ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራን ኣፍደገ ባሕርን እንታይ'ዩ ኢሉ?

ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ።

ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኤርትራ ንሃገሩ ኣፍደገ ባሕራ ክትከፍተላ ድልውቲ ከም ዘይኰነት'ውን ኣሚቱ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ከም ዘስግኣን ዝገለጸ እቲ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኵነታት ንምግጣም ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ከም ዝወሰነት ጠቒሱ።

"ኣብዚ ዞባ ሃወኽቲ ስርዓታት'ውን ኣለዉ። ኵሉ ግዜ ዝርብሹ፡ ውግእ ዝሰብኩ፡ ልምዓትን ውህደትን ዘይፈልጡ፡ ግጭት ሞያ ዝመስሎም መራሕቲ ኣለዉ።

"ንሕና ተሓባቢርና ክንሰርሕ ድሉዋት ኢና። ናይ መንግስትና ፖሊሲ ጸጥታ ወጻኢ'ውን ነዚ ዘመልክት፤ ብፍላይ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡" ይብል እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ።

ብወገን ኤርትራ፡ "ኣፍደገ ባሕሪ ሒዘ፡ ንዓኹም ከም ድልየተይ ክገብረኩም ዝብል ኣተሓሳስባ፡" ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ፊልድማርሻል፡ "ወሳኒ ኣጽዋር [ኣፍደገ ባሕሪ] ሒዝካ ነዚ ኵሉ [ህዝቢ ኢትዮጵያ] ከም ድልየትካ ክትገብሮ ምፍታን ቅኑዕ ኣይኰነን ዝብል ነገር ምስ መጽአ፡ ሕጂ ኩራ መጺኡ'ሎ፣ ፈንጠርጠር ኣሎ፡" ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዳግማይ ግጭት ከየምርሕ ስግኣት ኣንጸላልዩ ይርከብ።

ብወገን ኣዲስ ኣበባ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት መግለጺታትን ክወሃብ ዝጸንሐ ዀይኑ፡ ብወገን ኣስመራ'ውን ተደጋጋሚ ግብረ-መልሲ ከም ዝተዋህበ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ዝተራእየ ዳርባ ቃላት'ውን ኣካል ናይቲ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ'ዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያሰ ኣብ መበል 34 ዓመት ጽንብል ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ምትፍናን ወግዓውነት ኣልቢስዎ'ዩ።

"ንተጻብኦ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝፍሓስ ዘሎ ቅሉዕን ስዉርን ሸርሕታትን'ውን ዘይፈለጠ የሎን፣ እንታይ'ዩ እቲ መደምደምታ? ተበጊሱ ዝነበረ ትስፉው ሃንቀውታ በኒኑ'ዩ፡" ብምባል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ንዝምድና ክልቲአን ሃገራት ገሊጽዎ።

"ዝተፈላለየ መኣዝናት፡ ናይ ማያት፡ ናይ ኒልን ቀይሕ ባሕርን፡ ናይ ባሕሪ መስኮት፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ዘይውክል 'ኦሮሙማ' ስነሓሳብ፡ ኩሻውያንን ሴማውያንን ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ናይ ኢትኒካት ሓድሕድ ኲናት፡ ህዝቢን መሬትን ዓፈር ከም መድረኽ መጻወቲ ምምዝማዝ ወዘተ፣ እቲ ዕንደራን ምህውታትን ኣብ መወዳእታ ህድማ ንቕድሚትን ጥራይ'ዩ ክበሃል ዝከኣል፡" ክብል ተዛሪቡ።

"እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ኲናታት - ሓንቲ ዘይኰነ ብዙሕ ኲናታት - ንምብራዕ ዝጓረት ዘሎ ቴክኖሎጂን ኣጽዋርን ምስ ዘሰንዮ ሕሱር ጃህራን ፈኸራን ምዝጉብ'ዩ፡" ይውስኽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ግን፡ "ንኤርትራ ከይተረፈ ብሓባር ንስራሕ ኢልና ኢና። ባሕሪ ንዅልና ይዅን ኢልና ኢና፡" ክብል'ዩ ዝምጕት።

"ብዘይተለምደ መንገዲ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ መንግስትና ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ'ዩ። እንተዀነ ግን ኣይተዓወተን።

"ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝነበረ ናይ ኤርትራ'ዩ። ምስ ኤርትራ ንምስራሕ ሰፊሕ ዕዮ ምስ ተዓመመ፡ ጽቡቕ ዝመስል ነገር ድሕሪ ምምጽኡ ንድሕሪት ተመሊሱ'ሎ።"

"መንግስትና፡ ናይ 20 ዓመት ምትፍናን ደው ይበል ኢሉ። ዝነበረ ቅርሕንቲ ብምፍታሕ ናብ ልምዓት፡ ውህደት፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ብልጽግናን ክንኣቱ። ኤርትራውያን ዝድልይዎ ጥቕሚ እንተ'ልዩ ካብ ኢትዮጵያ ክጥቀሙ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ክትጥቀም ተለፊዕሉ'ዩ።"

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ብተደጋጋሚ ኢትዮጵያ 'ናይ ጆግራፊ እስርቲ' ኰይና ክትቅጽል ከም ዘይትኽእልን ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ክትረክብን መሰል ከም ዘለዋ ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ።

ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ገጻ ከይትግምገም ዝደልዩ ተጻባእቲ ወገናት ከም ዘለዉ ዝገልጽ ፊልድማርሻል ብርሃኑ፡ ናብ ባሕሪ ንምእታው ሓይሊ ባሕሪ ይሃንጹ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ'ሎ።

ብዙሕ ገንዘብ ብምውጻእ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይስራሕ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ድማ ዘድሊ ዕጥቂን ሓይሊ ሰብን ከም ዝተማልአን እቲ ሓይሊ ንስርሒታት ድሉው ከም ዘሎ ሓቢሩ።

"ለውጢ ምስ መጽአ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ስለ ዝተመሓየሸ፡ ምስኦም ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢልና ኢና ሓይሊ ባሕሪ መስሪትና።

"ሓይሊ ባሕሪ ዝመስረትና ናብኡ [ቀይሕ ባሕሪ] ንምእታው'ዩ፣ በየናይ ኣገባብ ኢና ንኣቱ? ድሕሪ ሕጂ ዝርአ'ዩ ክኸውን"።

ጸጥታን ውሕስነትን ባሕሪ ንኢትዮጵያ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጥቃስ ድማ፡ "ንሰግእ ኢና፡ ናይ ባሕሪ ጉዳይ ይምልከተና'ዩ። ኣዚና ኢና ንከታተሎ፡ ስለዚ፡ ድማ ኢና ሓይሊ ባሕሪ መስሪትና ዘላ፡" ይብል።

ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ብምዃና፡ እዚ ዝተዛረቦ ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕጊ ብኸመይ እዩ ክዉን ክኸውን ዝኽእል ግን ኣየቐመጠን።

ብወገን ኤርትራ፡ ነዚ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተዛረቦ ኣመልኪቱ ዛጊት ዝተዋህበ መልሲ የሎን።