ስደት፡ ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝተሰደዱ 40 ሱዳናውያን ዝሓዘት ጃልባ ጥሒላ

ሰብ መዚ ቱኒዝያ ልዕሊ 40 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ናይ 13 ሰባት ሬሳታት ክርከብ እንከሎ፡ ብውሕዱ 27 ሰባት ዛጊት ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ሱዳናውያን ከምዝዀኑን ካብቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ክልተ ጥራይ ብህይወት ከምዝተረኸቡን ብምሕባር ነቶም ዝተረፉ እንተስ ብህይወቶም እንተስ ሬሳኦም ንምርካብ ተፍትሽ ይቕጽል ከምዘሎ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ዕላማኦም ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ተበጊሶም ንማእከላይ ባሕሪ ብምቝራጽ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ከምዝነበረ’ውን ተገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ብውሕዱ ትሽዓተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ከምዝተገደዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቶም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ ሱዳናውያን ገለኦም ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክዕቈቡ እንከለዉ ኣዝዮም ብዙሓት ከኣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ይርከቡ።

እቲ ኵናት ሓድሕድ ምስ ተወልዐ መብዛሕትአን ሃገራት ምዕራብ ዜጋታተን ብቕልጡፍ’የን ካብታ ሃገር ኣውጺአን።

ኣብ 2023 ጥራይ ካብ ኣፍሪቃ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ ልዕሊ 2270 ስደተኛታት ከምዝሞቱን እዚ ከኣ ምስ ናይ ዓመተ 2022 ብምንጽጻር ብ60 ሚኢታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየን ጸብጻብ ኣይኦኤም የረድእ።

ቱኒዝያን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ቱኒዝያ ንዋሕዚ ስደተኛታት ክትዓግት ዝሕግዝ ውዕል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተፈራረሙ ዝዝከር’ዩ።

ብመስረት እቲ ውዕል ቱኒዝያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንኽትገትእ፡ ዶባት ብጽኑዕ ንኽትሕሉን ንዝመጽእዋ ስደተኛታት ናብ ዝመጽእዎ ንኽትመልስን ዘኽእል ናይ 118 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝተወሃባ ይዝከር።

እዛ ልዕሊ ኣርባዓ ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ካብ ኣብ ጥቃ ከተማ ስፋከስ እትርከብ ጀቢንያና ትበሃል ንእሽተይ ከተማ ምስ ተበገሰት ነዊሕ ከይከደት’ያ ጥሒላ።

መንግስቲ ቱኒዝያ ንጠንቂ ምጥሓል እታ ጃልባ መርመራ የካይደሉ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።