ሩስያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሕጂ'ውን ካልአይቲ ሃገር ከይትኸስር ትሰግእ

እስራኤል ብዓርቢ 13 ሰነ ኣብ ልዕሊ ኢራን 'ራይዚን ላዮን' ኢላ ዝሰመየቶ መጥቃዕቲ ምስ ጀመረት፡ ሩስያ ንስጕምቲ እስራኤል፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት መሊሱ ዘጋድድ 'ሓደገኛ' ብምባል'ያ ገሊጻቶ።

እንተዀነ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ሩስያ፡ ኲናት ኢራንን እስራኤልን ንሩስያ ጉልቡብ ምርቓ ምዃኑ'የን ከጋውሓ ተሰሚዐን።

ገለ ካብቲ ንሩስያ የርብሕ'ዩ ኢለን ዝጸብጸበኦ ነጥብታት ከኣ፤

  • ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ሩስያ ኣታዊታታ ንኸተዕቢ ዝሕግዝ'ዩ።
  • ዓለም ናብ ኲናት ኢራንን እስራኤልን ስለዘድሃበት፡ ነቲ ሩስያ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ኣቓልቦ ክትፍጎ'ያ።
  • ሩስያ ንእስራኤልን ኢራንን ንምሽምጋል ዘቕረበቶ ሕቶ ብኽልቲአን ሃገራት ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ኣብ ዩክረይን ዝገበረት እንተገበረት ሩስያ ቀንዲ ቀላሲት ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ኣብ ምስፋን ዓቢ ተራ ዘለዋን ክገብራ ርሒብ ዕድል ክህሉ'ዩ ዘብል ይርከቦ።

እንተዀነ እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ተካይዶ ዘላ ስርሒት ነዊሕ እንተወሲዱ ግን ሩስያ ክትከስሮ እትኽእል ነገር ክዛይድ ተኽእሎ ኣሎ።

ሩስያዊ ተንታኒ ፖለቲካ ኣንድሬ ኮርቱኖቭ ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "እቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት [እስራኤልን ኢራንን] ዝካየድ ዘሎ ግጭት እናብኣሰ እንተኸይዱ ንሩስያ ዓቢ ሓደጋ ከምጽኣላ ይኽእል'ዩ፡" ይብል።

እቲ ክኢላ፡ "እቲ ሓቂ ሩስያ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ምስ ኢራን ኵለመዳያዊ ስትራተጂያዊ ሽርክነት ክህልወን ፈሪማ ክንሳ፡ ካብቲ ብእስራኤል ዝፍጸማ ዘሎ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ክትከላኸል ኣይከኣለትን።"

"ብንጹር ሞስኮ ካብ ንእስራኤል ዝዅንን ፖለቲካዊ መግለጺታት ሓሊፋ ክትከይድ ድልውቲ ኣይኰነትን፡ ከምኡ ከኣ ንኢራን ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትህባ'ውን ድልውነት የብላን፡" ኢሉ።

ሩስያን ኢራንን ብመንገዲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት መስዑድ ፐዘሽክያን ዝተፈራረማኦ ውዕል ወተሃደራዊ ኪዳን ኣይኰነን ነይሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌይ ላቭሮቭ ምስ ማዕከን ዜና ሪያ ኖቮስቲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ስምምዕ "ብደረጃ ዞባን ዓለምን ንረብሓ ሰላምን ጸጥታን ምውህሃድ ንምሕያል፡ ከምኡ'ውን ሞስኮን ቴህራንን ኣብ ጸጥታን ምክልኻልን ዝያዳ ምትሕብባር ንኽህልወን ዘለወን ድሌት" ፍሉይ ኣቓልቦ ከምዝሃበ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ሩስያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓደ ዝነበራ መርገጺ እግሪ ከሲራ'ያ - ባሻር ኣልኣሳድ።

መራሒ ሶርያ ባሻር ኣልኣሳድ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ካብ ስልጣኑ ምስ ተዓለወ፡ ሩስያ'ያ ኣዕቍባቶ።

ሕጂ ከኣ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ኣብ ኢራን መንግስቲ እንተተኣልዩ ሩስያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካልእ መሻርኽቲ ክትከስር'ያ።

እዚ ከኣ ንሞስኮ ዘየሻቕል ኣይኰነን።

ሩስያዊ ተንታኒ ፖሎቲካ ኣንድሬ ኮርቱኖቭ ኣብ ጽሑፉ፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለማዊ ፖለቲካ፡ ኣብ ሓቀኛ ግዜ ሰፊሕ ለውጢ ይካየድ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንሃገርና [ሩስያ] ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ክጸልዎ እዩ።"

ቭላድሚር ፑቲን እዚ ሰሙን ኣብታ ዓመታዊ ኣህጉራዊ ቍጠባዊ መድረኽ ዝእንገደላ ሴንት ፒተርስበርግ'ዩ ከሕልፎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓለፍቲ ዓበይቲ ምዕራባውያን ኩባንያታት ካብቲ ዓመታዊ ሩስያ እተአንግዶ ቍጠባዊ ፎረም እግሮም ክስሕቡ'ዩ ጸኒሖም፤ ብፍላይ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ኣዳለውቲ፡ ሎሚ ዓመት ካብ ልዕሊ 140 ሃገራትን ግዝኣታትን ዝመጹ ወከልቲ ክሳተፉ ምዃኖም ይገልጹ ኣለዉ።

ሰበስልጣን ሩስያ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ኲናት ንሩስያ ንምንጻል ዝተገብረ ፈተነታት ከም ዝፈሸለ ንምግላጽ ክፍትኑ ምዃኖም ዳርጋ ርግጸኛ'የ ይብል ኣንድሬ ኮርቱኖቭ።

እቲ ኣኼባ ቍጠባዊ መድረኽ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ህሉው ጂኦፖለቲካ ጐሲኻ ዝግበር ግን ኣይክኸውንን'ዩ።

ፕረዚደንት ሩስያ ኣብዚ ኣኼባ ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኢራንን እስራኤልን ከምኡ ከኣ ብዛዕባ ዩክረይን ክብሎ ንምስማዕ ብዙሓት እዝኖም ጸልዮም ይጽበዩ ኣለዉ።