ሽወደን ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ዝዀኑ ሰባት ዜግነት ከተሕድግ መደብ ኣለዋ ድዩ?

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ገበናት ዝፍጽሙ ድርብ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ዜግነቶም ክሕደጉ ከም ዘለዎም ተሰማሚዐን።

እቲ ካብ ኵሎም ሰልፍታት ዝተዋጽአ ኮሚቴ፡ እቲ ለውጢ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተጠቒሙ ዜግነት ዝረኸበን ከምኡ'ውን ንድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ወይ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ንዝኣተወ ሰብ ክትግበር ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ እማመ ግን ወረበላታት (gangs) ንዝብሎም ሰባት ዜግነቶም ክስረዝ ድዩ ኣይስረዝን ብጭቡጥ ኣየቐመጠን።

ምኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር፡ ሽወደን " ኣብ ልዕሊ ሃገራ ጎነጽ ዝተሓወሶ ጥሩፍነት ዘካይዱን ዝተወደበ ገበንን ተጻባኢ ተግባር ንዝወስዱ" ትገጥም ከምዘላ ገሊጹ።

ብመሰረት ቅዋም ሽወደን፡ ኣብዚ እዋን ዜግነት ናይ ሓደ ሰብ ምስራዝ ኣይፍቀድን'ዩ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ግን ነቲ ሕግታት ንምቕያር ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ድምጺ ክወሃቦ'ዩ።

ማእከላይን ጸጋማውያንን ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ዜግነት ገበነኛታት ጕጅለታት ምስራዝ ኣዝዩ ተሪር ስጕምቲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ሕጊ ብኸመይ ከም ዝትግበር ምውሳን ከቢድ ከም ዝኸውን ገሊጸን።

ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ጸጋምን ሓምላይን ከኣ፡ ዜግነት ናይ ሓደ ሰብ ምስራዝ ፈጺሞም ክድግፉ ከምዘይክእሉ ገሊጾም።

ይዅን እምበር፡ እቶም ብዝያዳ ጸረ ኢሚግሬሽን ዝዀኑ ኣኽረርቲ ሰልፊ ሽወደን፡ ንዲሞክራት ዝድግፉ ማእከላይን የማናውያን ሰልፍታት ሽወደን፡ እቲ ለውጢ ነቲ እናሓደረ ዝውስኽ ዘሎ ገበናት ጕጅለታትን፡ ነቲ ብብረት/ ብጠበንጃ ዝካየድ ልዑል መጠን ቅትለት ንምምካት ዘድሊ ስጕምቲ ክውሰድ ደገፎም ገሊጾም ኣለው።

ስትሮመር፡ ንራድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ሎሚ ዝበጽሓኒ እማመታት፡ ኣብ ወጻኢ ኮፍ ኢሎም፡ ኣብ ጐደናታት ሽወደን ንዝፍጸም ተዅስን ቦምባታትን ቅትለታትን ዘመሓድሩ፡ ኣብ ገበናዊ መርበባት ዝርከቡ መራሕቲ ጕጅለታት፡ ዜግነት ሽወደን ዘይሕደጉሉ ተኽእሎ ኣይክህሉን'ዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ከምቲ ኣብ ጐረቤት ሃገረ ዴንማርክ ዝግበር፣ ሰባት "ንኣገደስቲ ረብሓታት ሃገር ብኸቢድ ዝጐድእ ተግባራት ምስ ዝፍጽሙ " ዜግነቶም ዝሕደጉ፡ ከምኡ ዓይነት ስጕምቲ ንኽወስድን ከተግብርን እዩ ዝሓስብ ዘሎ።

ሕጊ ዴንማርክ፡ ንገለ ዓይነታት ከበድቲ ገበናት ጕጅለታት ንምሕዋስ ኣብ ቀረባ እዋን'ዩ ተመሓይሹ።

መንግስቲ ሽወደን ንዜግነት ዝምልከት ሕግታት ኣዝዩ ኣጸንኪርዎ'ሎ።

ምኒስተር ኢሚግሬሽን ዮሃን ፎርሰል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ዝዀኑ ናይ ኣስታት 600 ሰባት ሓበሬታ ከምዝሃበ ኣመልኪቱ።

ካብ ሰነ 2026 ጀሚሩ፡ ፓስፖርት ሽወደን ንምሕታት ዝሕተት ዝነበረ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገደብ ናብ ሸሞንተ ዓመት ክናውሕ እዩ። ንቋንቋን ታሪኽን ሕብረተሰብን ሽወደን ዝምልከት ፈተናታት እውን ክወስድ እዩ።

ብመሰረት እቲ ምኒስተር፡ ሽወደናዊ ምዃን "ኣዝዩ ቀሊል" ከምዝነበረን እትሕበነሉ ነገር ክኸውን ከምዘለዎን ገሊጹ።

" እቲ ዝያዳ ዘገድስ፡ ብሽወደናዊ ዜግነት፡ ብሓባር ንነብረላ ሽወደን ክንሃንጽ ኢና ንደሊ" ኢሉ።

"ኣዋልድን ኣወዳትን ብሓባር ክሕንብሱን ኩዕሶ ክጻወቱን መሰል ኣለዎም፤ ነዚ እንተዘይተቐቢልኩም ሽወደን ንዓኹም ኣይኰነትን።"

መራሒ ሰልፊ ዲሞክራስያውያን ሽወደን ጂሚ ኣከሶን፡ መንግስቲ ካብኡ ንላዕሊ ክኸይድ ከምዘለዎን፡ ሓደስቲ ዜጋታት ንሽወደን ናይ ተኣማንነት ኣዋጅ ክምሕሉ ይጠልብ።

ይዅን እምበር፡ እዚ ርእይቶ ኣብቲ ሓድሽ መንግስታዊ እማመታት ኣይቀረበን።

መርማሪት ኪርስቲ ላኣክሶ ኡትቪክ፡ እዚ ለውጢ ንሽወደን ምስ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ብዝያዳ ከምዘቀራርባ ገሊጻ።