እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰባት ብምስግጋር ዝተጠርጠራ ጀላቡ ብምግልባጠን ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም
ኣብ ገማግም ባሕሪ ካሊፎርንያ ክልተ ጀላቡ ብምግልባጠን ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ኣፍሊጡ።
እተን ጀላቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብላክስ ቢች - ሳንዲየጎ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመን ኣለሻ ከምዝተጀመረ ይግለፅ።
ሓንቲ ውልቀሰብ ናብ 911 ብምድዋል ንኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ንሳ ኣብ ሓንቲ ሸሞንተ ሰባት ሒዛ ናብ ገምገም ባሕሪ ዝበጽሐት ጃልባ ከምዝነበረትን ካልእ ካብ 8 ክሳብ 10 ሰባት ዝጸዓነት ጃልባ ግን ከምዝተገልበጠትን ተዛሪባ።
ሓላፊ ምድሓን ህይወት ሳንዲየጎ ጀምስ ጋርትላንድ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሓደ ካብቶም ኣብታ ግዝኣት ምስ ዘይሕጋዊ ምስጋር ባሕሪ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ሓደጋታት ክብል ገሊፅዎ።
ሰብ መዚ፡ ዛጊት ዜግነት ናይቶም ግዳያት ከምዘይፈለጡ እኳ እንተሓበሩ፡ ኩሎም ኣባፅሕ ምዃኖም ግን ኣመልኪቶም።
ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝመጹ ህጹጽ ሓገዝ ዝህቡ ሰባት ክልተ ዝተገልበጣ ጀላቡን ሬሳታትን ዝረኸቡ ኮይኖም ኣለሻ ግዳያት እቲ ሓደጋ ድማ ክሳብ ሰንበት ንግሆ ቀጺሉ።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ ሓላፊ ምድሓን ህይወት ሳንዲየጎ ጀምስ ጋርትላንድ ግን እቲ ከባቢ ብኹምራ ሑፃ ዝተመልአን ብርቱዕ ማዕበል ዘለዎን “ሓደገኛ” ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ኣይረኸቡን። ግን ድማ ገሊኦም ኣባላት ህጹጽ ኣገልግሎት ናብቲ ከባቢ ቅድሚ ምብፅሖም ካብቲ ገማግም ባሕሪ ሃዲሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።
ኣዛዚ ሴክተር ሓለዋ ባሕሪ ሳንዲየጎ ጀምስ ስፒትለር ሓንቲ ብዙሓት ተሳፈርቲ ጽዒና ዝነበረት ንእሽቶ ጃልባ "ኣብ ማዕበል ከምዝተገልበጠት" ብምሕባር እታ ካልኣይቲ ድማ ናብ ገማግም ባሕሪ ክትበጽሕ ከምዝኸኣለት ተዛሪቡ።
ሳንዲየጎ ናብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ቀረባ ብምዃና መንግስቲ ኣሜሪካ ስደተኛታት ንምዕጋት ናብ ባሕሪ ብደቡብ ሸነኽ ሓጹር ምስርሑ ይፍለጥ።
በዓል ስልጣን ሓለዋ ዶባት ኣሜሪካ ኤሪክ ላቨርን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብቲ ከባቢ ዝተመዝገቡ ኣማኢት ፍጻመታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ምዃኑ ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ኣብ መንጎ ኣሜሪካ፣ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ኣብ ሳንዲየጎ ንዝካየድ ዋዕላ ኣውኩስ ክሳተፍ ንመገሻ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን’ዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዘሎ።
ንሱ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰባት ብናእሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ከይኣትዉ ንምዕጋት ዝዓለመ ፖሊሲ ወግዓዊ ከምዝገበረ ይፍለጥ።
ዋዕላ ኣውኩስ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዞባ ኢንዶ-ፓሲፊክ ኣንፀላልዩ ንዝብልኦ ስግኣት ቻይና ንምምካት ዝዓለመ እዩ።
ኣብ 2021 ሓንቲ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሳንዲየጎ ብዘጋጠማ ሓደጋ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዓሰርተታት ዝቖፀሩ ድማ ቆሲሎም ነይሮም።