ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዝወድቕ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ መንኰርኰር ጠፈር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images / Nasa
ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ኣስታት 5 ኵንታል ዝምዘን ፍንጫል መንኰርኰር ህዋ ብዘይ ቍጽጽር ናብ መሬት ክወድቕ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዚ ብሕብረት ሶቭየት ኣብ 1972 ናብ ጠፈር ዝተላእከ ቆስሞስ-482 ዝተሰምየ መንኰርኰር ናብ ፕላኔት ቬኑስ ይጓዓዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ኣብ ቅናት-ምድሪ ክጸንሕ እዩ ተገዲዱ።
ብልክዕ መኣስ ግዜ ኣብ ገጽ ፕላኔትና ከም ዝወድቕ ኣይተፈልጠን። ተመራመርቲ ስነፍልጠት ግና ኣብ ቀዳማይ ክፍላ ግንቦት ክኸውን ትጽቢት ኣለዎም።
ሓደ ክኢላ ንዜና ቢቢሲ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምውዳቕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ማእከላይ እስያን ደቡባዊ ምብራቕ ኤውሮጳን ካብቶም ክወድቀሎም ዝኽእል ቦታታት ምዃኖም ይገልጹ።
ዝተወንጨፈሉ ግዜ
እቲ ፈለማ ቬነስ ብዝብል ተሰምዩ ዝነበረ መርኰርኰር ጠፈር፡ ካብ ባይኮኑር ኮስሞድሮም ብ31 መጋቢት 1972 እዩ ዝተበገሰ።
ክልተኡ ኣካል ናይቲ ቬነራ-8 ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብ ኰይኑ፡ መተኻእታ ናይ ካልእ መደበር ጠፈር እዩ ዝነበረ። ብመሳርሒታቶም ኰነ መለክዒታቶም ድማ ተመሳሳልቲ እዮም።
እዚ ተደጋጋሚ ምውንጫፍ ዝተኻየደ፡ ካልኦት ፕላኔታት ኣብ ምድህሳስ ዝሓሸ ዓወት ንምርካብ ተኽእሎ ንምዕባይ ተባሂሉ እዩ።
ኣብቲ ሽዑ ግዜ ሞልኒያ-ኤም ዝተባህሉ ሮኬታት እዮም ዝጥቀሙ ዝነበሩ። ሮኬታት ቆስሞት-482 ከበድቲ ነገራት ናብ ህዋ ንምልኣኽ ተወሳኺ ክፋል ኣለዎም።
ቬነራ-8 ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ኣቐዲሙ ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝተተለመ ቦታ በጺሑ መደብ ዳህሳስ ፕላኔታት ብምክያድ ምሉእ ብምሉእ ዑደቱ ዛዘመ።
እቲ መተካእታኡ ግን ብልሽት ስለ ዘጋጠሞ፡ ካብ ዙርያ ምድሪ ክወጽእ ኣይከኣለን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images / Nasa
ሓደጋ
እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ክፋላት ናይታ ሮኬት ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ብምስራሕ፡ ነቲ ቀንዲ ክፋል ናብ ጥቓ ቅናት-መሬት ለኣኹዎ። ብምቕጻል፡ እቲ ካልኦት ፕላኔታት ንምድህሳስ ዝሕግዝ መደበር ጠፈር ናብቲ ዒላማኡ ክለኣኽ ነበሮ።
እንተዀነ፡ እቲ መንሃሪ ነቲ መንኰርኰር ብግቡእ ስለ ዘይመርሖ፡ እቲ መደበር ጠፈር ኣብ ልክዕ ቦታኡ ኣይበጽሐን።
ብድሕሪ'ዚ፡ እቲ መደበር ጠፈር "ቆስሞስ-482" ዝብል ኮድ ስም ተዋህቦ። ኣብ 1970ታት፡ መንግስቲ ሕብረት ሶቭየት ንዝፈሸለ ምውንጫፍ ሮኬታት ንምሽፍፋን ዝተፈላለየ ቍጽሪ እናሃበ 'ቆስሞት' ዝብል ስም ይህቦ ነበረ።
ብመሰረት ጸብጻብ ናሳ፡ እቲ መንኰርኰር ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ተሰባበረ። ክልተ ክፋላት ትሕቲ ቅናት-ምድሪ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብ ኣየር ተቓጸለ።
እቶም ዝተረፉ ካልኦት ክልተ ግን - ምናልባት እቲ ንምውራድ ዝሕግዝን እቲ ቀንዲ ናይ ሞተር ክፋልን - ናብ ልዕሊ ቅናት-ምድሪ ኣተወ።
ኣብ ተለግራም ቻነል ዜና ህዋ ዝህብ ጆርጂ ትሪሽኪን ንዜና ቢቢሲ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ውሑዳት ገንኢታት ነዳዲ ታይታንየም ድሕሪ ሒደት መዓልታት ካብ ቅናት-ምድሪ ወጺኦም ኣብ ኒውዚላንድ ከም ዝዓለቡ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ገለ ክፋል ናይቲ መደበርን ራብዓይ ክፋል ናይቲ ብሎክ-ኤል ዝበሃል ሮኬትን ኣብ ዝተዘርግሐ ቅርጺ እንቋቝሖ መሰል ቅናት-ምድሪ ከም ዝጸንሑ ገሊጹ።
"እቲ ዝበረኸ ነጥቢ ካብ መሬታት ኣስታት 9,800 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝተሓተ ነጥቢ ድማ ኣስታት 210 ኪ.ሜ እዩ ነይሩ፡" ይብል።
ልዕለ-ሓያል መጠን ትረት
መንኰርኰር ኣብ ከባቢ ኣየር እንተ ተቓጺሉ፡ እንተ ተፈናጪሉ ወይ'ውን ካብ መሬት ኰይኖም ብዝከታተሉዎ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እንተ'ልዩ ዓቢይ ጸገም ኣይኰነን።
ንኣብነት፡ እታ ዓባይ መንኰርኰር ጠፈር ዝዀነት ሚር፡ ቍርጽራጻታ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምእንቲ ክዓልብ ብደይ-መደይ ናብ መሬት ገጻ ከም እትወድቕ ተገይሩ እዩ።
ምውዳቕ ቆስሞስ-482 ግና ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እዩ ክኸውን። ብፍሉይ ሓደገኛ ዝገብሮ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክበታተንን ኣብ ኣየር ክቃጸል ዘይክእልን ምዃኑ እዩ።
እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ንምዕላብ ዝሕግዝ ክፋል ኣብታ ዝጸዓቐ ከባቢ ኣየርን ዝለዓለ ሙቐትን ዘለዋ ፕላኔት ቬኑስ ክዓልብ ተባሂሉ ስለ ዝተሃንጸ እዩ።
እቲ መሳርሒ ግን ከም ዘለዎ ክጸንሕ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።
ፍንጪታት ከም ዝሕብሩዎ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ነቲ ፓራሹት ለቒቑዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ማለት፡ መዛርዑ ተበላሽዩ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ብኸመይ መንገዲ ናብ ከባቢ ኣየር ከም ዝኣቱ ድማ ነቲ ዝስዕብ ፍጻመ ጽልዋ ከም ዘሕድረሉ ጆርጂ ትሪሽኪን ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images / NASA / Newsmakers
ኣበይ እዩ ክወድቕ?
ትርሽኪን ከም ዝብሎ፡ ብመሰረት እቲ ጕዕዞ ክቕመር እንከሎ ኣብ መሬት ክወድቕ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ። ግብጺ፡ ሶርያ፡ ቱርኪን ኣዘርባጃንን ኣብ ኣንፈት መንገዱ ዘለዋ እየን። ስለዝዀነ፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ'ውን ክወድቕ ይኽእል እዩ።
"እቲ ግዛዕ ከይተበላሸወ ከም ዘለዎ እንተ ጸኒሑን ብ242 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ንመሬት እንተ ሃሪሙን፡ እቲ ጽልዋኡ ኣስታት 1.1-1.2 ሜጋጆል ጸዓት ከም ዝፍኑ ገሊጹ። እዚ ምስቲ ውሑዳት ኣማኢት ግራም ሚና ዝፍንጀሮ ዝመሳሰል ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ይብል።
ብዙሓት ከም ዝግምቱዎ ዘለዉ እንተዀይኑ፡ እዚ ቆስሞስ-482 ዝተሰምየ ክፋል መንኰርኰር ጠፈር ካብ 8 ክሳዕ 14 ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ክወድቕ ትጽቢት ይግበረሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







