ማሕበረሰብ መርበባት ቢቢሲን ዋትስኣፕን ምልክታ ብሕታውነት
ንእተንብሩልና እምነት ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ቢቢሲ፡ ድሕነትን ብሕታውነትን ውልቃዊ ሓበሬታኹም ንክሕሉ ትጉህ እዩ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ውልቃዊ መረዳእታ፡ ንምንታይን ብኸመይን ከም እንጥቀመሉ ምእንቲ ክትፈልጡ ነዚ ምልክታ ከተንብብዎ ይግባእ።
እዚ ናይ ብሕትውና ምልክታ፡ ብመሰረት ሕጊ ሓለዋ መረዳእታ፡ ምሳና ኣብ ዝነብረኩም ርክብን ድሕሪኡን ብኸመይ ውልቃዊ ዳታ ከም እንእክብን እንጥቀመሉን ይገልጽ።
ቢቢሲ፡ እንታይ ዓይነት ውልቃዊ መረዳእታ’ዩ ዝእክብን ዝጥቀመሉን?
ቢቢሲ፡ መርበባት ሓበሬታናን ማሕበረሰብናን ንምክትታልን ክትጥቀሙሉ ዝመረጽኩም ውልቃዊ ሓበሬታ ይእክብን የሰላስልን። እቲ ሓበሬታ ንገለ ክፋል ወይ ንብምሉኦም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ዳታታት ከጠቓልል ይኽእል።
ውልቃዊ መረዳእታ
እቲ ክእከብ ዝኽእል ውልቃዊ መረዳእታ፦
• ኣብ ናይ ዋትስኣፕኩም ፕሮፋይል ዝህሉ ስም
• ናይ ሞባይልኩም ቁጽሪ ( ቁጽሪ ቴሌፎን)
• ዝረአ ስእልታት
ቢቢሲ፡ ኣብ ባህሪ ናይቲ እትልጥፉዎ ስእልን ብሕታዊ ኣቀራርባን ዝምርኮስ፡ ኣብ ፍሉይ ምድብ ዝካተት ተነቃፊ ዝበሃል ሓበሬታ እውን ክእክብን ከሰላስልን ይኽእል እዩ።
እዚ ከኣ ንኣብነት፡
• ዓሌትኩም ወይ ብሄርኩም
• ንጥዕናኹም ዝምልከት ሓበሬታ
• ሃይማኖትኩምን ፍልስፍናዊ እምነትኩምን
• ጾታዊ ዝንባለኹምን ፖለቲካዊ ርእይቶኹምን ዝኣመሰለ ከጠቓልል ይኽእል።
ቅጥዒ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዋትስኣፕ ዝረአ ስእልኹም
እቲ ናይ ስእሊ ቅጥዕታት ኩሉ ከምዘይርእዮ ክትገብሩዎ ይከኣል እዩ።
እንተደኣ ኣብ ናይ ዋትስኣፕ ኣካውንትኹም ዝተጠቀዐ ስእልኹም ኩሉ ሰብ ክርእዮ ፈቒድኩም፡ ቢቢሲ እውን ነቲ ሓበሬታ ክርእዮ ይኽእል እዩ። ስለዚ እንተደኣ ብመገዲ ዋትስኣፕ ምሳና እተካፈሉዎ ውልቃዊ ሓበሬታ ክትንክዩ ደሊኹም፡ ነቲ ናይ ብሕታዊነት ቅጥዕታት ናብ ‘ኮንታክትስ ኦንሊይ’ [እቶም ምሳይ ዝራኸቡ ጥራሕ] ዝብል ክትቅይርዎ ንላቦ።
ተቖጻጻሪ ዳታ መን እዩ?
ቢቢሲ፡ ኣብ መሳሪሕታትን ስርዓታትን ቢቢሲ፡ ንዝኽዘን ብወገንኩም ዝቐርበልና ዝዀነ ይኹን ውልቃዊ ሓበሬታ ይቆጻጸር።
ዋትስኣፕ እውን ብመንገዲ እቲ ኣፕ ኣቢልና ናይ እንሰዶ ዝዀነ ይኹን ዳታ ነብሱ ዝኸኣለ “ተቖጻጻሪ ዳታ” እዩ። ብተወሳኺ፡ ንናይ ዋትስኣፕ ፖሊሲ ብሕታውነትን ውዕላት ኣገልግሎትን ከም እትግዝኡ ኣስተውዕሉ። ዋትስኣፕ ኣብ ውሽጢ’ቲ ናይ ሜታ ኩባንያታት ዳታኹም (ሓበሬታኹም) ከካፍል ይኽእል እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ተቖጻጻሪ፡ ውልቃዊ ሓበሬታኹም፡ ክሳብ ክንደይን ብኸመይን ኣብ ኣገልግሎት ከም ዝውዕል ይውስን። ኣብዚ ናይ ቢቢሲ ዋትስኣፕ ቻነል እትጽንበሩን መደባትና እትከታተሉን ዘለኹም አሕዋት፡ እቲ ውልቃዊ ሓበሬታኹም፡ ኣብዚ ቢቢሲ ናይ ብሕታውነት ምልክታ ንዝሰፈረ ዕላማታት ንከገልግል ጥራይ ከምዝእከብን ከምዘሰርሕን ክትፈልጡ ይግባእ።
ነፍሲ ወከፍ ተቖጻጻሪ፡ ንሕጊ ሓለዋ ዳታ ናይ ምኽባርን ምእዛዝን ሓላፍነት ኣለዎ።
ውልቃዊ መረዳእታኹም ንምምስራሕ ዘገድድ ሕጋዊ መሰረት
[ዝኸበርኩም ተኸታተልትና፡] ብዛዕባኹም ንዝምልከት ውልቃዊ መረዳእታ ብፍቓድኩም ኢና ንጥቀም። ኣብ ናይ ዋትስኣፕ ቻነላትና ዝዝርጋሕ መደባትና ክትከታተሉ ስለዝወሰንኩም ከኣ ነመስግን። መደባትናን ፈነወታትናን ከተቋርጹዎ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብቲ ቻነል ብፍቓድኩም ክትስሕቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ሓበሬታኹም ምክፋል
ቢቢሲ፤ ብዘይ ፍቓድኩም ንዝኾነ ሳልሳይ ኣካል ውልቃዊ መረዳእታኹም ኣየካፍልን እዩ።
ሓበሬታኹም ምዕቃብ
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ምልክታ ብሕታዊነት ንዝተቐመጡ ዕላማታት ንምፍጻም ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ንውልቃዊ መረዳእታኹም ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ።
መሰልኩምን ተወሳኺ ሓበሬታን
ብመሰረት ሕጊ ሓለዋ መረዳእታ ዓባይ ብሪጣንያ መሰላት ኣለኩም። ኣብ ዝዀነ እዋን ቅዳሕ ናይቲ ቢቢሲ ብዛዕባኹምን ኣካውንትኹምን ዝዕቅቦ ዳታ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።
ብኢመይል ኣድራሻና [email protected] ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ወይ ብዛዕባ መሰላትኩም ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ክትረኽቡ ምስ እትደልዩ፡ በጃኹም ኣብ ፖሊሲ ውልቃዊ ሓበሬታን ኩኪስን ቢቢሲ፡ http://www.bbc.co.uk/privacy ተወከሱ።
ቢቢሲ ብዛዕባ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ንዘለዎ ኣተሓሕዛ ስክፍታ እንተልዩኩም፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝርከብ ተቖጻጻሪ በዓል መዚ፡ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽነር ሓበሬታ (ICO) https://ico.org.uk/ ከተስምዑ/ ክትጠርዑ ትኽእሉ ኢኹም።
ናይ ብሕትውና ምልክታ ምምሕያሽ
ኣብቲ፡ ንውልቃዊ መረዳእታኹም ብኸመይ ከም ንጥቀመሉ ዘረድእ ክፋል ርኡይ ለውጢ እንተልዩ ነቲ ናይ ብሕታዊነት ምልክታ ክንእርሞ ኢና።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







