ንብዙሓት ዘስክፍ ሕማቕ ሽታ ኣፍ ጠንቁ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣፈታሪኽ ግሪኽ ከም ዝንገር፡ እቲ ሓይደራ ዝተባህለ ብዙሕ ርእሲ ዘለዎ ኣራዊት፡ ሽታ ኣፉ ኣመና ከቢድ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ዝሸተቶ ሰብ ብኡ ንብኡ ይመውት እዩ ይበሃል።
እዚ ጽዋ ግሪኻውያን ዝተጋነነ’ኳ እንተመሰለ፡ ገሊኡ ሰብ ብፍላይ ካብ ድቃስ ክትንስእ እንከሎ ወይ ሓደ-ሓደ መግቢታት ብዝፈጥርዎ ሽታ 'ዓዲ ዘሕድግ እዩ' ክበሃል'ውን ይስማዕ'ሞ ስክፍታ ድማ ይፈጥር ።
ሕማቕ ሽታ ኣፍ፡ ካብ ሰንኮፍ ዝዀነ ጽሬት ኣፍ ብተወሳኺ ካልኦት ምኽንያታት ከምዘለውዎ ግን ሰብ ሞያ ሕክምና ስኒ ይገልጹ።
እዚ ኵነታት፡ ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ኣካላትን ስርዓተ ምዝውዋር ደምን ገለ ስነኣካላዊ ጸገም ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ይግለጽ። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት፡ ቅምሶ - ናሙና - እስትንፋስ ተወሲዱ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምልላይ ዝከኣለሉ ደረጃ ተበጺሑ እዩ።
ሽታ ኣፍ ካብ ዘበላሽዉ ጸገማት ጥዕና ሓደ፡ ምስ ሕማም ሽኮር ዝተሓሓዝ ጕድለት ጥዕና እዩ። ሕማም ሽኮር ዝኽሰት፡ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዘሎ መጠን ግሉኮስ ነቲ ሓይሊ ክህቦ ዝግባእ ህዋሳትና ከይሃበ ምስ ዝተርፍን ኣብ ደምና ምስ ዝባዛሕን እዩ።
ኣብ ገለ ኵነታት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና እዅል መጠን ኢንሱሊን ምስዘይህሉ፣ ወይ’ውን ውሽጣዊ ረኽሲ ምስ ዝህሉን ኣካላትና ክረኽቦ ዝኽእል ሓይሊ ስኢኑ፡ ስብሒ ናብ ኪቶንስ ክቕይር ይግደድ። እዚ ኪቶንስ ድማ ሕይል ዝበለ ሽታ ይፈጥር። ኪቶንስ ኣብ ደምና ምስ ዝውህለል፡ እቲ ዝፈጥሮ ሽታ ብቐሊሉ ብኣፍ ኣቢሉ እዩ ዘተንፍሶ። እዚ ድማ ኣፍና ከምዝሽትት ይገብሮ።
ጠንቂ ምውሳኽ ምፍራይ ኬቶን ኣብ ኣካላትና ሕማም ሽኮር ጥራይ ኣይኮነን።
ገሊኦም ሰባት ክብደቶም ንምንካይ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ፡ ኣብ ኣካላቶም መጠን ኪቶን ይውስኽ። ንነዊሕ ሰዓታት ብዘይ መግቢ ክንጸንሕ እንከለና፡ ኣካላትና ነቲ ዝተዓቀበ ስብሒ ናብ ጸዓት ንምቕያር ኪቶን የፍሪ።
ብተወሳኺ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ምብላዕ ብሓፈሻ፡ እንወስዶ ካሎሪ ምድራትን ኣካላትና ኪቶን ከውጽእ ይግደድ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ጾም ሰባት ክብደቶም ክቕንስ ዘኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ጾም ግን ጐድናዊ ሳዕቤናት ከምጽእ ግድን እዩ፤ ሓደ ካብኡ ሕማቕ ሽታ ኣፍ እዩ።
ባክተርያን ሕማቕ ጨና ኣፍን
ካልእ ጠንቂ ሕማቕ ሽታ ኣፍ ድማ ልዕሊ ዓቐን ምብዛሕ ጨና ዝፈጥሩ ባክተሪያ እዩ።
ኣብ ኣፍና ንምጽራዮም ኣጸገምቲ ዝዀኑ ባክተርያ ዝዓብይሉን ዝነብረሉን ቦታታት ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ዳሕረዋይ ክፋል ኣፍን ከባቢ ጎረሮን ተጠቃዕቲ እዮም።
ጐረሮና፡ ንመግቢ፡ ፈሳሲን ኣየርን መተሓላለፊ እዩ። ገለ ሰባት ኣብ ጎረሮኦም ሕብጥ ዝበለ ነገር ይፍጠር።
በዚ ምኽንያት ድማ መግብን ርስሓትን ኣብቲ ከባቢ ጎረሮ ክእከብን ሕማቕ ጨና ክፈጥርን ይኽእል።
ባክተርያ፡ ኣብ ኣፍ እውን ነድሪ ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ምስ ሕማም ስኒ ከምኡ’ውን ሓናት [ቶንሲል] ዝፍጠሩ ሕበጣትን ዝቛጽርዎም ፈሰስትን ጠንቂ ሕማቕ ሽታ ክዀኑ ይኽእሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መርመራ ሽታ ኣፍ
ሓካይም ቅምሶ እስትንፋስ ብምውሳድ ጠንቂ ናይቲ ጸገም ኣለልዮም መፍትሒ ክህቡ ይኽእሉ።
ንኣብነት ሄሊኮባክተር ፓይሎሪ ዝበሃል ባክተርያ ሕማም ከስዐ የስዕብ። ሓካይም ንሕሙማቶም 'ዩሪኤ' ዝተባህለ ንጥረ ነገር ቅድምን ድሕርን ምሃቦም ቅምሶ እስትንፋስ ወሲዶም ይምርምሩ።
ኣብ መርመራኦም ልዑል መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ እንተረኺቦም፡ ህላወ ባክተርያ ሄሊኮባክተር የረጋግጽ።
መንፋሕትን ቅርጸትን ዘስዕብ ህላወ ልዕሊ ዓቐን ባክተርያ እውን ሕማቕ ጨና ከስዕብ ይኽእል።
ብተመሳሳሊ፡ ሓካይም ነቶም መንፋሕቲ ዘስዕቡ ባክተርያ ክምርምሩ እንተኽኢሎም፡ ነቲ ለውጢ ሽታ ኣፍ ዝፈጥር ዘሎ ምኽንያት ክርድኡ ይኽእሉ።
ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ሕማቕ ጨና ከለልዩ ስለዘይክእሉ፣ ዝዀነ ጸገም ጥዕና ከምዘይብሎም’ውን ርግጸኛታት እንተዀይኖም ግን ከኣ ብዛዕባ ጨና ኣፍ ዝስከፉ እንተዀይኑ፡ ባዕለ-መርመራ ከካይዱ ይኽእሉ እዮም።
ሓደ ዝጸንሐ ልምዲ ኣሎ፤ መላግቦ ኢድ ብመልሓስ ብምልካይ፡ ነቲ ርጥበት ክሳብ ዝነቅጽ ተጸቢኻ ምሽታት እዩ።
ኣፍካ ሕማቕ ዝሽትት ምዃኑ እንተተረዲእካ እንታይ ክትገብር ይግባእ?
ክልተ ቀለልቲ ስጕምትታት ንሕማቕ ሽታ ፍቱናት መፍትሒ ክዀኑ ይኽእሉ። ደረቕ ኣፍ ሓደ ካብ ጠንቂ ሕማቕ ሽታ ኣፍ ስለዝዀነ፡ እቲ ቀዳማይ መፍትሒ፡ ድርቀት ኣፍ ምውጋድ እዩ። ስለዚ ሓደ ኣማራጺ ዝያዳ ማይን ፈሳስን ብምውሳድ ጠሊ ኣፍ ምዕቃብ እዩ።
እቲ ካልኣይ ጽሬት ኣፍ ምሕላው እዩ። እዚ ማለት ግን ኣስናንካ ምብራሽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ጽሬት ኣፍ ምሕላው፣ መልሓስ ምጽራይ፣ ባክተርያ ንኸይእከብ መንጐ ኣስናን ምጽራይ፣ ከምኡ’ውን ናብ ሓኪም ስኒ ብምኻድ መርመራ ምግባርን የጠቓልል።
ሽጋራ ምትካኽ እውን ጠንቂ ሕማቕ ጨና ስለዝዀነ ምትካኽ ሽጋራ ምቍራጽ ጽቡቕ እስትንፋስ ንምዕቃብ ሓጋዚ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







