እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተንቀሳቓሲ ሓይሊ ደሕንነት ክትምድብ እያ
ፈረንሳይ፡ ርእሰ መምህር ሓደ ቤት ትምህርቲ ብሰንኪ መሐነይታ ቅትለት ካብ ስርሑ ምልቃቑ ስዒቡ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተንቀሳቓሲ ሓይሊ ደሕንነት ከም ትምድብ ኣፍሊጣ።
እዚ ተቀሳቓሲ ሓይሊ “ፀገም ኣብ ዘጋጠመን ኣብያተ ትምህርቲ” ዝዋፈር እዩ።
እቲ ርእሰ መምህር፡ ንሓንቲ ተምሃሪት ሒጃብ ገይርኪ ብዝብል ከም ዘጥቀዓ ብሓሰት ምኽሳሱ ስዒቡ እዩ፡ መሐነይታ ቅትለት በፂሕዎ።
ሚኒስትር ትምህርቲ ፈረንሳይ ኒኮል ቤሎቤት ዕላማ እቲ ተንቀሳቓሲ ሓይሊ ደሕንነት፡ መምህራን እንተምህሩ ክረጋግዑን ደሕንነት ክስመዖምን ንምግባር ከም ዝኾነ ገሊፃ።
ኣብታ ሃገር ክልተ መምህራን ምቕታሎም ስዒቡ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ውጥረት ዓሲሉ ይርከብ።
ሳሙኤል ፓቲ ዝተብሃለ መምህር ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ጎደና ፓሪስ ዝተሰየፈ እንትኾን፡ ካልእ ዶሚኒክ በርናርድ ዝተብሃለ መምህር ድማ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ከም ዝተቐተለ ይዝከር።
ጥሩፋት ተምሃሮ ኣብ ቅትለት እዞም ክልተ መምህራን ከም ዝተሳተፉ እዩ ዝግለፅ።
ሚኒስትር ትምህርቲ እታ ሃገር፡ “መምህራን በይኖም ኣይኰኑን። ኣብ ከባቢኦምን ኣብያተ ትምህርትን ዋልታ ዝኾኖም ሓለዋ ነጣይሽ ኣለና” ኢላ።
እዚ ተንቃሳቓሲ ሓይሊ ደሕንነት፡ ኣስታት 20 መኰንናት ፀጥታ ከም ዝሕዝን ካብ ዝቕፅል ዘበነ ትምህርቱ ተግባራዊ ከም ዝኸውንን፡ ሚኒስትር ትምህርቲ ፈረንሳይ ኣፍሊጡ።
ከባብያዊ ሰብመዚ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተወሳኺ ሓገዝ እንትጠልቡ ድማ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክዋፈሩ ከም ዝኽእሉ’ውን ተሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ራቬል ሊሴ፡ ርእሰ መምህር ንሓንቲ ተምሃሪት ብመሰረት ሕጊ ፈረንሳይ ዝገበረቶ ሒጃብ ክትቅንጥጥ ሓቲቱ።
ኣብዚ ህሞት ብሰንኪ ዝተጐሃሃረ ክትዕ፡ እቲ ርእሰ መምህር ከም ዝወቕዓ እታ ተምሃሪት ገሊፃ። ፖሊስ ግና ነዚ ዘረጋግፅ ዝኾነ መረዳእታ ኣይረኸብኩን ኢሉ።
እንተኾነ፡ እቲ ርእሰ መምህር ብመገዲ ማሕበራዊ ብዙሕ መሐነይታ ቅትለት በፂሕዎ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣብዚ ሰሙን “ንርእሱን ንደሕንነት እቲ ቤት ትምህርትን” ክብል፡ ካብ ስራሕ ከም ዝለቐቐ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ከባቢ እዚ ቤት ትምህርቲ ዝተዋፈረ እንትኾን፡ ምስ መሐነይታ እቲ ቅትለት ዝዛመድ ምስቲ ቤት ትምህርቲ ርክብ ዘይብሎም ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።
እቲ ርእሰ መምህር ካብ ስራሕ ከም ዝለቐቐ ወግዓዊ ምግባሩ ስዒቡ፡ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ሕርቃኖም ይገልፁ ኣለዉ።