እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኔቶ ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ሓይሊ ኣየር ዝሃንፀላ ዘሎ ቁሸት
ሽዱሽተ ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ጽርግያ መዓርፎ ነፈርቲ ደው ኢለን ሞተራተን የጕረምርማ ኣለዋ። ሰራሕተኛታት እተን ነፈርቲ ድማ እናተጓየዩ፡ ቅድሚ ምብጋሶም ናይ መወዳእታ ፍተሻታት ከካይዱ ይረኣዩ።
ካብቲ ቀዳማይ መሐምበቢ ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ 3.5 ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎ ካልኣይ መሐምበቢ ነፈርቲ ዝህነጸሉ ቦታ ድማ ደሮና ክለዓል ይረአ።
መደበር ኣየር ሚሃይ ኮጋልኒሴኣኑ ስሙ ካብታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ዓዲ ዝወሰደ ኮይኑ፡ ብስም ሓደ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሊበራላዊ ፖለቲከኛ ዝተሰየመ እዩ።
እቲ ሓድሽ መደበር ሓይሊ ኣየር ኔቶ ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ክኸውን እንከሎ ዋላ’ውን ካብቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ራምስታይን ዝገዘፈ ከምዝዀነ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኔቶ ኣብ ኤውሮጳ ብሸነኽ ሩስያ ስምምዓት ይጥሕስ ኣሎ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ዩክረይን ንዝገበሮ ኲናት ከምዘመኽነየ ዝዝከር እዩ።
እቲ መደበር ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኖርወይ ዝተዓደጋ ሮማንያ ኤፍ-16 ከምኡ'ውን ኤምኪዩ-9 ሪፐር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከተኣናግድ ትጽቢት ዝተገበረሉ ኮይኑ ካብ 32 ሃገራት ዝመጹ ሰራዊት ኔቶ፡ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን እንዳተባረዩ ዝሰርሑላ ወተሃደራዊት ከተማ ክህልዎ እዩ።
ኣብዚ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ዑደት ዝረኸብናዮ ፓይለት ቻርሊ ታግ’ዩ።
"ኣብዚ ህላወ ኣመሪካ ዝዓበየ እዩ። ብዙሕ ትሕተ ቅርጺ፡ መንበሪ፡ ሰባትን መሳርሕታትን ኣሎ" ድማ ይብል።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብሰንኪ ዘካየደቶ ወራር፡ በረራ ዝካየደሎም ከባቢታትን ስትራተጂያዊ ኣቃውማ ናይቲ ተልእኾን ከም ዝቐየሮ ይዛረብ።
ኣብ 2021 ኣብረርቲ ነፈርቲ ውግእ ኔቶ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ማያት ርሑቕ በሪሮም ነይሮም።
ሕጂ ግን “ምስ ሩስያ ዘይምርድዳእ ንኸይፍጠር ኢሉ’ውን እቲ ዘሎ ኵነታት ከይጋደድ ምእንቲ ኣብቲ ልዕሊ ግዝኣታዊ ማያት ሮማንያን ቡልጋርያን ዝርከብ 12 ኖቲካል ማይል ዝንውሓቱ ዞባ ጥራይ ክበሩ ተገዲዶም’ዮም።
“ቅድሚ ሕጂ ወራር ሩስያ ንምግታእ ኣብዚ ኢና ነይርና። ሕጂ ኣብዚ ዘለና ካልኦት ሃገራት ኔቶ፡ ከም በዓል ሮማንያ፡ ኣብዚ ከም ዘለና፡ ክንከላኸል ድማ ፍቓደኛታት ምዃንና ከም መረጋገጺ’ዩ።”
ንሱ ካብ ዝመጽእ ንደሓር ነፋሪት ሩስያ ንምዕጋት ዝኾነ ወፍሪ ከምዘይተገብረ፡ ብምግላጽ ቅድሚ ሕጂ ወፍርታት እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ባልቲክ ከምዝነበረ ይዛረብ።
“ክፈታትኑ ይኾኑ’ዮም። እንተኾነ ኣንጻር ዝኾነ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣይኮነን፡ ከምኡ ክገብሩ መሰል ኣለዎም። ኣብ ጎኒ’ታ ተጻባኢት ነፋሪት ግን ነፋሪት ከነቐምጥ ኢና። ብዓይኒ ኣቃውማ፡ ንሩስያውያን... ንጡፋት ምዃንና እዩ ዘርኢ። ዕጡቓት ጀት ሒዝና ኢና ንበርር ዘለና፡ ስለዚ ንጹር መልእኽቲ’ዩ ዘሕልፍ።
"ከምኡ'ውን ንዓና ኣገዳሲ ስለያዊ ሓበሬታ’ዩ ዝህበና፡ ተኸታታሊ ቁጽሪ ነፈርቲ፡ ከምኡ'ውን እተን ነፈርቲ ሒዘንኦ ዘለዋ ኣጽዋር ንመዝግብ ኣለና፡ ስለዚ ምሉእ ስእሊ ስለያ'ውን ይህበና"
ነፈርቲ ወግእ ኔቶ ምስ ሩስያውያን ካብ ዘየድሊ ጎንጽታት ክቑጠባ እንከለዋ፡ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ባሕሪ ግን ክልተ ዝፍለጡ ፍጻመታት ከምዘጋጠሙ ይፍለጥ።
ኣብ መስከረም 2022 ሓደ ሩስያዊ ፓይለት ካብ መእዘዚ መደበር ዝመጽእ ትእዛዝ ብጌጋ ተረዲእዎ፡ ክሳብ 30 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ዝሓዘት ስለያ እትእክብ ነፋሪት እንግሊዝ ካብ ምወዳቕ ንሕንጢጥ ተሪፋ።
ኣብ መጋቢት 2023፡ ካብ ሮማንያ ዝተበገሰት ኣመሪካዊት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ብነፋሪት ውግእ ሩስያ ብዝተፈጸማ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ማያት ተሓምሺሻ።