እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ኣብ ባቕዳድ ብኢራን ንዝድገፍ ላዕለዋይ ኮማንደር ሚሊሻ ቀቲላ
ላዕለዋይ ኮማንደር ብኢራን ዝድገፍ ሚሊሻ፡ ኣብ ባቕዳድ ብመጥቃዕቲ ድሮን ኣሜሪካ ተቐቲሉ።
እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ርእሰከተማ ዒራቕ እዩ ተፈፂሙ።
መራሒ ካጣይብ ሕዝቦላህን ክልተ ዓጀብቱን ኣብታ ዒላማ ዝዀነት መኪና ዝነበሩ ኰይኖም፡ ሰለስቲኦም ብመጥቃዕቲ ሰብኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ኣሜሪካ ተቐቲሎም።
ፔንታጎን እዚ ላዕለዋይ መራሒ ሚሊሻ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣሜሪካ ንዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ከም ዝነበሮ ገሊጹ።
ኣሜሪካ፡ እቲ ዕጡቕ ሚሊሻ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዮርዳኖስ ሰለስተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝተቐተልሉ መጥቃዕቲ ድሮን ኢድ ከም ዘለዎ እያ ትኸስስ።
ድሕሪ'ዚ መጥቃዕቲ ካጣይብ ሕዝቦላህ፡ ኣብ መንግስቲ ዒራቕ ንዝፍጠር ፀገም ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣሜሪካ ንዘካይዶ መጥቃዕቲ ከም ዘወንዝፎ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ባቕዳድ ከባቢ ማሽታል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰብኣልቦ ነፋሪት ብዙሓት ከበድቲ ነትጕታት ኣስዒቡ።
እቲ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ባቕዳድ ከባቢ ማሽታል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰብኣልቦ ነፋሪት ብዙሓት ከበድቲ ነትጕታት ኣስዒቡ እዩ።
እዚ ኣብ ባቕዳድ ብሰብኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብትኽክል ዒላማኡ ዝወቕዐ ኰይኑ፡ ነዚ ላዕለዋይ መራሒ ሚሊሻ ሒዛ ኣብ ጽዑቕ ጎደና ትጓዓዝ ንዝነበረት መኪና ናብ ሃልሃልታ ሓዊ ቀይርዋ።
ካብ ግዳያት እቲ ሓደ ድማ፡ ላዕለዋይ ኮማንደር ካጣይብ ሕዝቦላህ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ።
ማእከላይ ኮማንደር ኣሜሪካ ‘ሴንትኮም’፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ 21:30 ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ “ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ብቐጥታ ብምውዳድን ብምስታፍን ሓላፍነት ዝነበሮ መራሒ ከም ዝተቐተለ” ኣፍሊጡ።
ሴንትኮም ወሲኹ፡ “ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ጉድኣትን ዕንወትን ምብፅሑ ዝሕብሩ ምልክታት የለዉን” ኢሉ።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ቦታ ኣብ ዝበፅሕሉ እዋን፡ ሰልፈኛታት “ኣሜሪካ ዝዓበየት ሰይጣን’ያ” ብምባል ይጭርሑ ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ 28 ጥሪ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደብር ኣሜሪካ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ሰለስተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ዝቕተሉ ንነጀው፡ ዋሽንግተን ኣብ ዶብ ዒራቕ-ሶርያ 85 ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕትታት ኣካይዳ ኣላ።