እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን: ደም መራሒ ሕዝቦላህ “ፈሲሱ ኣይክተርፍን” ክትብል ተሓንያ
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን፡ ሞት መራሒ ሂዝቦላሕ ሓሰን ነስራላህ “ሕነ-ከይተፈደየ ከም ዘይሓልፍ” ገሊፁ። መራሒ ሂዝቦላሕ ሓሰን ነስራላህ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ምቕታሉ ስዒቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ተሓንዩ ዘሎ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመይኒ፡ ንቅትለት እቲ “ዓብይ ሰማእት ነስራላህ” ኢሉ ዝገለፆ መራሒ ሂዝቦላሕ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ኢራን ሓሙሽተ ናይ ሓዘን መዓልታት ከም ዝተኣወጀ ኣፍሊጡ።
እቲ ላዕለዋይ መራሒ፡ ሓሰን ነስራላህ “መንገድን ቤት-ትምህርትን ኣተሓሳስባ” ከም ዝኾነን እዚ ከም ዝቕፅልን ገሊፁ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን፡ እስራኤል ብዓርቢ ኣብ ቤሩት ብዝፈፀመቶም መጥቃዕትታት ኣየር፡ ጀነራል ሓለዋ ሰውራ ኢራን’ውን ከም ዝተቐተለ ፀብፂበን።
ሰራዊት እስራኤል፡ ነስራላህ “ደም ኣሽሓት... ኣብ ኢዱ ዝነበሮ እዩ። ኣብ ሓፂር እዋን ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት እናኣዘዘ እንከሎ ድማ” ዒላማ ተገይሩ ኢሉ።
እዚ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ሰፊሕ ዞባ ናብ ኵናት ከእትዎ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ሰፊኑ ይርከብ።
ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ጥቅምቲ ናብ ኵናት ወሽመጥ ቃዛ ዝደረኸ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ፡ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዳርጋ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ዶብ-ሰገር ውግእ ከም ዝፀንሑ ይፍለጥ።
ቀፂሉ ኣብቲ ዞባ እንታይ ክፍጠር ይኽእል ዝብል ድማ፡ ኣብ ውሳነ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመይኒ ዝድረኽ እዩ።
ክሳብ ሕዚ ካልኦት ላዕለዎት መራሕቲ ኢራን፡ እስራኤል ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ ሂዝቦላሕ ንዝፈፀመቶ ተኸታታሊ ከቢድን ዘዋርድን መጥቃዕቲ ካብ ምሕናይ ተቖጢቦም ኣለዉ።
እዚ ድማ ኢራን ምስታ ቀንዲ ፀላኢታ ናብ ሙሉእ-ኵናት ክትኣቱ ስለ ዘይትደልይ ይመስል።
ኢራን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ቴህራን ንዝተቐተለ መራሒ ሓማስ ኢስማኤል ሃንየ ስዒቡ ሕነ-ኣይፈደየትን።
ኢራንን ሓማስን ንቅትለት ሃንየ ንእስራኤል ይኸስሱ።
ሂዝቦላሕን ሓማስን፡ ብእስራኤል፣ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ከም ግብረ-ራዕዳውያን ተበይኖም እዮም።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜይኒ፡ ሙስሊም “ብገንዘባውን ካልእ ሓገዝን” ኣብ ጐኒ ሂዝቦላሕ ደው ክብሉ ፀዊዑ፤ ነቲ ንነስራላህ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሕነ- ንምፍዳይ ግና ቃል ኣይኣተወን።
ዓሌ ኻሜይኒ፡ “ዕጫ እዚ ዞባ ብሓይልታት ተቓውሞ እዩ ዝወሰን፡ ሂዝቦላሕ ግና ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ’ዩ” ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ መራሒ ሃይማኖት ኣብ ውሽጢ ኢራን ናብ ዝርከብ ውሑስን ጥቡቕ ሓለዋ ፀጥታ ዝግበረሉን ቦታ ከም ዝተወሰደ፡ ሮይተርስ ንክልተ ሰብመዚ እቲ ዞባ ብምፅራሕ ፀብፂቡ።
እስራኤል በቲ ብዓርቢ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ፡ ምክትል ኣዛዚ ስርሒታት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጀነራል ዓባስ ኒልፎሩሻን እውን ኣብ ዳህየህ “ከም ዝሞተ” ምስቲ ሰውራ ርክብ ዘለዋ ማዕኸን ዜና ሳቤሪን ገሊፃ።
እንተኾነ፡ ሰብመዚ ኢራን ኣብ ቅትለት እዚ ጀነራል ዛጊድ ወግዓዊ መረጋገፂ ኣይሃቡን።