ኣብ ዓፋር ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 22 ስደተኛታት ሞይቶም

ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ፡ ልዕሊ 85 ስደተኛታት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ሰሉስ 6 ጥሪ፡ ወጋሕታ - ብሰንኪ ዘጋጠማ ሓደጋ 22 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 65 ድማ ከም ዝተጐድኡ ሰበስልጣን እቲ ክልል ሓቢሮም።

ካብዚኣቶም እቶም 30 ኣብ ከቢድ ኵነታት ከምዘለው፣ በዚ ድማ ቍጽሪ ምውታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ርክባት እቲ ክልል ኣቶ መሓመድዓሊ ቢኢዶ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቶም ግዳያት ካበይ ተበጊሶም ናበይ የቕንዑ ከምዝነበሩ ዛጊት ብወግዒ ዝተረጋገጸ'ኳ እንተዘየለ፡ እቲ መስመር ናብ ጅቡቲ ካብኡ ድማ ብባሕሪ ናብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ዘቕንዑ ስደተኛታት ዝሓልፉሉ ምዃኑ ግን ይፍለጥ።

በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብተን ብነዳዲ ዝሃብተማ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ከምዝሰግሩ ትካላት ስደተኛታት ይሕብሩ።

እዞም ነዚ መስመር ዝመርጹ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነቕሉ ኰይኖም፡ ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ማሕበረ-ፖለቲካዊ-ቍጠባዊ ኵነታት ካብ ዝፈጠሮ ሕሱም ናብራ ዝሃድሙ ምዃኖም እውን ይግለጽ።

ኣቶ መሓመድ ዓሊ ኣብ መግለጺኡ፡ እዚ ሓደጋ ዝጋጠመ፡ ብዘይሕጋውያን ደላሎ ተታሊሎም ናብ ወጻኢ ሃገራት ከቕንዑ ዝተኣኻኸቡ ዜጋታት ዝጸዓነት ተሰሓቢት ዓባይ መኪና፡ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ሰመራ ብምግምጣላ ምዃኑ ይሕብር።

ግዳያት እቲ ሓደጋ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዱብቲ ዘድሊ ሕክምናዊ ረዲአት ይግበረሎም ከምዘሎ ዝገለጸ እቶ መሓመድ ዓሊ ቢኢዶ፡ ንኸምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምግታእ፡ ሕጊ ናይ ምጽናዕ ስርሓት ይገብሩ ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ነቶም ብደላሎ ተታሊሎም ናብ ዘይበጽሕዎ ናይ ሓሶት ተስፋታት ዘቋምቱ መንእሰያት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከየእትዉ ኣተሓሳሲቡ።

ዓለማዊ ውድብ ስደተኛታት፡ መስመር የመን "ሓደ ካብቶም ጽዑቓትን ሓደገኛታትን መስመራት ስደት" ምዃኑ እዩ ዝገልጾ።

እዚ መስመር ዘለዎ ከቢድ ሓደጋታት ብዘየገድስ ግን፡ ቍጽሪ ናይቶም ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ዝጓዓዙ ስደተኛታት፡ ኣብ 2024 ጥራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ምዃኑን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝሰገሩን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛ ይሕብር።