ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025፡ ሰኔጋል ሕጂ'ውን ናብ ፍጻመ ሓሊፋ
ኣብቲ ኣቕድም ኣቢሉ ኣብ ከተማ ታንጀር ዝተዛዘመ ቀዳማይ ጸወታ፡ ሰኔጋላውያን ኣናብስ ታራንጋ ንፈርኦናት ግብጺ 1 ብ 0 ብምስዓር ካብቲ ውድድር ኣሰናቢቶሞም ኣለዉ።
ኣብ ሊቨርፑል ከም ብጾት ብዙሕ ዓወታት ዝሓፈሱን ሳድዮ ማነን መሓመድ ሳላሕን ኣብቲ ኣብ ሜዳ 'ግራን ስታደ ዲ ታንጀር' ዓውደ-ቅልስ ንጋንታታቶም ናብ ናይ ፍጻመ ግጥም ንምብጻሕን ብኡ ኣቢሎም ዋንጫ ንምዕታርን ናይ መን ኣውደቐ ቀልስ ከካይዱ’ዮም ኣምስዮም።
እንተኾነ እቲ ኣብ 2022 ነታ ዋንጫ ዝዓተራ ማነ ሕጂ’ውን ናብ ፍጻመ በጺሑ’ሎ።
ዝበዝሐ ዋንጫ ኣፍሪቃ (7) ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ'ኳ እንተኾነት ኣእዳው ሳላሕ ግን ዛጊት ኣይተንከፍኣን ዘለዋ።
ተዳኺሞም ዝመስሉ ግብጺ፡ ኣብዚ ወሳኒ ናይ ፍርቂ-ፍጻመ ግጥም ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ኣይነበሩን።
እቲ ክሳብ ኣብዚ ኣብ ዘካየዶም ግጥማት ናይቲ ውድድር ኣርባዕተ ሸቶታት ዘመዝገበ ሳላሕ ህጣሙ ኣጥፊኡ ምምሳዩ ንጋንታኡ ኣይሓገዛን።
ታሪኽ ዝደገሙ ሰኔጋል ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2021 እውን ኣብ ፍርቂ-ፍጻመ'ዮም ንግብጺ ብፍጹም ቅላዕ ስዒሮም'ዮም ናብ ዋንጫ ምዕታር ክሓልፉ በቒዖም።
ብዘይካ'ዚ ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ተወሳኺ መጻረዪ ግጥም ዋንጫ ዓለም ነቶም ፈርኦናት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብምስዓር'ዮም ኣናብስ ታራንጋ ናብቲ ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ውድድር ክሓልፉ ክኢሎም።
ኣብዚ ሎም-ምሸት ዝቕጽል ካልኣይ ግጥም'ውን ንስርታት ናይጀርያ ኣንጻር እታ ብደገፍታ ዝተኸበበት ኣአንጋዲት ጋንታ ኣናብስ ኣትላስ ኣብ ሓያል ግጥም ክጸምዱ’ዮም።