"ባዕለይ ብዝሰራሕኽዋ ሄሊኮፕተር ካብ ሽረ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምብራር ሕልሚ ኣለኒ"፡ ዕበ ለገሰ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምርኢት ኣቪየሽንን ምህዞን ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ በዓልመዚ ሲቪል ኣቪየሽን እታ ሃገር ዘዳለዎ መድረኽ፡ ልዕሊ 90 መናእሰይ ብውልቀን ብጥምረትን ብምዃን 90 ውጽኢታት ምህዞ ከቕርቡ እንከለው፡ ትካላት ውልቀን መንግስትን ኣብ ዙርያ ኣቪየሽን ዘካይዱዎም ዘለው ስራሕቲ ኣቕሪቦም ኣለው።

ኣብዚ ምርኢት ምህዞ፡ ዝሳተፉ ዘለው ካብ መላእ ክፋል እታ ሃገር ዝመጽኡ መሃዝቲ፡ ንሕርሻን ካልኦት ስራሕትን ክውዕሉ ዝኽእሉ ድሮናት፣ ሄሊኮፕተራትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ስራሕትን ኣቕሪቦም’ዮም። ካብኣቶም ሓደ ዝዀነ ኣብ ትግራይ ነባሪ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ዕበ ለገሰ እዩ። ዕበ ሒዙዎ ብዝቐረበ ምህዞ ሄሊኮፕተር ሽልማት ገንዘብን ወረቐት ምስክርን ተበርኪትሉ ኣሎ።

ኣብቲ ምርኢት ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሰብ ምህዞ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዝተዓወተ ዕበ፡ ስራሕቲ ሄሊኮፕተርን ክፍሊ ኣካላትን ካብ ብቑልዕነቱ ጀሚሩ ዝንባለታት ከምዝሓደሮ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ኣብ ግዜ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ብ91ን 92ን ሄሊኮፕተራት ብሰማይ ክሓልፋ ክርኢ እንከለኹ ኣብ ዓድና ኮን ዶኾን ክስርሓ ይኽእላ ዝብል ሓሳብ ስለዝመጽኣለይ ካርቶንን ዲናሞን ገይረ ናይ መጀመርታ ስራሕ ጀሚረ” ዝበለ ኣይተ ዕበ ለገሰ፡ ድሕሪ ተደጋጋሚ ፈተነ ድማ ተስፋታት ከምዝረኸበሉ ተዛሪቡ።

ፈተናታት ዕበ ለገሰ ግና ቀለልቲ ኣይነበሩን። ኣብቲ ፈለማ ግዘ ብባኮን ዲናሞን ገይሩ ካብ ዝሰርሐን ኣናእሽተይ በረርቲ እታ ሓንቲ ምስ ተበገሰት ኣበይ ከምዝኣተወት ኣይተፈለጠን። እታ ካልኣይቲ ድማ ከምዝተጋጨወት ዝሓበረ ተዓዋታይ ምህዞታት ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ዕበ፡ “ድሕሪ እዚ እየ ለካስ ሰብ ኣሳፊራ ክትጉዓዝ እትኽእል ሄሊኮፕተር ክስራሕ ከምዝከኣል ዝኣመንኩ” ይብል።

ብባኮን ዲናሞን ዝጀመረ ስራሕቲ ዕበ ኣጋ ድሓር ናይ መዓጾ ኣሉሙኔምን ሞተርን ተጠቒሙ ሳልሳይን ራብዓይን ፈተናታት ከምዘካየደ ዘዘኻኸረ ዕበ፡ ናብ ዱባይ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ግና ንነፈርቲ መስርሒ ዝጠቕም ናውታት ዓዲጉ ሕልምታቱ ከግህድ ከምዝፈተነ ሓቢሩ።

እንተኾነ፡ ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ንምብራር ዘኽእልዎ ምድላዋት ወዲኡ ፈተነ ኣብ ዘካየደሉ ግዘ ዕዉት ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ “እቶም መሳርሕታት ዘተኣማምኑ ስለዘይነበሩ ተሳፊርካ ‘ቴክ ኦፍ’ ምግባሩ ንነብሰይ ናብ ሓደጋ ከእቱ ከምዘይብለይ ስለዝሓሰብኩ’የ ኣቋሪጸዮ” ኢሉ።

ንሳልሳይ ግዘ ፈተነ የካይድ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ሰለስተ ቆልዑት ተጎዲኦም ናብ ሕክምና ኣትዮም ከምዝነበሩን፡ ኣብ መበል ራብዓይ ፈተነ ድማ ሞተር ምስ ተልዓለ ምሉእ ክፍሊ ኣካላት እታ ዝሰርሓ ሄሊኮፕተር ብትንትን ኢላ ከምዝተረፈት’ዩ ዝዝክር።

እንተኾነ ተስፋ ዘይምቑራጽ ከም ሓደ ናይ ህይወቱ መምርሒ ገይሩ ከም ዝወሰድን ብፍላይ ገለ መቕርባቱ “ኣይሰምረልካን፣ ንዘይኸውን ነገር እንታይ ኣእተወካ ግዜኻን ገንዘብካን ተፍስስ” ኢሎም ካብ ስርሑ ኣሰናኺሎም ክድህልዎ ፈቲኖም’ኳ እንተነበሩ፡ “ሓደ መዓልቲ ሕልመይ ክገሃድ’ዩ” ብዝብል ስኑ ነኺሱ ከምዝቐጸሎ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዘካየዶም ፈተናታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሃገር ለኸ ውድድር ምህዞ ኣቭየሽን ኢንዳስትሪ ንክዕወት ባይታ ከምዘንጸፈሉ ተዛሪቡ።

ዕበ ካብዚ ብተወሳኺ ሕብረተሰባዊ ጸገማት ዝፈትሑ ምህዞታት ከምዘለውዎ’ዩ ዝዛረብ። ንኣብነት “ማሽን ጠቋሚት ወርቂ፣ ንብዕራይ ተኪኣ ክትሓርስ እትኽእል ንእሽተይ ትራክተርን ካብ ሓደ ጎቦ ናብ ካልእ ጎቦ ማይ ከሰጋግር ዝሕግዝ ምህዞ’ውን ኣለኒ’ዩ” ኢሉ ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብስራሕቲ ጽገና ኤሌክትሮኒክስ ህይወቱ ይመርሕ ከምዘሎ ዝሓበረ ዕበ፡ ደረጃ ትምህርቱ ዓስራይ ክፍሊ ከምዝወድአን፡ ነቶም ዘካይዶም ዘሎ ናይ ምህዞ ስራሕቲ ንምዕባይ ግና ካብ ተግባር ብዝረኸቦ ተሞክሮን ኢንተርነትን ከም መወከሲ ከምዝጥቀመሎም ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ኤግዚብሽን ምህዞታት ኣቭየሽን ናይ ሄሊኮፕተር ስራሕ ሒዙ ብምቕራቡ፡ ካብ ናይ ኣፍልጦ ወረቐት ብተወሳኺ ምስ ትካላት ኣፍረይቲ ኣውሮፕላናት ንክሰርሕ ዘኽእሎ ናይ ምፍላጥ ዕድል ከምዝረኸበ ተዛሪቡ።

ሓሳብ ልቡ እንተሰሚርሉ ድማ ባዕሉ ብዝሰርሓ ሄሊኮፕተር ካብ ሽረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበርር ተስፋ ሰኒቑ’ሎ።

ኣብቲ መድረኽ ናይ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር ሽልማት ዝተበርከተሉ ዕበ ለገሰ፡ ሽልማቱ ነቶም ብሰንኪ ኵናት ዝተመዛበሉን ግዳይ ጥምየትን ኮይኖም ዘለዉን ሰባት ንከወፍዮ ቃል ከምዝኣተወ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።