እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንንግስቲ ንምስንባት ኣሽሓት ሰባት መስርዕ ሒዞም ይፅበዩ ኣለዉ
ንኣስከሬን ንግስቲ ብሪጣንያ ነበር ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዝሰናበቱ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት፡ 1.6 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሽፍን መስርዕ ሒዞም ይጽበዩ ኣለዉ።
እቶም ሓዘንተኛታት ትማሊ ሰኑይ ካብ ሰዓት 11፡30 ኣ.ግ [05፡30] ጀሚሮም’ዮም ናብቲ ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝዓረፈሉ ካቴድራል ክኸዱ ጀሚሮም።
መኻይን ቤተክርስትያን ሳልቬሽን ኣርሚ ድማ ነቶም መስርዕ ሒዞም ዝጽበዩ ዘለዉ ኣሽሓት ሓዘንተኛታት ውዑይ መስተን መግብን ከቕርባ ተራእየን።
ነቶም መስርዕ ሒዞም ዝፅበዩ ሰባት እውን ግዝያዊ ሽቓቓትን ዝስተ ማይን ተዳልዩሎም ኣሎ።
እቶም መስርዕ ሒዞም ሬሳ ንግስቲ ክሰናበቱ ዝፅበዩ ዘለዉ ሰባት፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምስታፍን ንንግስቲ ኣኽብሮት ምሃብን ኣገዳስነቱ ክዛረቡ ይስምዑ።
ኡጋንዳዊት ኤልሳቤጥ ሓንቲ ካብቶም መስርዕ ዝፅበዩ ዘለዉ ሰባት እያ። ኣብ ግላስጎው እትነብር ኤልሳቤጥ ምስ ክልተ ደቃ ብምዃንያ ኣብቲ ነዊሕ መስርዕ ሪጋኣ ትፅነበ ዘላ።
ዳኒኤል ዝተበሃለ ወዳ፡ ኣብ እዋን ክብረ-በዓላት ዝግበር ባህላዊ ክዳን ተኸዲኑ ንሳንዱቕ ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክርኢ ኣብ ትፅቢት ይርከብ።
"ኣደይ ኣብታ ንግስቲ ዝተወልዳላ ዓመት እያ ተወሊዳ። ነተን ንግስቲ ስለ እትፈትወን ድማ ኤልሳቤጥ ዝብል ስም ኣውጺኣትለይ" ትብል ኡጋንዳዊት ኤልሳቤጥ።
"[ኣደኣ] ሎሚ ጓል 96 ዓመት ኰይና’ላ፤ ኣኽብሮታ ንምግላፅ ብቐዳም ናብ ባልሞራል ተጓዒዛ" ትብል።
"ቈልዑ እንከለና ቀንዲ ኣድነቕቲ ንጉሳዊ ስድራቤት ኢና ነይርና፤ ሎሚ ናብዚ መጺእና ኣካል ናይቲ ታሪኻዊ ህሞት ክንከውን ድልየትና እዩ" ትብል።
ካብ ምብራቕ ሊተን ዝመጹ ካሉምን ኣኔት ኪንግን ብወገኖም፡ ነተን ንግስቲ ንኽፋነዉ መስርዕ ምሓዞም ሕጕሳት ምዃኖም ገሊጾም።
ወዲ 54 ዓመት ካሉም፡ ኣብ ሰራዊት እታ ሃገር ንዝነበሮ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ብምዝዛም’ዩ ካብ ኖቲንግሃም ተጓዒዙ ነተን ንግስቲ ከፋኑ ተረኺቡ ዘሎ።
"ቅድሚ 34 ዓመታት ይኸውን፡ ነተን ንግስቲ ናይ ተኣማንነት ቃለማሕላ ፈጺመ ነይረ፡” ብምባል፡ ስለዚ ሕጂ ናይ መወዳእታ ኣኽብሮታዊ ሰላምታ ምሃብ ግቡእ ከምዝዀነ ተዛሪቡ።
"ነተን ንግስቲ ናይ ምርኣይ ዕድል ንግሆ ካብ ሰዓት 10 ወይ 11 ክበፅሐና ከምዝኽእል፡ ዝዀነ ሰብ ሓቢሩና’ሎ። ምስ ወዳእና ናብ ገዛና ክንከይድ ኢና። ጽባሕ ንግሆ ስራሕ ክጅምር እየ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ነቲ ሳንዱቕ ሬሳ ክርእዩ ዝኸኣሉ ሓዘንተኛታት፡ ናብቲ ካቴድራል ድሕሪ ምእታዎም ዝነበሮም "ስምዒታዊ" ህሞት፡ ንቢቢሲ ስኮትላንድ ገሊጾም ኣለዉ።
ሰባት ክሳብ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 09፡00 (03፡00) ክሰናበቱ ይኽእሉ እዮም።