እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025፡ ሰኔጋል ሕጂ'ውን ናብ ፍጻመ ሓሊፋ

    ኣብቲ ኣቕድም ኣቢሉ ኣብ ከተማ ታንጀር ዝተዛዘመ ቀዳማይ ጸወታ፡ ሰኔጋላውያን ኣናብስ ታራንጋ ንፈርኦናት ግብጺ 1 ብ 0 ብምስዓር ካብቲ ውድድር ኣሰናቢቶሞም ኣለዉ።

    ኣብ ሊቨርፑል ከም ብጾት ብዙሕ ዓወታት ዝሓፈሱን ሳድዮ ማነን መሓመድ ሳላሕን ኣብቲ ኣብ ሜዳ 'ግራን ስታደ ዲ ታንጀር' ዓውደ-ቅልስ ንጋንታታቶም ናብ ናይ ፍጻመ ግጥም ንምብጻሕን ብኡ ኣቢሎም ዋንጫ ንምዕታርን ናይ መን ኣውደቐ ቀልስ ከካይዱ’ዮም ኣምስዮም።

    እንተኾነ እቲ ኣብ 2022 ነታ ዋንጫ ዝዓተራ ማነ ሕጂ’ውን ናብ ፍጻመ በጺሑ’ሎ።

    ዝበዝሐ ዋንጫ ኣፍሪቃ (7) ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ'ኳ እንተኾነት ኣእዳው ሳላሕ ግን ዛጊት ኣይተንከፍኣን ዘለዋ።

    ተዳኺሞም ዝመስሉ ግብጺ፡ ኣብዚ ወሳኒ ናይ ፍርቂ-ፍጻመ ግጥም ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ኣይነበሩን።

    እቲ ክሳብ ኣብዚ ኣብ ዘካየዶም ግጥማት ናይቲ ውድድር ኣርባዕተ ሸቶታት ዘመዝገበ ሳላሕ ህጣሙ ኣጥፊኡ ምምሳዩ ንጋንታኡ ኣይሓገዛን።

    ታሪኽ ዝደገሙ ሰኔጋል ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2021 እውን ኣብ ፍርቂ-ፍጻመ'ዮም ንግብጺ ብፍጹም ቅላዕ ስዒሮም'ዮም ናብ ዋንጫ ምዕታር ክሓልፉ በቒዖም።

    ብዘይካ'ዚ ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ተወሳኺ መጻረዪ ግጥም ዋንጫ ዓለም ነቶም ፈርኦናት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብምስዓር'ዮም ኣናብስ ታራንጋ ናብቲ ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ውድድር ክሓልፉ ክኢሎም።

    ኣብዚ ሎም-ምሸት ዝቕጽል ካልኣይ ግጥም'ውን ንስርታት ናይጀርያ ኣንጻር እታ ብደገፍታ ዝተኸበበት ኣአንጋዲት ጋንታ ኣናብስ ኣትላስ ኣብ ሓያል ግጥም ክጸምዱ’ዮም።

  2. ቐጠር፡ ኣመሪካ ሰባ ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከተውጽእ ጀሚራ

    ኣመሪካ ካብቲ ኣብ ቐጠር ዘሎ ወተሃደራዊ መዓሰከር ሓይሊ ኣየር ኣል-ዑደይድ ሰባ ከተውጽእ ጀሚራ።

    መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ኣመሪካዊ ማዕን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ስጉምቲ ንውሕስነት ተባሂሉ ዝተወስደ’ዩ።

    መንግስቲ ቐጠር ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ “እዋናዊ ዞባዊ ወጥሪ” ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣነጺሩ’ሎ።

    ብህዝባዊ ናዕቢ ትናወጽ ዘላ ኢራን ንናዕበኛታት ክትቀትል እንተጀሚራ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣጠንቂቑ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ዛጊት ልዕሊ 2400 ተቓወምቲ ብሓይልታት ጸጥታ ኢራን ተቐቲሎም ኣለዉ። ብዙሓት ኣባላት ጸጥታ ግዳያት ቅለት ኮይኖም ምህላዎም'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንእስራኤል ንምድጋፍ ኣብ ልዕሊ መደበራት ኑክሌር ኢራን መጥቃዕቲ ዝኣዘዘ ትራምፕ፡ ሕጂኸ እንታይ ክገብር ይኽእል ንዝብል፡ ዓለም ብተርባጽ ትጽበዮ ዘላ ኮይኑ’ሎ።

  3. ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025፡ ወሳኒ ግጥማት ፍርቂ-ፍጻመ

    ግጥማት ፍርቂ-ፍጻመ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሎሚ ምሸት ክካየድ'ዩ።

    ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝግበር ጸወታ፡ ሰኔጋልን ግብጽን ኣብታ ኣብ ጸንፊ ሰሜናዊ-ምብራቕ ኣህጉር ኣፍሪቃ እትርከብ ከተማ ታንጀር ክራኸባ እየን።

    ጾር ሃገራቶም ዝተሰከሙ፡ ኣብ ሊቨርፑል ከም ብጾት ብዙሕ ዓወታት ዝሓፈሱን ሳድዮ ማነን መሓመድ ሳላሕን ኣብቲ ኣብ ሜዳ 'ግራን ስታደ ዲ ታንጀር' ዓውደ-ቅልስ ንጋንታታቶም ናብ ናይ ፍጻመ ግጥም ንምብጻሕን ብኡ ኣቢሎም ዋንጫ ንምዕታርን ናይ መን ኣውደቐ ቀልስ ከካይዱ'ዮም።

    ዝበዝሐ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ'ኳ እንተኾነት ኢድ ሳላሕ ግን ኣይተንከፋኣን ዘለዋ።

    ኣብቲ ቀጺሉ ሎም ምሸት ዝካየድ ካልኣይ ግጥም'ውን ናይጀርያ ኣንጻር እታ ብደገፍታ ዝተኸበበት ኣአንጋዲት ጋንታ ንግስነት ሞሮኮ ኣብ ሓያል ግጥም ክትጸምድ'ያ።

    'ኣናብስ ኣትላስ' (ሞሮኮ) ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ ዘላ ጋንታ ብምዃና ግን ንስርታት ናይጀርያ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ ንዝብል ኣብ ርእሰከተማ ራባት ዝርከብ ሜዳ ልኡል ሙላይ ዓብደላ ዝፈርዶ ክኸውን'ዩ።

  4. ርክባት ሰበስልጣን እስራኤልን ኢትዮጵያን

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ከምዝተራኸበ ሓቢሩ።

    ጊዲዮን ሳኣር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስ ታሕተዋይ (ዲኤታ) ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓደራ ኣበራ ኣድማሱ ብምርኻብ ከምዝተዘራረበ ጠቒሱ።

    እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሶማሊላንድ ዝበጽሐ ላዕለዋይ እስራኤላዊ ብዓልስልጣን፡ "ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዘሎ ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ነሐይሎ ኣለና" ኢሉ።

    "ንኢትዮጵያ ከም ናይ ነዊሕ እዋን ስትራተጂካዊት መሻርኽቲ ኢና ንጥምታ፡ ርክብና ድማ ዝያዳ ከነሐይሎ ኢና። ብዛዕባ ኣብ ዞባታትና ዘሎ ብድሆታት ተዘራሪብና"።

    ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ፡ ኢትዮጵያ ክትስዕባ'ያ ዝብል ትጽቢት'ኳ እንተጸንሐ፡ እታ ኣፍልጦ ንምሃብ ክትደናደን ዝጸንሐት ኣዲስ ኣበባ ግን ዛጊት ስቕታ'ያ መሪጻ ዘላ።

    እቲ ኣብ ከተማ ኢዮርሳሌም ዝቐነየ ልኡኽ ኢትዮጵያ ወፍሪን ምትሕግጋዝን እስራኤል ንምርካብ ምስ ሓያለ ካልኦት ሰብመዚ ተላዚቡ ከምዘሎ'ውን ብክልቲኡ ወገናት ዝወጸ ወግዓዊ ሓበሬታ የመልክት።

  5. ሽወደን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ምወላ መንግስቲ ተኸልኪላ

  6. ቴህራን ካብ ምትእትታው ወጻኢ ሃገራት ነብሳ ክትከላኸል ድልውቲ እያ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ሰልፈኛታት "ተቓውሞኦም ክቕጽሉ" ዝላቦ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ፡ ሃገሩ ካብ "እከይን ናይ ወጻኢ ምትእትታውን" ንነብሳ ክትከላኸል ምዃና ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰዓታት ኣራግቺ ምስ ሰበስልጣንን ምኒስተራትን ቱርኪ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ፈረንሳን ዘካየዶ ዝተፈላለየ ናይ ተሌፎን ዝርርባት ኣብ ቴሌግራም ቻነሉ ጽሒፉ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ምስ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተርን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢራን ዘሎ ናዕቢ ከምዝተዛረበን "ህድኣት ሰፊኑ" ከምዘሎን ገለጹ።

    ኣብቲ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢራን ብወግዒ ምትእትታው ተባሂሉ ዝቑጸር መግለጺታት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ብምጥቃስ፡ ኣራግቺ፡ ህዝቢ ኢራን ሃገራዊ ልኡላውነትን ድሕነት እታ ሃገር ካብ ዝዀነ ይዅን ክፍኣትን ናይ ወጻኢ ምትእትታውን ንምክልኻል ዘለዎ ቆራጽነት ኣስሚሩሉ።

  7. ትግራይ፡ ሃገራዊ ቦርድ ኣብታ ክልል ብዛዕባ ዝካየድ መረጻ እንታይ ኢሉ?

  8. ኢራናዊ ሰልፈኛ ሎሚ ክቕተል ትጽቢት ከም ዝግበር ዘመዱ ንቢቢሲ ሓቢሩ

    ዝሓለፈ ሰሙን ብሰበስልጣን ኢራን ተኣሲሩ ዝነበረ ኢራናዊ ሰልፈኛ ኤርፋን ሱልጣኒ ሎሚ ክቕተል ከም ዝኽእል ኣዝማዱ ገሊጾም።

    እቲ ወዲ 26 ዓመት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ቴህራን ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ድሕሪ ምስታፉ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝተዋህቦ ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ሓደ ዘመድ ንቢቢሲ ፐርሽያን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሱልጣኒ ኣብ ኢራን ተቓውሞታት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓላ መዓልቲ ሓሙስ ከምዝተኣሰረ ሓቢሩ።

    "ኣብ ኣዝዩ ቅልጡፍ መስርሕ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ጥራይ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ሞት ፍርዲ ሂቡ" ዝበለ እቲ ዘመድ፡ ነቶም ስድራቤት ረቡዕ 14 ጥሪ ክቕተል ምዃኑ ከምዝተነግሮም ገሊጹ።

  9. ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ቱርካውያን በጻሕቲ ዝርከቡዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

  10. 'እንቋዕ ናብ 2976 ኣብጽሓኩም' - ንዓለም ብሓደ ሽሕ ዓመት ዝቕድሙ ህዝቢ

  11. ኤርትራ፡ ናብ ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ተመሊሳ

  12. ትራምፕ፡ ኢራን ንተቓወምቲ ብሞት እንተቐጺዓ 'ሓያል ስጕምቲ' ክወስድ ምዃኑ ተሓንዩ

  13. ሓለዋ ስደተኛታት ዝቐንጠጠ ሓድሽ መምርሒ ምምሕዳር ትራምፕ

    ኣመሪካ፡ ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይጥረዙ ዝገብር ውሕስነት ክለዓል ወሲና።

    እቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማላውያን ስደተኛታት ብቐሊሉ ካብ ኣመሪካ ክስጐጉ ኣፍደገ ዝኸፈት’ዩ።

    ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ዝኾነት ክሪስቲ ኖም ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ “ናይ ሶማልያ ኩነታት ሃገር ተመሓይሹ ስለዝኾነ፡ ንቅጥዕታት ናይቲ ሕጊ [ሓለዋ] ዘማልእ ኣይኮነን” ብምባል ሞጒታ።

    “ጐሓፍ ናብ ሃገርና ምቕባል እንተቐጺልና ኣመሪካ ናብ ግጉይ መንገዲ ክትከይድ'ያ” ክብል ዝተዛረበ ትራምፕ፡ ሶማላውያን ካብ ሃገሩ ክወጹ ከምዝደሊ ክዛረብ ጸኒሑ’ዩ።

    እቲ 1990 ዝወጸ "ፍቓድ ግዝያዊ ሓለዋ" (TPS) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ስደተኛታት ናብ ዘይውሑሳት ሃገራት ከይስደዱ ዝእግድ እዩ።

    ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ 17 መጋቢት ጀሚሩ ኣስታት 2,500 ኣብቲ ትሕቲ ሓለዋ ናይቲ ሕጊ ክነብሩ ዝጸንሑ ሶማላውያን ናይ ስራሕን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ተሓዲጎም ንምጥራዝ ክቃልዑ እዮም።

    ናብታ ብዙሓት ሶማላውያን ከምዝነብሩላ እትፍለጥ ርእሰከተማ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ዝኾነት ከተማ ሚኒያፖሊስ ተወሰኽቲ ተቖጻጸርቲ ኢሚግሬሽን ፈደራል ከዋፍር ምዃኑ ምምሕዳር ትራምፕ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረኔ ኒኮል ጉድ ዝተብሃለት ተሓላቒት፡ በቶም ኣባላት ኢሚግሬሽን ብጥይት ምቕታላ ኣብታ ከተማን ካልኦት ክፍለሃገራትን ተቓውሞታት ኣስዒቡ ጸኒሑ'ዩ።

  14. ማይክል ካሪክ ኣሰልጣኒ ማን ዩናይትድ ክኸውን ተሓርዩ

    እግሊዛዊት ክለብማንቸስተር ዩናይትድ፡ ማይክል ካሪክ ግዝያዊ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ክኸውን ተሰማሚዓ።

    እቲ ወዲ 44 ዓመት ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ተሓሊሉ ዝተሰናበተ ፖርቱጋላዊ ሩበን ኣሞሪም ብምትካእ’ዩ ነታ ጋንታ ክሕዛ ተሓርዩ ዘሎ።

    ምስታ ጋንታ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝተጻወተ ካሪክ፡ ኣብ ትሕቲ ፍሉጥ ኣሰልጣኒ ኣለክስ ፈርጉሰን ሓሙሽተ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግን ሓንቲ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳን ዝርከቦ ዓወታት ዝሓፈሰ’ዩ።

    ድሕሪ ፈርጉሰን ዓወት ዝተሓረማ ዩናይትድ፡ ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ልዕሊ 10 ቀወምትን ግዝያውያንን ኣሰልጠንቲ ቆጺራ ከምዘሰናበተት ይፍለጥ።

    ሓደ ካብቶም ውሩያት ኣጥቃዕቲ ናይታ ጋንታ ዝነበረ ዋይን ሩኒ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ውሳነ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነታ ጋንታ ናብ ናይ ቀደም ዝናኣ ዝመልስ ዕድል ምዃኑ ይዛረብ።

    "እታ ክለብ መንነታ ኣጥፊኣ እያ፡ እቲ ስድራቤታዊ ስምዒት ኣጥፊኣቶ'ያ፡ እንተደሊኻ። ኦለ [ጋነር ሶልሻየር] ይኹን ማይክል፡ ንዕኡ ዝመለስ፡ ንመንፈስ ማንቸስተር ዩናይትድ ናብታ ክለብ ዝመልስ ዕድል'ዩ" ብምባል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

    ማይክል ካሪክ ዕዉት መንፈስ ፈርጉሰን ድዩ ወይ መናፍስቲ ስዕረት ዝሓለፉ ብዙሓት ኣሰልጠንቲ ክገጥሞ ግን ዝመጽእ ግጥማት ናይዚ ዓመተ-ውድድር ዘብርሆ'ዩ ክኸውን።

  15. ሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

    ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ምስ መራሕቲ ሶማልያ ንምዝርራብ ናብ ሞቓድሾ ኣትዩ።

    እቲ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ከምዘብጽሐ ዝንገረሉ ዘሎ ሬድዋን፡ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዕጹው ኣኼባ ከምዘካየደ ሪፖርተር ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

    ዝርዝር ናይቲ ልዝብን መልእኽትን ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታት ማእከል ዝገበረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

    ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ዝኾነ ሬድዋን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ጂቡቲ ተጓዒዙ ነይሩ'ዩ።

    ብሰንበት ናብ ጂቡቲ ዝኣተወ ኣቢይ፡ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢስማዒል ዑመር ገለህ ብምርኻብ "ብዛዕባ ጆኦፖለቲካዊ ኩነታት፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን" ከምዝተዘራረቡ ብመገዲ ኤክስ ሓቢሩ ነይሩ።

    ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ቁጠባዊን ንግዳዊን ምትሕግጋዝን ርክብን ንምሕያል ምልዛቦም'ውን እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ የመልክት።

    ወደባት ጂቡቲ ቀንዲ ኣፍደገ ባሕሪ ናይታ ኣብቲ ዞባ ብብዝሒ ህዝብን ቁጠባን ዝዓበየት ሃገር ምዃነን ይፍለጥ።

    ኣማኻሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ'ውን ምስቲ ልኡኽ ኣብ ጂቡቲ ተራእዩ ነይሩ።

    ብወገን ሞቓድሾ ይኹን ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ምብጻሕ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ሞቓድሾ ብወግዒ ዝተባህለ የለን።

  16. ሶማሊላንድን ፑንትላንድን፡ መንግስቲ ሶማል ስምምዓት ኢማራት ዓረብ ንምቁራጽ ዝወሰዶ ውሳነ ነጺገን

    ንርእሳ ከም ናጻ ሃገር እትቘጽር ሶማሊላንድን ፍርቂ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ዞባ ጁባላንድን፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገበሮ ስምምዓት ወደባት ንምቁራጽ ዝወሰዶ ውሳነ ነጺገን።

    ሶማሊላንድ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ግዝኣታ “ሕጋውን ምምሕዳራውን ስልጣን” ከም ዘይብሉ ክትገልጽ ከላ፡ ፑንትላንድ ውሳነ ሞቃድሾ “ተግባራዊ ዘኰነን ባዶን” እዩ ኢላ።

    ፈደራላዊ መንግስቲ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ፡ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተገብረ ኩሉ ክልተኣዊ ስምምዓት ክቋረጽ ከም ዝወሰነ ብሰኑይ 12 ጥሪ 2026 ኣፍሊጡ እዩ።

    እቲ ውሳነ “ስርሒታት ወደባት፡ ትካላት መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝግበር ምትሕብባር ጸጥታን ምክልኻልን” ዝምልከት ምዃኑ ይንገር።

    ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዘተኰረ መግለጺ መንግስቲ ፌደራል፡ እቲ ውሳነ ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከብ ወደብ በርበራ፡ ኣብ ፑንትላንድ ዝርከብ ወደብ ቦሳሶ፡ ኣብ ጁባላንድ ዝርከብ ወደብ ኪስማዮ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ገሊጹ።

    ወሲኹ ድማ “ፌደራላዊ ትካላት”ን ኣካል ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ዝዀና ክልላትን ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ።

    መንግስቲ ፌደራል እቲ ውሳነ “ልኡላውነት ሶማልያ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ሃገራዊ ሓድነት ሶማልያ ንምሕላው ኣድላዪ እዩ” ኢሉ።

    ብተወሳኺ ኢማራት ዓረብ “ንናጽነትን ፖለቲካዊ ምርግጋእን ሶማልያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዕጡቕን ንሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ተግባራት” ፈጺማ እያ ክብል ከሲሱ።

  17. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክምልሶም ትጽቢት ዝተገብረሎም ዘቤታዊ ጉዳያት

    ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ቀዳምነት ኣይህቦምን’ ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

    ብዙሕ ሰብ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ እንታይ ኮን ይብል ይኸውን ለውጢዶ ይገብር ይኸውን ክብል መልሲ ንዝደልየሉ ሕቶታት መልሲ ንክረክብ ይጽበ ከምዘሎ ይእመን።

    ኤርትራውያን ዝደልይዎ ለውጥታት፡

    • ለውጥታት ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲታት

    ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ቁጠባ ኤርትራ በቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንስድራ ቤቶም ንምሕጋዝ ብዝሰዱዎ ገንዘብ (‘ረሚታንስ)’ እዩ ዝድገፍ ዘሎ።

    ካብቶም ቀንዲ ሓለኽቲ ዝኾኑ ረቛሒታት፡ ስሩዕ ባጀታዊ ስርዓትን ፊስካላዊ ፖሊሲታት መንግስቲ ዘይምህላውን፡ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ውትህድርና ተጸሚዱ ብዓይኒ ቁጠባ ዓዲ-ውዒል ኮይኑ ብምህላዉን ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ቁጠባ ዝገልጹ።

    ኤርትራ ንውትህድርናን ጸጥታን እተውጽኦ ዓቢ ባጀት’ውን ተወሳኺ ጸቕጢ ከም ዝገብረላ እዩ ዝንገር።

    ብዘይካ’ዚ፡ ኣውፈርቲ ረጊኦም ርእሰ ማሎም ዘፍስስሉ ንጹርን ውሕስነት ዘለዎን ፖሊሲ ብዘይምህላዉ፡ ገንዘብ ዜጋታታ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሃድም ምግባሩ እውን ይንገር እዩ።

    ሰበ ስልጣን ኤርትራ ግን፡ ጠንቂ ቁጠባዊ ቅልውላው ኤርትራ ካብቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝምንጩ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ዝብልዎ “ተጻብኦታት” ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

    2. ምምሕያሽ መሰረታዊ ኣገልግሎታት

    ህጹጽን እዋናውን ፍታሓት ክናደየሎም ዘለዎ ሓያሎ ማሕበራውን ትሕተ ቅርጻውን ኣገልግሎታት’ውን ኣለዉ ይብሉ እቶም ንቢቢሲ ርእይተኦም ዝሃቡ ሰባት።

    ሓደ ካብኦም፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ዘይተፈትሐ ቅልውላው ጸዓት’ዩ።

    እቲ ፕረዚደንት ዓመት መጽአ ዝኣተዎም መብጽዓታት ምብራኽን ምስፋሕን ምንጪ ጸዓት ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበሩን።

    እዚ ድማ ንመዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ንቁጠባዊ ልምዓት እታ ሃገር ዝሓለኸ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተኣመነሉ ጉዳይ’ዩ።

    3. ፖለቲካዊ ለውጥታት

    ካብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ “ተጻቦታት” ዝተወንዘፉ ቀንዲ ኣጀንታታት ኤርትራ ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት’ዩ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ምርጫን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ምስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር’ውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ንዓመታት ተቐይዶም ዝተሰወሩ ናይ ሕልና እሱራት፡ እንተወሓደ ብምሕረት ክፈትሕ ብዙሓት ስድራ ቤታት ሃንቀው ዝብልዎ’ዩ።

  18. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት እንታይ ኢሉ?

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ዝምልከት ተስፋ ዝህቡ ሓደስቲ ፖሊሲታት ዝተጸበዩ ብዙሓት ኤርትራውን ትጽቢቶም ከም ዘይተማልአ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግብረመልሲ ይህቡ ኣለዉ።

    ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት እንታይ ኢሉ?

    • ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዝቐረበሉ "ዘቤታዊ ጉዳያት"፡ ንሕተ ቅርጺ፡ ማይ፡ ትምህርቲን ሱታፌ ድያስፖራን እዩ ኣልዒሉ
    • ኣብ 2026 "ቀዳምነትና ህንጸት ትሕተ ቅርጺ'ዩ ክኸውን ኣለዎ፡" ብምባል "ናይ ጽርግያታት ነገራት ከሊስና፡ ቅድሚ ሕጂ ወጢናን ዘይሰራሕናዮም ንምንታይ? ኣብ 2026 ግን ክንሰርሖም ዘለና ሓደ ክልተ ኢልና ከነቐምጦም ኣለና፣ ምስ ጐረባብትና ዘራኽበና መስመራት'ውን ክስርሓሉ ኣለዎ፡" ኢሉ
    • ንትሕተ-ቅርጺ ማይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ "ነዚ ዝስዕብ ከኣ ጽዓት'ዩ፡ በዳምንተ 360 ሜጋ ጸዓት ምምንጫው'ዩ፡" ክብል እንከሎ ኣብ ጉዳይ ጸዓት "ኑክሊየር ክንጥቀም ኣለና ኢለና እንሓስበሉ'ውን ርሑቕ'ዩ ክንብል የብልናን፡" ክብል ኣተንቢሁ
    • ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ'ውን እቲ ዝዓበየ ብድሆ "ጸጋታት ሰብና እዩ፡" ብምባል፡ "ካብ 2026 ክሳብ 2030 ዝኸይድ ዝዓበየ መደብና ንስርዓተ ትምህርትና ምቕያር እዩ፣ ናይ ትምህርቲ መደብ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነንታትና እዩ፡" ኢሉ።

    ጕዳይ ዲያስፖራ

    • "ሱታፌ ድያስፖራ ኣድማዒ ዝዀነሉ መንገዲ ክግበር ኣለዎ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ዝወጸ መደብ ክንገብሮ ዘይምኽኣልና ስንፍናና ኣይኰነን፡" ኢሉ

    በዚ ድማ ኣብ ጉዳይ መኸተ፡ "ምሕዝነታቶምን ምስ ዝተፈላለየ ህዝብታት ዘለዎም ርክባት ብምስፋሕ ፖለቲካዊ መኸተ ከሐይሉ፣ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ሜድያ ሓይሊ ዜናዊ መኸተ ንምግጣም'ውን ውዳበ የድሊ፡" ክብል ተዛሪቡ።

  19. ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ብዛዕባ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ እንታይ ይብል?

    ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ማእከል ዝገበረ ፖለቲካ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኲናት ከይኣትዋ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ጕዳይ እዩ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ፕሮፖጋንዳዊን ምንቅስቓስ "ንመዳመቒ ዝቐርብ'ዩ" ክብል እዩ ኣነኣኢስዎ።

    "ኣዋጅ ኲናት ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ናይ ማያት ናይ ካልእ ዝብሃል መዳመቒ ዝቐርብ'ዩ፡" ኢሉ።

    እንተዀነ፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናትን) ኣጽዋራትን ካብ ደገ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ ከም ዘሎ'ውን ተዛሪቡ'ሎ። ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።

    እቲ ፕረዚደንት ግን፡ ኲናት እንተተኣዊጁልና ናብ ምክልኻል መሰልና ንማንም እንሓተሉ ኣይኰነን ብምባል፡ "ኣብ ናታቶም ናይ ሓሶት መአዲ ክንዕደም የብልናን። ብናይ ስድታት ጠልቀፍቀፍ ኣብ ኲናት ኣይንዕደምን ኢና። ኣብዚ ዝተወደበ ፕሮፖጋንዳታት ዘጓዪ የብልካን፡" ኢሉ።

    ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ 2025፡ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወጽአ ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ እተካይዶ ሽርክነት፡ ተኽእሎ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝምልከት ዝሓዞ መደብ ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ እንታይ ይብል?ተወሳኺ ንባብ

  20. መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ርክብ ኣቋሪጹ

    መንግስቲ ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ርክብ ከም ዝቘረጸን ኩሎም ክልተኣዊ ስምምዓት ከም ዝተሰናኸሉን ኣፍሊጡ።

    ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እታ ሃገር ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፡ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ስምምዓት ከም ዘቋረጾ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    እዚኦም ምስ ወደባት፣ ጸጥታን ምክልኻልን ዝተኣሳሰሩ ስምምዓት ይርከብዎም።

    በዚ መሰረት፡ ምስ ወደባት በርበራ፡ ቦሳሶን ኪስማዮን ዝተኣሳሰሩ ስምምዓት፡ ከምኡ’ውን ምስ ፌደራላውን ዞባውን ትካላት ሶማልያ ዝተገብረ ስምምዓት ተሰሪዙ።

    ኣብ 2016 ብምምሕዳር ሶማሊላንድ ምስ ዲፒ ዎርልድ ዝተገበረ ስምምዕ ወደብ በርበራ፡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ፌደራል ዝተፈረመ እዩ ብምባል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።

    መንግስቲ ሶማልያ እቲ ውሳነ ልኡላውነት እታ ሃገር፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ቅዋምን ንምሕላው ዝተወሰደ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ፡ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፣ መርትዖ ንናጽነት እታ ሃገር፣ ሃገራዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ልኡላውነት እታ ሃገር ዘዳኽም ተግባራት ምስ በጽሖ’ዩ ምዃኑ ገሊጹ።

    መንግስቲ ሶማል ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣህጉራዊ ሕግን ልኡላውነትን ዝጥሕስ፡ ከምኡ’ውን ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝን ሊግ ዓረብን ኣብ ዘይምትእትታው ዝተበጽሐ ስምምዓት ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ውሳነ ነቶም ንሓድነትን ናጽነትን ሶማልያ ዘዳኽም ተግባራት ዝቃወሙ ዜጋታት ሶማልያ እውን ዝምልከት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

    ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ውሳነ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ንውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ ሕቡራት መንግስታትን ከም ዘፍልጥ ገሊጹ።