‘ኣቦይ ብተደጋጋሚ ምስ ዓመጸኒ 2,500 ስብእናታት ኣማዕቢለ’

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንገለ ሰባት ከሰክፍ ዝኽእል ዓመጽን ግህሰት ህጻናትን ዝምልከቱ መግለጺታት ዝሓዘ እዩ።

ኣብቲ ወንበር ምስክርነት ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ እያ ኰፍ ኢላ ነይራ፤ ሽዱሽተ ሰባት ግን ብዛዕባ እቲ ዝበጽሓ ጽንኩር ግህሰት ክምስክሩ ካብ ውሽጣ ተቐልቂሎም።

"ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣትየ፡ ኰፍ ኢለ፡ ምሒለ፡ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ናብ ኣካላተይ ተመሊሰ ወጺአ ከይደ" ክትብል ጄኒ ሄይንስ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ጄኒ ቆልዓ ከላ፡ ብኣቦኣ ሪቻርድ ሄይንስ ብተደጋጊማ ተዓሚጻን ተሳቕያን እያ።

ፖሊስ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ጄኒ ዝበጽሐ ግፍዒ ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ግህሰት ህጻናት እዩ ይብል።

ነቲ ራዕዲ ንምጽዋር፡ ኣእምሮኣ ፍሉይ ሜላ ተጠቒሙ - እቲ ቃንዛ ንኸይስምዓ ሓደስቲ መንነታት ፈጢሩላ።

እቲ ዝበጽሓ ዝነበረ ግህሰት ኣዝዩ ዕቱብ ቀጻልን ብምንባሩ፡ ክሳብ 2500 ፍሉያት ስብእናታት ከምዘማዕበለት ትዛረብ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ፍርዲ፡ ሲምፎኒ እትበሃል ጓል ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ እትርከቦም ስብእናታታ ኣንጻር ኣቦኣ ክምስክሩ ቀሪቦም።

‘መልቲፕል ፐርሶናሊቲ ዲስኦርደር’ ወይ ‘ዲሶሲያቲቭ ኣይደንቲቲ ዲስኦርደር’ ዝበሃል ኵነታት ዘለዋ ሓንቲ ግዳይ፡ ዘለውዋ ስብእናታት ኣብ መስርሕ ፍርዲ ቀሪቦም ክምስክሩን ፍትሒ ከረጋግጹን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ኣውስትራልያ፡ ምናልባት’ውን ኣብ ዓለም ንምጀመርታ ግዘ ከምዝነበረ ይእመን።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ምናልባት’ውን ኣብ ዓለም፡ ሓደ ግዳይ ዝተባህለ ሕማም ማልቲፕል ፐርሶናሊቲ ዲስኦርደር (MPD) - ወይ ዲሶሲያቲቭ ኣይደንቲቲ ዲስኦርደር (DID) - ኣብ ካልእ ስብእናታቱ መስኪሩን ፍርዲ ዘረጋገጸሉን ናይ መጀመርታ ምዃኑ ይእመን።

ቁሩብ ብዛዕባ ዲሶሲያቲቭ ኣይደንቲቲ ዲስኦርደር

‘ዲሶሲያሽን’፡ ካብ ሓሳባትካ፡ ስምዒታትካ፡ ዝኽርታትካ ወይ መንነትካ ናይ ምፍልላይ ኣእምሮኣዊ መስርሕ ኰይኑ ንበሰላ ወይ ማህሰይቲ ዝወሃብ ንቡር ግብረ መልሲ እዩ።

ሰባት ብፍላይ ድማ ህጻናት ንነዊሕ እዋን ዝተሓላለኸ ስንባደ ንምጽዋር እዚ መስርሕ ከበግሱ ተኽእሎ ኣሎ።

ካብ ዓበይቲ ሰባት ደገፍ እንተስኢኖም፡ ወይ ድማ ብዛዕባ እቲ በሰላ ዘስዕበሎም ነገር ዝኣምኖም ሰብ እንተስኢኖም ዝያዳ እዚ መስርሕ ንኸማዕብሉ ይድረኹ።

ዝተፈላለዩ ስብእናታት ከምዘለዎም ድማ ይኣምኑ፤ ንገኣዝ ርእሶም ክኢሎም ዝሓስቡ፡ ዝዋስኡ ወይ ዝዛረቡ ብዙሓት መንነት ዘለዎም ኰይኑ ክስምዖም ወይ ድማ ዋላ እውን ተጋራጫዊ ዝኽርታትን ተመኩሮታትን ክህልዎም ይኽእል።

እዚ ኵነታት ፍሉይ ሕክምና መድሓኒት የብሉን - ክኢላታት መብዛሕትኡ ግዘ እዚ ኵነታት ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ምዝራብ ፍወሳታት ይጥቀሙ።

'ውሕስቲ ኣይነበርኩን'

ኣብ 1974 ስድራቤት ሄይንስ ካብ ለንደን ናብ ኣውስትራልያ ግዒዛ።

ኣብቲ እዋን ጄኒ ጓል ኣርባዕተ ዓመት’ኳ እንተነበረት፡ ኣቦኣ ግን ድሮ ግህሰቱ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብ ሲድኒ ድማ እዚ ናብ ሳዳዊ (ሳዲስታዊ) በሪኹ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ኰይኑ።

"ኣቦይ ኰነ ኢሉ ሓሲቡን ወጢኑን’ዩ ነቲ ግህሰት ዝፍጽም ዝነበረ። ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ድማ የስተማቕሮ ነይሩ" ክትብል ጄኒ ንቤት ፍርዲ ገሊጻ። ግዳይ ግህሰት ስለ ዝዀነት፡ ስማ ናይ ዘይምግላጽ መሰል ነይርዋ። እንተዀነ ግን ኣቡኣ መንነቱ ምእንቲ ክፍለጥ ክትብል ነዚ መሰል ኣይተጠቐመትሉን።

"ደው ከብል ክልምኖ ሰሚዑኒ፡ ክበኪ ሰሚዑኒ፡ ኣብ ልዕለይ ዘውርዶ ዝነበረ ቃንዛን ራዕድን ርእዩ፡ ዝፈሰኒ ደምን ዘውረዶ ኣካላዊ ጉድኣትን ርእዩ። ንጽባሒቱ ግን ኵሉ ነገር ዳግማይ ክገብሮ ይመርጽ ነይሩ።"

ኣቦኣ ሄይንስ፡ ኣእምሮኣ ከንብብ ከምዝኽእል ኣእሚንዋ ከምዝነበረ ጄኒ ትዛረብ። ብዛዕባ እቲ ግህሰት ንኣዲኣ፡ ሓዋን ሓፍታን ኣሽንኳይዶ ክትነግሮም፡ እንተሓሲባቶ’ውን ከምዝቐትሎም ኣፈራሪሕዋ።

"ውሽጣዊ ህይወተይ ብኣቦይ ተወሪሩ። ኣብ ርእሰይ'ውን ውሕስነት ክስምዓኒ ኣይከኣለን" ትብል ጄኒ። "ነቲ ዘጋጥመኒ ዝነበረ ነገር መርሚረ ናይ ገዛእ ርእሰይ መደምደምታ ክውሰድ ኣይከኣልኩን።"

ኣቡኣ፡ ዓበይቲ ሰባት ከይፈልጡ ንምግባር ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበራ ማሕበራዊ ንጥፈታት ገዲቡ። ጄኒ ንነብሳ ክትሓብእን ስቕ ክትብልን ግድን ኰይንዋ፡ ምኽንያቱ እንተተፈሊጡ ከምትቕጻዕ ትፈልጥ’ያ።

'ንሲምፎኒ’ዩ ዝዕምጻ ነይሩ’

ጄኒ ብሰንኪ መግረፍትን ጾታዊ ዓመጽን ዝበጽሓ ንዝነበረ መጉዳእቲ ሕክምና ከይትረክብ ተኸልኪላ’ያ፤ ብሰንኪ’ዚ ድማ ንምሉእ ዕድመኣ ዝጸንሕ ከቢድ ኵነታት ክተማዕብ ተገዲዳ።

ኣብ ርእየት ዓይና፡ መንጋጋኣ፡ መዓንጣኣ፡ መሃንቱሳ፡ ኣብ ልዕሊ መሃንቱሳ ዘሎ ዓጽሚ ዘይምለስ ጉድኣት ኣትሪፋ’ያ።

እቲ ግህሰት ክሳብ ጄኒ ጓል 11 ዓመት ትዀን ቀጺሉ። ሽዑ እታ ስድራቤት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሳ። ድሕሪ ቁሩብ ግዘ፡ ኣብ 1984 ወለዳ ተፋቲሖም። ብዛዕባ’ቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ነገር ዝፈልጥ፡ ዝዀነ ሰብ ከምዘይነበረ ትኣምን - እንተላይ ኣዲኣ።

ክኢላታት፡ ነቲ ጄኒ ዘለዋ ኣእምሮኣዊ ዅነታት ዲሶሲያቲቭ ኢደንቲቲ ዲስኦርደር ኢሎም ይጽውዕዎ፡ እዚ ድማ ምስ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ጽንኩር ግህሰት ኣዝዩ ምትእስሳር ከምዘለዎ ይገልጹ።

እቲ ኵነታት "ብሓቂ ናይ ምድሓን ስትራተጂ'ዩ" ክትብል ክኢላ በሰላ ህጻናት ዶክተር ፓም ስታቭሮፑሎስ ንቢቢሲ ገሊጻ።

እቲ ማህሰይቲ ወይ በሰላ ብኣግኡ ምስዝኸውን እቲ ግህሰት ዝያዳ ጽንኩር ብዝዀነን መጠን፡ ሓደ ህጻን ንምጽዋር ክብል ናብ ‘ዲሶሲያሽን’ ክኣቱ ተኽእሎኡ ዝለዓለ እዩ። ‘ዲሶሲያሽን’ ማለት ካብ ሓሳባትካ፡ ስምዒታትካ፡ ዝኽርታትካ ወይ መንነትካ ናይ ምፍልላይ ኣእምሮኣዊ መስርሕ እዩ።

እዚ መስርሕ ድማ እቶም "ብዙሓት ርእሰ-ሃለዋት" ከማዕብል ይድርዀ።

ጄኒ እትብሎ ፈለማ ዘማዕበለታ ስብእና፡ ሲምፎኒ እያ ነይራ፤ ሲምፎኒ፡ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ኰይና ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ግዘ ክውንነት ትነብር።

ኣቦኣ ክግህሳ እንከሎ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ትሳቐ ነይራ፤ ንዓይ ንጓሉ ጄኒ ክዕምጸኒ ከሎ፡ ብሓቂ ንሲምፎኒ’ዩ ዝዕምጻ ነይሩ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ሲምፎኒ ባዕላ ነቲ ግህሰት ንምጽዋር ክትብል ካልኦት ስብእናታት ኣማዕቢላ።

ኵሎም እቶም ዘማዕበለቶም ኣማኢት ስብእናታት፡ ብፍላይ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ይኹን፡ ወይ’ውን ብዛዕባ’ቲ ግህሰት ክትዝክር ዝድርኹ ባእታታት ንምክልኻል ፍሉይ ተራ ነይርዎም።

"ሓደ ስብእና ካብ ርእሲ ሲምፎኒ ወጺኡ ትኹረት ይቕይር ነይሩ" ትብል።

እቶም ስብእናታት "ኣንጻር ኣቦይ መከላኸሊ ኮይኖምኒ'ዮም" ክትብል ትውስኽ።

እዚ እናገለጸት እንከላ ሲምፎኒ ተቐልቂላ። ጄኒ እዚ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ ነይራ፤ መልሲ ንምሃብ እንተተቓሊሳ ናብ ካልእ ስብእና ትሰጋገር ከምዘላ ዘመልክት’ዩ።

"ሰላም፡ ሲምፎኒ እየ። ጄኒ ኣብ ጭንቀት ኣትያ ኣላ፡ እንተደሊኹም ብዛዕባ’ዚ ክነግረኩም ክመጽእ እየ" ኢላ ብቕልጡፍ ተዛሪባ።

ድምጺ ሲምፎኒ ድሙቕ ቃና ኣለዎ፤ ዝያዳ ንእሽቶ ጓልን ምስትንፋስ ዝሓጽራን ትመስል።

ን15 ደቓይቕ ዝኸውን ኣዛሪባትና፤ ኣብ ዙርያ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ፍጻመታት "ጽዩፍነት ባባ" ዝነበራ ተዘክሮ ዘገርም እዩ።

"እቲ ዝገበርክዎ ነገር፡ ኵሉ ክብረይ ዝብሎ፡ ዘገድሰንን ዝፈትዎን ነገር ወሲደ፡ ክገፍዓኒ ከሎ ንሓደ ዝሓስብ ሰብ ምእንቲ ከይግፍዕ ካብ ባባ ይሓብኦ ነይረ" ትብል ሲምፎኒ።

ገለ ካብቶም ጄኒ ነቶም ፍጻመታት ክትጻወር ሓጊዞምኒ እትብሎም 'ሰባት'

• ማስልስ፡ ነዊሕ ኰይኑ ድልዱል ቅልጽሙ ዘርኢ ክዳውንቲ ይኽደን። ህዱእን ተኸላኻልን እዩ።

• ቮልኬኖ፡ ኣዝዩ ነዊሕን ድልዱልን እዩ፡ ምሉእ ካብ ቆርበት ዝተሰርሐ ጸሊም ክዳን ይኽደን።

• ሪኪ፡ ዕድሚኡ ሸሞንተ ዓመት ጥራይ እዩ፤ ኣረጊት ግራጭ ክዳን ይኽደን። ሓጺርን ድሙቕ ቀይሕን ጸጉሪ ኣለዎ።

• ጁዳስ፡ ሓጺር ኰይኑ ጸጉሩ ቀይሕ እዩ። ኵሉ ግዜ ክዛረብ ዝተዳለወ ይመስል።

• ሊንዳ/ማጎት፡ ነዋሕን ቀጣንን’ያ፤ ናይ 1950ታት ስረ ትኽደን።

• ሪክ፡ ከምቲ ኣቦኣ ሪቻርድ ሄይንስ ዝገብሮ ዝነበረ ዓይነት ዓቢ መነጽር ይገብር።

መስርሕ ፍርዲ

ጄኒ ንመጀመርያ ግዘ ነቲ ግህሰት ኣብ 2009 እያ ንፖሊስ ኣፍሊጣ። መስርሕ መርመራ ፖሊስን ቤት ፍርድን ብሓፈሻ 10 ዓመታት ወሲዱ።

ኣቦኣ ብኻልእ ገበን ን7 ዓመት ተፈሪዱ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ ዳርሊንግተን ተኣሲሩ ነይሩ። ኣብ 2017 ካብኡ ክመጽእ ተገይሩ።

ብዛዕባ እቲ ግህሰት ካብ እትፈልጥ ኣትሒዛ፡ ኣዲኣ ኣብ ምድላይ ፍትሒ ሓያል ደጋፊት ከምዝዀነታ ጄኒ ትዛረብ።

ጄኒ ግን ንዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ እቲ ዘጋጠማ ስንባደ ሓገዝ ክትረክብ ተቓሊሳ እያ።

ኣማኸርትን ሓካይምን ዛንታኣ ብዘይምእማኖም፡ ወይ ድማ ኣዝዩ ስለ ዘሕዝን ክቕበልዎ ስለ ዘይከኣሉ ይመልስዋ ከምዝነበሩ ትገልጽ።

ደሓር ግን ኣብ መስርሕ ፍርዲ ጄኒ፡ ከም ሲምፎኒን ካልኦት ሓሙሽተ ስብእናታትን ኰይና ኣብ ቤት ፍርዲ ክትምስክር ተፈቒዱላ።

ነፍሲ ወከፎም ዝተፈላለየ መዳያት ናይቲ ግህሰት ኣካፊሎም።

ሄይንስ ኣብ መጀመርታ 367 ክስታት ቀሪቡሉ ነይሩ፡ ካብዚኦም ድማ ተደጋጋሚ ፍጻመታት ዓመጽ፡ ስጋዊ ተራኽቦ፡ መጥቃዕቲን ስጋዊ ርክብ ምስ ትሕቲ 10 ዓመት ህጻንን ይርከብዎም።

ጄኒ ብስብእናታታ ኣቢላ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገበን ዝርዝር መርትዖ ክትህብ ክኢላ። እቶም ዝተፈላለዩ መንነታት፡ ብስንባደ ክርስዑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ዝኽርታት ክትዕቅብ ሓጊዞምዋ እዮም።

ኣብ መወዳእታ ሪቻርድ ሄይንስ ኣብ ልዕሊ ክልተ ደርዘን ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ህጻናት ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ።

ብድሕሪ’ዚ እቲ ኣብቲ እዋን ወዲ 74 ዓመት ዝነበረ ኣቦኣ ሪቻርድ ሄይንስ፡ ን45 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ብሕማቕ ኵነታት ጥዕና ዝሳቐ ዘሎ ሄይንስ፡ ቅድሚ ንምሕረት ብቑዕ ምዃኑ እንተወሓደ ን33 ዓመታት ክእሰር እዩ።

ዳኛ ሳራ ሃጌት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክመውት ተኽእሎ ከምዘሎ’ያ ትገልጽ። ገበናቱ "ብዕምቆት ዘሰክፍ" ከምኡ'ውን "ምሉእ ብምሉእ ፍንፉንን ዘስካሕክሕን" ምንባሩ ትዛረብ።

ዳኛ ሃገት፡ እቲ ዝተወሃቦ ፍርዲ ንኽብደት እቲ ጉድኣት ዘንጸባርቕ ከምዘይኰነ’ውን ጠቒሳ።

ጄኒ፡ ማስተርስን ፒኤችዲን ብሕግን ፍልስፍናን ክትረክብ ብዙሕ ዕድሚኣ ኣብ ትምህርቲ’ያ ኣሕሊፋ። ብኣድማዒ ኣገባብ ንምስራሕ ግን ዝያዳ ክትቃለስ ግድን ኰይንዋ’ዩ።