ኣብ ኣመሪካ ንኣዋርሕ ሬሳታት ዘቕመጠ ፈፃሚ ቀብሪ ብፖሊስ ተታሒዙ

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኢንዲያና ዝርከብ ወናኒ ትካል ፈፃሚ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ቀብሪ ንኽፍጽም ገንዘብ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ንነዊሕ እዋን ነቶም ሬሳታት ኣቕሚጡዎም ከምዝጸንሐ ተረጋጊጹ።

ፖሊስ ነቲ ትካል ፈፃሚ ቀብሪ ኣብ ዝፈተሸሉ እዋን ንነዊሕ እዋን ብግቡእ ዘይተዓቀቡ ልዕሊ 30 ሬሳታት ረኺቡ።

ወናኒን ሓላፊን እቲ ትካል ፈፃሚ ቀብሪ ራንዲ ላክፎርት፡ ገንዘብ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብዘይምፍጻሙ ብ40 ገበናት ስርቂ ተኸሲሱ።

እቲ ነቲ ጉዳይ ዝረኣየ ዳኛ፡ እቲ ተግባር ክሳብ 12 ዓመት ማእሰርቲ ከቐጽዖ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ነቶም በቲ ተግባር ዝተሃስዩ 53 ስድራቤታት ብድምር 46 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ኣዚዙ።

እቲ ሰብኣይ በቲ ገበኑ ዝኣመነሉ ተግባር ኣብ ወርሒ ሰነ ክፍረድ ምዃኑ ተገሊፁ።

ፖሊስ ጀፈርሰንቪል ኢንዲያና፡ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ጨና ከምዘሎ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ እዩ፡ ኣብቲ ከባቢ መርመራ ክገብር ጀሚሩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ እቶም ንኣዋርሕ ኣብ ፍሪጅ ብግቡእ ዘይተዓቀቡ ሬሳታት ብዝተፈላለየ ደረጃ ከም ዝበስበሱን ብርቱዕ ጨና ከም ዝፈጠሩን ተረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ሓሙኽሽቲ ናይቶም ብሓዊ ዝተቓጸሉ 17 ሰባት’ውን ኣብቲ ትካል ተረኺቡ።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ዋናን ኣካያዲን ትካል ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝኾነ ሰብ፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝወሃቦ ካብ ገዝኡ ከይወፅአ ተሐዪሩ ክጸንሕ ተኣዚዙ።

እቲ ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ዝጸንሐ ዳኛ፡ እቲ ሰብ ብዝፈጸሞ ገበን ንኣርባዕተ ዓመት ክእሰር፡ ድሕሪኡ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከሕልፍ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ጀረሚ ሙል፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ወዲ 50 ዓመት ወናኒ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝቐረበ ክሲ ብብዝሒ ክስታት ዝተሓላለኸ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ከምዝሓበሮ፡ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ናይዚ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተፈጠረ ብዙሕ ሞት ዝሰዓበ ምዃኑ ገሊጹ።

ንነዊሕ እዋን ሬሳኦም ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝጸንሑ ኣባላት ስድራቤት ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ መስርሕ መጋባእያ ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ካብ መንጎኦም ዴሪክ ኪሲንገር ዝተብሃለ፡ "እቲ ዘጋጠመ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ግን አቕረ ኢለሉ ኣለኹ" ኢሉ።

ይኹን ‘ምበር ካልኦት ስድራቤታት ኣብ ልዕሊ እቲ ተኸሳሲ ካልእ ሲቪላዊ ክሲ ከምዘቕረቡ ይግለጽ።