ተደጋጋሚ ዓመጻት ደቀንስትዮ ዝፈጸመ ደቡብ ኣፍሪቃዊ 42 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, NPA
መጠንቀቕታ፤ እዚ ዛንታ ዘጨንቕ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ትሽዓተ ዓመት ህጻናት እንከይተረፈ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ን42 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።
ንኮሲናቲ ፋካቲ ብ90 ገበናት ዓመጽ ተኸሲሱ ገበነኛ ከምዝዀነ ዝተረጋገጸ ኰይኑ ኣብ መንጎ 2012ን 2021ን ከምዝፈጸሞ ተፈሊጡ።
እቲ ወዲ 40 ዓመት ገበነኛ ሓደ-ሓደ ግዜ ንግዳያቱ ክዕምጽ ከሎ ህጻናት ክዕዘብዎ ከም ዝገብርን፡ ንኣሽቱ ኣወዳት እውን ንደቂ ኣንስትዮ ኣዕሩኽቶም ክዕምጹ ከም ዘገድዶምን ሃገራዊ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ደቡብ ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ገበናት ፋካቲ ኣብታ ካብ ከተማ ጆሃንስበርግ ንምብራቕ ርሒቓ እትርከብ ኮሙን ኤኩርሁለኒ ወይ ከባቢኣ እዩ ተፈጺሙ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጆሃንስበርግ፡ ፋካቲ ብዓመጽ፡ ጭውያ፡ ስርቂን መጥቃዕትን ብዝፈጸሞ ተግባራት ገበነኛ ኰይኑ ስለዝተረኸበ'ዩ ን42 ዓመት ክእሰር ፈሪድዎ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ዳኛ፡ ፋካቲ "ዝዀነ ጣዕሳ ከምዘይተሰምዖን ክእረም ፍቓደኛ ከምዘይኰነን" ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ።
መብዛሕትአን ግዳያት ፋካቲ ተምሃሮ ኰይነን፡ እታ ዝነኣሰት ጓል ትሽዓተ ዓመት ምዃና መግለጺ ዓቃቢ ሕጊ ይሕብር። እታ ዝዓበየት ግዳይ ዓመጽ ድማ ጓል 44 ዓመት ከምዝዀነት ተፈሊጡ።
እቲ ገበነኛ ነተን ዝዓመጸን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ገዛ ናብ ቤት ትምህርተን ኣብ ዝኸዳሉ ግዜ ከምዝዀነ ዝጠቐሰ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ሓሓሊፉ ድማ በዓል ሞያ ኤሌትሪክ ተመሲሉ ናብ መንበሪ ገዛውቲ ብምኻድ ይፍጽሞ ከምዝነበረ ተገሊጹ።
ፋካቲ ኣብ 2021 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ብናይ ፖሊስ ጥይት ተወቒዑ ሓደ እግሩ ከምዝሰኣነ ተሓቢሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ዓመጽ ገበናት ዝፍጸመላ ሃገር ኰይና ኣብታ ሃገር ቍጽሪ ተመሳሰልቲ ገበናት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይውስኽ ኣሎ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ መንጐ ሚያዝያን ሰነን ልዕሊ 9300 ዓመጽ ከምዝተፈጸመን፡ እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ0.6 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ መረዳእታ ፖሊስ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







