉ ብሚስጢር ዝተሸፈነን ምናልባት ምሉእ ልቢ ወለድ ክኸውን ዝኽእልን ኣምባሳደር ናይ ሓደ ዘይፍለጥ ኤውሮጳዊ ልኡልነት ኮይኑ ከምዝተሸመ ገሊጹ ነይሩ።
ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ እቲ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ኣብነታት ወይ "መርኣያታት" ዝተፈላለዩ ዲኖሚንያታት ሸፍራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሕ ጸኒሑ'ዩ።
እተን ኣቐዲመን ዝተዘርግሓ ጽሑፋት ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይሰሓባን፡ ብገለ ምኽንያት ግን እታ ናይ ሓሙሽተ ሸፍራ ኖት ብዙሕ ጠመተ ረኺባ።
"እታ [ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት] ዝዘርጋሕናያ ናይ መወዳእታ ክንልጥፋ ዝግባኣና እያ ነይራ። 'ጀሚርና' ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ክጥቅዕ እንከለኹ ዋላ ንሓደ ሰብ ኣይነገርኩን። መራኸቢ ብዙሓን ግን ብኸመይ ከም ዘልዓልዎ ኣይንፈልጥን ኢና" ኢሉ።
"መንግስቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ" ዝብል ኣካውንቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብኤክስ ናይ ራይት ምልክት ስለዝተዋህቦ፡ እቶም ጽሑፋት ሕጋውነት ነይርዎም’ዩ።
ብመሰረት እቲ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኩባንያ እዚ ማለት ናይ ሓደ መንግስቲ ወይ ብዙሕነታዊ ትካል ወግዓዊ ኣካውንት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, MOSES HAABWA
ቢቢሲ ንምንታይ ነቲ ኣካውንት ናይ ራይት ምልክት ከም ዝሃቦ ንምፍላጥ ናብ ኤክስ ጽሒፉ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን መልሲ ኣይረኸበን።
ካልኣይ ምኽንያት ሸፍራ ገለ ፍናን ዝፈጠረሉ ምኽንያት፡ ሓድሽ ንጽል ባጤራ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ነዊሕ እዋን ብውዳበ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክዝረበሉ ስለዝጸንሐ እዩ።
እቲ ዞባዊ ውድብ ከምኡ’ውን ባንክ ታንዛንያ ግን ነቲ ሸፍራ ብምውጋድ፡ ሰባት ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረታት ምቕላዕ ሓደስቲ ኖት ናይቲ ዞባ ሸለል ክብሉ ጸዊዖም።
ኣብ 2013 ኣባል ሃገራት ውዳበ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ ሎሚ ዓመት ሓደ ባጤራ ንምጥቃም ሸቶ ኣቐሚጠን ነይረን። ይኹን እምበር እቲ ውድብ ነቲ ሸቶ ዝትግበረሉ ዕለት ናብ 2031 ደፊእዎ ኣሎ።
እተን ሸሞንተ ኣባላት - ብሩንዲ፣ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን - ብባህለን፣ ቁጠባአን፣ ኣካላዊ ስፍሓተንን ፖለቲካአንን ኣዝየን ዝተፈላለያ እየን።
ሓደ ባጤራ ንንግዲ ስግረ-ዶባት ርካሽን ቀሊልን ክገብሮ ስለዝኽእልን ስለዚ ድማ ቁጠባዊ ዕብየት ከዕቢ ስለዝኽእልን ተደላዪ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ንኹለን ሃገራት ግን ብማዕረ ክጠቅም ኣይክእልን'ዩ።
ገሊኦም እታ ኣዝያ ዝማዕበለት ቁጠባ ናይቲ ዞባ ኬንያ፡ ኣዝያ ዓብላሊት ከይትኸውን ይሰግኡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







