እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደት መንእሰያት ትግራይ፡ ‘ህይወተይ ንምድሓን ብዙሕ ዘይሕጋዊ ነገራት ሰሪሐ’
ሳራ ብርሃነ፡ ‘ኣብ ዓደይ እንከለኹ’ ጽቡቕ ህይወት ነይሩኒ ትብል።
ኣብ ዛላምበሳ ንእሽቶ ካፈ፡ ክልተ ቤት መግብን መደቀስን ነይሩዋ፤ በዚ ንኻልኦት ሰባት’ውን ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ዕጕብ ናብራ ትመርሕ ምንባራ ትዛረብ።
“ሕጂ ግን ንርእሰይ’ውን ክኸውን ኣይከኣልኩን፤ ደቀይ ዘብልዖም ስኢነ’የ”።
ሳራ፡ ኣደ ክልተ ቈልዑ’ያ። ካልኦት ክልተ ኣቦኦም ዝሞተ ደቂ ሓፍታ’ውን ትናቢ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ 2020 ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ዝተወልዐ ረጽሚ ዝስዓበ ኲናት፡ ዓንዲ መነባብሮኣ ዝነበሩ ኵሎም በሪሶም።
ኣደኣ’ውን ብሕማም መንሽሮ ሞይታ። ንሳ ድማ ደቃ ሒዛ ናብ ከተማ ዓዲግራት ተመዛቢላ፤ ነዚ’ያ ‘ኣብ ዓደይ እንከለኹ’ እናበለት ተዕልል።
“ኣብ ውሽጠይ ብዙሕ ቃንዛ ኣሎ፤ ነዚ እየ ከውጽእ ዝሓስብ” ትብል።
በዚ ኵነታት ስራሕን ቀለብን ምርካብ ኣዝዩ ከም ዝብድሃ እትገልጽ ሳራ፡ ብተደጋጋሚ ስደት ትሓስብ፤ ብፍላይ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘጋጠማ በዳሂ ቍጠባዊ ጸገማት ናብዚ ካብ ዝደረኹዋ እቲ ሓደ ምዃኑ ትጠቅስ።
“ረድኤት ኣይነበረን፤ ደቀይ ዘብልዖም ስለ ዝሰኣንኩ፡ ክስደድ ወሲነ። ምስ ካልኦት መንእሰያት ብሓባር ክንከይድ ተቛጺረ ነዞም ቈልዑ ዘጽንሓለይ ምስ ስኣንኩ ተሪፈ። እቶም ካልኦት ከይዶም ኣብ ሊብያ ኣለው።”
ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ናይ ዝሳቐዩ፡ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ጃልባ ኣጋጢሙዎም ናይ ዝሞቱ መንእሰያት ቪድዮታት መዓልታዊ ከም ዝለኣኸላ ትዛረብ።
ንነዊሕ እዋን ድሃዮም ዘይፍለጥ ደቂ ዓዳ’ውን ኣለው። ካብዚኦም ገሊኦም ብቐረባ እትፈልጦምን መምህር እንከላ ዘምሃረቶምን መንእሰያት’ዮም።
“ኣብ ሊብያ ኰይኖም ገንዘብ ኣዋጽኡልና ዝብሉ ኣለው፤ ኣብ ቀረባ ናተይ ተምሃራይ ዝነበረ ምስ መሓዙቱ ከይዱ፤ ኣብ ሊብያ ምስ በጽሐ ግን ኣብ ኮንተይነር ተዓጽዩ እናተቐጥቀጠ ህይወቱ ሓሊፉ። እቲ ከጓንፍ ዝኽእል ሕሰም እናፈልጥኩ’ውን ግን ተስፋ ክቘርጽ እንከለኹ ሓደ ኣማራጺ ገይረ ዝወስዶ ስደት እዩ” ትብል።
ሳራ፡ ካብ ክልተ ቈጸራታት ጕዕዞ ስደት’ኳ እንተተረፈት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ጥሒሎም ዝሞቱ፡ ቀረባ ክወጽኡ ናይ ዝተቛጸሩ መንእሰያት ምድላዋት ከተጸናጽን ቀንያ ኣላ።
“ዕድልና ፈቲንና ክንመውት ወይ ክንሓዊ ኢልካ ኢኻ ትብገስ” ትብል።
‘ቤተሰብ ክትተሓዝ እንከለኻ’ዩ ተገዲሱ ገንዘብ ዝህበካ’
ነባሪ ከተማ ኣጽቢ መንእሰይ ሃፍቶም ጸጋይ፡ ብ2010 ከምኡ’ውን ብ2012 [ግ] ናብ ስደት ኣንቂሉ።
ክልቲኡ ግዜ ግን ተኸላቢቱን ድኻምን ሕሰምን ርእዩን ካብ ጫፍ ጅቡቲ ተመሊሱ።
ብሽግር ከም ዝዓበየ ዝገልጽ ሃፍቶም፡ ኣብ ከባቢኡ እኹል ዕድላት ስራሕ ብዘይምህላው ‘ክሳብ መዓዝ?’ ዝብል ስክፍታ ናብ ስደት ከምርሕ ከም ዝገበሮ ይዛረብ።
“ሰብ ናብ ስደት ከይዱ ገንዘብ ሒዙ ክመጽእ ክትርኢ ከለኻ ብድሆታት እቲ መገዲ ኣይርኣየካን፤ ብሓጺሩ ንምህፍታም፡ ቀልጢፈ ህይወት ስድራይ ክቕይር’የ ብዝብል እየ ከይደ ነይረ።”
እቶም ናብዚ መገዲ ዝመርሑዎ ደለልቲ ኣይፈልጦምን፤ “ቍጽሪ ስልኪ ጥራይ’ዮም ዝልእኩልካ፤ እትኸፍሎም ገንዘብ ክትብገስ ከለኻ ኣእትዎ ይብሉኻ። ናብ ባሕሪ ትጽግዑ ስለ ዘለኹም ድማ ክፈሉ ትብሃል” ይብል።
ክልተ ግዜ ፈቲኑ ግን ኣይሰለጦን። ግን ድማ፡ ካብ ገለ እቶም ካብ ከባቢኡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኸዱ ሰባት ወረ ከጸናጸን ይውዕል።
እዚኦም፡ ሕጂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ስራሕ የለን፤ ሰብ እንተዘይሃሊዩካ ንኣዋርሕ ኮፍ ኢኻ ትብል፡ ጥምየት ኣሎ ከም ዝብሉዎ ይዛረብ፤ ግን ድማ ኣብቲ ከባቢኡ ዘሎ ስእነት ስራሕ ከኣ የጨንቘ።
“(ብ2012) ካብ ደደቢት ተለቂሐ ካፈ ከፊተ ነይረ፤ ብሰንኪ ኮሮና ግን ተዓጽዩ፤ 2013 ድማ ኲናት መጺኡ። ሕጂ ኸኣ፡ ስራሕ የለን፤ ሰላም’ውን የለን። ገዛውቲ ዓንዩ፡ ብዙሕ ጸገማት’ዩ ዘሎ። ስራሕ፡ ባዕሉ ስለ ዝኣልየካ፡ ካብ ብዙሕ ነገራት ይሰትረካ’ዩ፤ ባይታን ገንዘብን ምስኣን’ዩ ናብ ስደት ዝድርኸካ። ኣነ’ውን ከይፈተኹ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ናብኡ (ስደት) ገጸይ’የ ዝሓስብ ዘለኹ።”
ወሲኹ፡ “ስራሕ ክረክብዶ ይኸውን ኢልካ ተስፋ ትገብር፤ ግን ኵል ግዜ ካብ እንዳ ቡን ናብ እንዳ ቡን ዘለካ እናጥፋእካ ኢኻ ትውዕል። ከም ዕድልካ’ዩ- ሞትን መከራን ከም ዝገጥመካ ኵሉ ፈሊጡ እዩ ዝኸይድ።ተሰሊጡካ፡ ሰሪሕካ ዓድኻ ትምለስ፡ እንተዘይኰይኑ ኸኣ ኣይኰነን ትብል” ኢሉ።
ሃፍቶም፡ ክሳብ እቲ ልቦናኡ ዘሰላስሎ ጕዕዞ ዝሰልጦ ኣብ ሕርሻ ወላዲቱ ውዒሉ ናብ ከተማ ተመሊሱ ምስ ኣዕሩኽቱ ክራኸብ እንከሎ ‘መገዲ ስዑዲ ከመይ ኣሎ?’ ዝብሉ ዕላላት ከም ዝለዓሉ ይገልጽ።
“ወትሩ ደሃይ ትገብር፤ ኣብኡ በጺሖም ንዝመጽኡ መሓዙትና ኵነታት ከመይ ኣሎ ኢልና ንሓትት። ኣቱም ኣሓተይ መገዲ ድሓን እንተዀይኑ እሞ ንኺድ’ዶ ኢኻ ትብል። ግን እቲ ኣብ መገዲ ዘሎ ገልታዕታዕ ገዲፍና ኢና ነውግዕ” ብምባል የረድእ።
መብዛሕትኦምን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ‘ምብራቓዊ መገዲ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብሶማልያ፡ ጅቡትን የመንን ኣቢሉ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝወስድ ኣዝዩ ሓደገኛ መገዲ እዮም ዝጥቀሙ።
እዚኦም ብቐንዱ ብሰንኪ ድኽነት፡ ግጭትን ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጥን ዝወጽኡ ከም ዝዀኑ ኣህጕራዊ ትካላት ስደትን ስደተኛታትን ይገልጻ።
እዞም ስደተኛታት ብርቱዕ ዋዒ ብዘለዎም በረኻታት ይጓዓዙ፤ ኣዝዩ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ይሰግሩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብመዝመዝቲ ኣሰጋገርቲ ግዳያት ዓመጽ (ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረን ዓመጽ ሓዊሱ)፡ ስቅያት፡ ምዝመዛ፡ ግዱድ ስራሕን ግህሰትን ተቓላዕቲ ከም ዝዀኑ ሓበሬታ ዓለምለኻዊ ትካል ስደት (ኣይኦኤም) የመልክት።
ይዅን’ምበር ቤተሰብ፡ እዚ ገንዘብ “ኣብዚ ሰሪሐ ክልወጠሉ ሃበኒ ክትብሎ ከለኻ ‘ብመስተ ከተጥፍኦ ኢኻ’ እናበለ ኣይህበካን። ምስ ተበገስካ ግን እናርኣናዮ’ዶ ክጠፍእ ኢሎም ገንዘብ ይሰዱልካ። ግን ቤተሰብ ኣብ ዓድኻ ስራሕ ክትጅምር ክሕግዘካ እዩ ዘለዎ” ይብል ሃፍቶም።
ልዕሊ ፍርቂ መንእሰያታ እትኸስር ዘላ ክልል
ዓመታዊ፡ ስራሕን ካልኦት ቍጠባዊ ዕድላትን ደልዮም ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝስደዱ ጸብጻባት ዓለምለኻዊ ትካል ስደትን ኤጀንሲ ማእከላይ ስታቲስቲክ ኢትዮጵያ የመልክቱ።
እቶም ትካላት ኣብ 2021 ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ፡ ዕድመኦም ካብ 15 ክሳብ 29 ዓመት ዝዀኑ ልዕሊ 800 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ካልኦት ሃገራት ከም ዝተሰደዱ የመልክት።
ካብዚኦም እቶም 31 ሚእታዊት ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኸዱ እንከለው፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣመሪካን የመንን ብብዝሒ ዜጋታት እታ ሃገር ዝስደዱለን ሃገራት እየን።
ኣብቲ ግዜ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ኣስታት 51 ሽሕ ስደተኛታት ደሃዮም ከም ዘይፍለጥን (መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ) ኣብቲ ሓደገኛ ጕዕዞ መገድን ባሕርን ጠፊኦም ወይ ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉን የረድእ።
ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝኸዱ መብዛሕትኦም ዘይተምሃሩ መንእሰያት ብምዃኖም ኣብ ከም ጽርየት ዝኣመሰሉ ዘቤታዊ ዕዮታትን መጓሰን እዮም ዝዋፈሩ።
እዚኦም፡ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምለስሉ እዋን’ውን፡ ናብቲ ሕብረተሰቦም ዳግማይ ኣብ ምውህሃድ ብድሆታት ከም ዘጋጥሞም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ቍጠባዊ ዕላማታት ስደት “ዘየዐወቱ ፍሹላት” ተባሂሎም’ውን ተነጽሎ ከም ዝገጥሞም ጸብጻባት የመልክቱ።
ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መነባብሮን ቍጠባዊ ሕውየትን መንእሰያት እቲ ክልል ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 54 ሚእታዊት መንእሰያት ካብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ለቒቘም ክኸዱ ድልየት ከም ዘለዎም ኣርእዩ።
እዚ ኣሃዝ ኣዝዩ ብዙሕ ከም ዝዀነ ኣቦ መንበር እታ ማሕበር ሰናይ ከሓሰ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ናይዚ ምኽንያታት ዝዀነ ሽቕለት ኣልቦነት 38.1 ሚእታዊት ክሕዝ እንከሎ፡ ስእነት ምዕሩይ ምሕደራ ድማ ኣስታት 5.3 ሚእታዊት ይሕዝ።
ካልኦት 5.3 ሚእታዊት ዝሓሸ ናብራ ደልዮም ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ናብ ዝርከቡ ከባቢታትን ካብቲ ክልል ክወጽኡ ይደልዩ፤ ድኽነት ድማ ምኽንያት ምስዳድ 4.8 ሚእታዊት መንእሰያት ይኸውን ኣሎ።
ቍጽሪ ዕድላት ትምህርትን ንግድን ደልዮም ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ግን ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ከም ዝዀነ እቲ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
“ብድምር 53.7 ሚእታዊት ድኽነትን ስእነት ስራሕን ኰይኖም፡ ኣብ ከባቢኦም ህይወት ዝቕይሩ ነገራት ብዘይምፍጣሮምን ዕድል ብዘይምርካቦም መንእሰይ ካብቲ ክልል ክለቁ ይግደዱ ኣለው” ክብል ሰናይ ኣረዲኡ።
ቅድም፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ስራሕቲ ዕደና ወርቂ ጥራይ ንልዕሊ 200 ሽሕ መንእሰያት ዕድል ስራሕ ይፈጥር’ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን ብስርዓት ይመሓደር ብዘይምህላዉ መንእሰያት ኣብ ከባቢኦም ዘለው ጸጋታት ንኸይጥቀሙ ምኽንያት ከም ዝዀነ ብኣብነት ጠቒሱ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት ብርክት ዝበሉ ማሕበራዊን ቍጠባዊን ጽላታት ኣዕንዩ’ዩ።ኣብ ርእሲኡ ኣብ ትግራይ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት እምበር ርጉእ ፖለቲካዊ ሃዋሁ የለን፤ እዚ ኵሉ ተደሚሩ እቲ መንእሰይ ካብ ትግራይ ክወጽእ ይደፍኦ ኣሎ” ይብል ሰናይ።
ከም ሓበሬታ ኤጀንሲ ማእከላይ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ካብ 15 ክሳብ 53 ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 2.2 ሚልዮን መናእሰይ ኣለው ተባሂሉ ይግመት ነይሩ።
“ሕጂ ኵለመዳያዊ ወጻኢታት ዝተገብረሉ ዝተምሃረ ዝበሃል፡ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለዎ መንእሰይ እዩ ዝስደድ ዘሎ። መንግስቲ ከዳልዎም ዝግባእ ስልጠናታት፡ ልቓሕን መስርሕን መሸጥን ቦታታት ሕጂ የለውን። እዚ መንግስቲ ክሓስበሉ ይግባእ” ክብል እቲ ኣቦ መንበር ልዑል ቈላሕታ ዝጠልብ ቅልውላው ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
‘ህይወተይ ንምድሓን ብዙሕ ዘይሕጋዊ ነገራት ሰሪሐ’
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ዝርከባ ከባቢታት ኣጽቢ፡ ሳዕስዕ ጻዕዳ እምባ፡ ጉሎ መኸዳን ኢሮብን፡ ኣብ ዞባ ማእከል ከባቢታት ገርሁ ስርናይ፡ እገላ፡ ኣሕፈሮምን ራማን፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ድማ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ኣላማጣን፡ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ሕንጣሎን ዋጅራትን ሰፊሕ ፍልሰት መንእሰያት ዝርኣየሎም ከባቢታት እዮም።
ኣብዚ እዋን ግን፡ ዳርጋ ካብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ክልል ሰባት ይስደዱ ዘለው ኰይኖም፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣውሮጳ፡ ኣመሪካን ካልኦት ከባቢታትን ሃገራትን ይስደዱ ከም ዘለው ኣብቲ ክልል ዝተኻየዱ ዳህሳሳት የመልክቱ።
መብዛሕትኦም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት፡ ንመንእሰይ ማእከል ዝገበሩ ስራሓት ከም ዘየለው ይጠቕሱ።
“እቲ መንእሰይ ንኲናት ተባሂሉ’ዩ ተኣኪቡ እምበር፡ ቀደሙ ኣትሒዙ ዝተበተነ፡ ኣብ ስደትን ካልእ ቅልውላውን ዝነበረ’ዩ። ድሕሪ እቲ ኲናት ድማ ገሊኡ ተወጊኡ፡ ገሊኡ ፈቘዶኡ ይብተን’ዩ ዘሎ” ይብል ኣብርሃ ገብረሚካኤል።
ንሱ ነባሪ ኣጽቢ ወንበርታ’ዩ፤ ብ2009 [ግ] ብዘይሕጋዊ ስደት ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዱ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ዝዀነ ውሕስነት ብዘይብሉ ጕዕዞ ባሕሪ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዝርከብ ራጐ ዝተባህለ ከባቢ ተኣሲሩ ከም ዝተኸላበተ ገሊጹ።
“ኣብ ስደት መሰል ዝብሃል ስለ ዘይብልካ፡ ዝዀነ ሰብ የንገላትዐካ፡ ሓለቓ ይዀነልካ። ኵሉ ሰብ ናብራኡ ክቕይርን ገንዘብ ክረክብን ኢሉ’ዩ ዝስደድ። ኣነ ብድሆን መከራን እምበር፡ ገንዘብ ኣይረኸብኩዎን” ይብል።
ወሲኹ፡ እታ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኸደላ ዝነበረት ጃልባ ሓደጋ ምጥሓል ኣጋጢሙዋ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክሞቱ ከም ዝርኣየ ይዝክር።
“ኣብ ባሕሪ፡ ን36 ሰዓታት ክንጸንሕ እንከለና፡ ዝተጓዓዝናላ ጃልባ 120 ሰባት ሒዛ ነይራ። 80 ንኸውን ደቂ ትግራይ ኢና ነይርና፡ ጥሒላ፤ ሽዑ ልዕሊ 15 ሰባት ሞይቶም። ኣብ የመን ገጽ ኣብቲ ሑጻ ቀቢርናዮም” ኢሉ።
እቲ ጕዕዞ ኣስታት ሓደ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ክወስደሎም እንከሎ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ተጠሪዙ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ።
“ኣብኡ ኵሉ ፈቲነዮ፤ ግን ምንም ኣይኰነለይን። በዳሂ ግዜ’ዩ ነይሩ። ሞት ሰባት ብብዝሒ ኢኻ ትሰምዕ። ህይወተይ ንከድሕን ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ነገራት’ውን ሰሪሐ’የ፤ ዘይሕጋዊ ሰባት ዝገፉ ኣካላት ጸጥታ ምስ ረኸቡኒ ተጠሪዘ ተመሊሰ” ኢሉ።
ድሕሪኡ፡ ካብ መንግስቲ ልቓሕ ብምውሳድ ሕዳሰ ቆርበትን ውጽኢትን ቆርበትን ዝብል ትካል ኣቚሙ ኣብ ምፍራይ ከም ቁልፊ፡ ጫማ ዝበሉ ውጽኢታት ቈርበት ናብራኡ ይመርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
“ዕጉብ ኣይኰንኩን’ምበር ጽቡቕ ኣለኹ፤ ምስ ተመለስኩ ኣብ ዝዀነ እዋን ተመሊሰ ክኸይድ ሓሲበ ነይረ። ሕጂ ግን ኣብ ዓደይ ሰሪሐ ክነብር’የ ወሲነ። ይዅን’ምበር መንእሰይ ማእከል ዝገበረ ስራሕ የለን። ኣነ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ተዋሂቡኒ ዘይኰነ ብዙሕ ጻዕሪ ገይረ’የ ዝሰርሕ ዘለኹ። ኵሉ ግን ከምዚ ክገብር ይኽልእ’ዩ ማለት ስለ ዘይኰነ፡ ዝምልከቶ ኣካል ነዚ መንእሰይ ካብ ስደትን ሞትን ከድሕኖ ኣለዎ” ኢሉ።
ሳራን ሃፍቶምን’ውን፡ ብውሑድ ስራሕ ክፍጠረሎም፡ ልቓሕ፡ መስርሕን መሸጥን ቦታ ክዳለወሎም ከምኡ’ውን ናብ መረበቶም ክምለሱ እንተኽኢሎም ናብ ንቡር ስርሖም ክምለሱ ይደልዩ።
“ሰላም እንተዝኸውን ነይሩ ሰብ ኣይስደድን፤ ተንቀሳቒሱ ክሰርሕ ምኽኣለ። ብሰንኪ ፖለቲካዊ ቅልውላው ግን ሎሚ’ዶ ጽባሕ ዳግም ኲናት ክፍጠር ይኸውን? ሕጂኸ ናበይ ኢና ክንመዛበል? ዝብል መዓልታዊ ሻቕሎት ኣለና” ትብል ሳራ።
በዚ ርእይቶ ዝሰማማዕ ሃፍቶም ብወገኑ፡ “ነቲ ካፈ ዝገዛእኩዎ ንብረት - ምስቲ ኲናት ጥምየት ስለ ዝነበረ ብኽባር ዝገዛእኹዎ ከሲረ ሸይጠዮ’የ። ነዚ ዝትክኣሉ ዕድል እንተዝፍጠረለይ፣ ኵነታት ትግራይ’ውን ዝተረጋግአ እንተዝኸውን ኣብ ዓደይ ክሰርሕ’የ ዝደሊ” ይብል።