መራሒ ኣል-ቃዒዳ ጨንፈር የመን ከምዝሞተ እቲ ጉጅለ ኣፍሊጡ

ካልድ ባታርፊ

ምንጪ ስእሊ, AQAP

ኣብ የመን ዝርከብ ጨንፈር ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣል-ቃዒዳ፡ መራሒኡ ከምዝሞተ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣል-ቃዒዳ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ ቪድዮ፡ ብኣርማ ናይቲ ጉጅለ ዝተገነዘ ሬሳ የርኢ።

ነቲ መግለጺ ዘንበበ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጉጅለ ጠንቂ ሞቱ እንታይ ምዃኑ ኣየነጸረን።

ኻልድ ባታርፊ፡ ኣብ 2020 መራሒ ናይቲ 'ኣል-ቃዒዳ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጨንፈር ኮይኑ።

እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከብ ዝነበረ ስዑዳዊ፡ ነቲ ኣብ 2020 ኣብ የመን ብስርሒት ኣመሪካ ዝተቐተለ ቃሲም ኣል-ራይሚ ብምትካእ'ዩ መሪሕነት ናይቲ ጉጅለ ኣብቲ ዞባ ተረኪቡ።

ቅድሚ ኣል-ራይሚ ዝነበረ መራሒ እቲ ጨንፈር'ውን ኣብ 2015 ብሰብኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ተሃሪሙ'ዩ ሞይቱ።

ኣመሪካ፡ ነዚ ኣማውታኡ ብንጹር ዘይተፈልጠን ዓለምለኻዊ ኣሸባሪ ብምባል ዝመዝገበቶን ባታርፊ ንምርካብ ንዝተሓባበረ $5 ሚልዮን ዶላር ከምእትህብ ኣብ 2018 ገሊጻ ነይራ።

ኣብቲ ብሰንበት ዝወጸ ቪድዮ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጉጅለ ዝኾነ ኣቡ ኩባይብ ኣል-ሱዳኒ ንሞቱ ዝምልከት መግለጺ ከንብብ ይስማዕ።

እንተኾነ ግን፡ ተንታኒት ጂሃዳዊ ምንጭታት ሓበሬታ ቢቢሲ ዝኾነት ሚና ኣል-ላሚ ከምዝበለቶ፡ እቲ ዝተጠቕመሉ "ኣላህ ዝወሰዶ" ዝብል ሓረግ ንንቡር ኣማውታ ዝገልጽ'ዩ።

ኣል-ሱዳኒ፡ ከምዝበሎ፡ ቤትምኽሪ 'ሹራ' እቲ ጉጅለ፡ ንሰዓድ ቢን ኣጠፍ ኣል-ኣውላኪ ሓድሽ መራሒ ክኸውን መዚዙዎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ፡ ባታርፊን ኣውላኪን "ኣብቲ ጉጅለ ንዝርከቡ ክልተ ተጻረርቲ ክንፍታት" ይምርሑ ምንባሮም ይጠቕሱ። ኣውላኪ ግን ደገፍ ናይ ገለ ኣገደስቲ እንዳታት ከምዝነበሮ ይገልጹ።

ኣል-ቃዒዳ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ (AQAP) ኣብቲ ዞባ ዝርከብ እቲ ኣዝዩ ንጡፍን ሓደገኛን ኣካል ወይ መሻርኽቲ ኣል-ቃዒዳ ምንባሩ ብሰብመዚ ኣመሪካ ይግለጽ።

እቲ ጉጅለ፡ ኣብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ተኸታታሊ ደማዊ መጥቃዕትታት የካይድ ምንባሩ ይዝከር። ንኣመሪካ ዒላማ ንምግባር ድማ ዝተራቐቐ ናይ ነፈርቲ ቦምባታት ኣብ ምምዕባል ይነጥፍ ነይሩ።

ነቶም ኣብ 2015 ኣብ ፈረንሳ ዝተኻዱን 17 ሰባት ዝተቐትልሉን መጥቃዕታት ባዕሉ ከምዝፈጸሞ'ውን ተኣሚኑ ነይሩ። ነቲ ኣብ 2019 ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደን ህይወት ሰለስተ ሰባት ዝቐዘፈን መጥቃዕቲ'ውን ሓላፍነት ወሲድሉ'ዩ።

እዚ ማእከሉ ኣብ የመን ብምግባር ዝንቀሳቐስ ጂሃዳዊ ጉጅለ፡ ኣብታ ሃገርን እቲ ዞባን ስግኣት ኮይኑ'ኳ ይቕጽል እንተሎ፡ ብሰንኪ "ቀጻሊ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸቕጥታት ጸረ-ሽበራ ዝስኸስሮም ዘሎ መራሕቲ ዕንቅፋታት" የጓንፎ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ለካቲት 2023 ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን ሓማድ ኣል-ታሚሚ ንዝተባህለ ላዕለዋይ መራሒኡን ሓላፊ ሚድያን ፋይናንስ ተቐቲሎም ምንባሮም'ውን እቶም ክኢላታት ይገልጹ።