እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ 103 ዝዕድመኦም ኣቦ ኣብ መካ ሓጅ ፈጺሞም
እቶም ኤርትራዊ ኣቦ፡ ሓደ ካብቶም 1.6 ሚልዮን ሓጃጆ ብምዃን፡ ኣብቲ ኣብ ሚና ዝተባህለ ቦታ፡ ብመሰረት ሃይማኖት እስልምና ንሰይጣን ብእምኒ ምድብዳብ ዝፍጸም ስነስርዓት ከምዝተሳተፉን፡ እዚ ድማ ዕድመ ንእምነት ከምዘይግድብ መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ።
ጕዕዞ ህይወት ሓጅ ሓምድ፡ ብብድሆታትን ተወፋይነት ንእምነትን ዝደመቐ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገበርዎ ቅዱስ ንግደት ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ዘይናወጽ መብጽዓ ንምፍጻም ሓደ ካብ ዓንዲታት እስልምና ምዃኑ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ ኣቃሊሑ።
ኣቦኦም ገለ ኣዋርሕ ቅድሚ ልደቶም ምስ ዓረፉ ዘኽቲሞም ዝዓበዩ ሓጅ ሓምድ፡ ሓደ ምሉእ ዘመን ኣብታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ መጓሰን ንግድን ተዋፊሮም ህይወቶም ክመርሑ ከምዝጸንሑ ብምግላጽ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ህይወቶም ናብ መካ ብምንጋድ ሓጅ ክፍጽሙ ዓሚቝ ሕልሚ ከምዝነበሮም ተዛሪቦም።
ዕድመኦም ብዘየገድስ፡ ኣካላዊ ድኻም ካብ ሕልምታቶምን ግቡኣት ሃይማኖቶምን ክድርቶም ኣይፈቐዱን።
"ድሕሪ 100 ዓመት፡ ኣብ መወዳእታ ሓጅ ንኽፍጽም በረካ ረኺበ" ክብሉ ንሸርቕ ኣልኣውሰጥ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ተዛሪቦም።
"ሓቂ እዩ ኣብ እግረይን ዓይነይን ቃንዛ ነይሩኒ፣ እንተዀነ ማይ ዘምዘም ምስ ተሓጸብኩ ግን ኵሉ ጠፊኡ፣ ወላሂ ሕጂ ቃንዛ ዝበሃል የብለይን" ድማ ይብሉ።
እዚ ተመኵሮ እዚ፡ ነቲ 'ኢኽላስ' ዝብል ኣብ ስርዓተ ሓጅ ቀንዲ ዝዀነ፡ ንዝዀነ ዕንቅፋታት ዝሰግር 'ጽሩይ ልባዊ ባህጊ' ዘንጸባርቕ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ሓጅ ሓምድ ንመካ ዝተጓዕዝዎ ጕዕዞ ሃንደበታዊ ኣይነበረን፣ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተጸመመ ባህጊ፡ ምድላውን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ውልቃዊ ዕንቅፋታት ዝሰገረ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።
ዛንታኦም ድማ፡ ምስ ሓጅ ተኣሳሲሩ፡ ነቲ ብውሕዱ ሓንሳእ ኣብ ህይወትካ ንምፍጻም ዝሕተት ሃይማኖታዊ ግዴታ ንምፍጻም ዓመታት ገንዘብ ምዕቋር፡ እምነትካን ባህግኻን ምጽናዕ ዝብል ተመሳሳሊ ዛንታታት ክንገር ክነብር እዩ።