'ስንክልቲ እየ . . . ግን ዓቢ ሕልሚ ኣለኒ'

ህንዳዊት ጊታ ኩፑሳሚ ድንኪ ብምዃና፡ ኣስራሕቲ ክቈጽርዋ ከምዘይደልዩ ብኣጋ ተገንዚባ። 

ስለዚ ግዜኣ ስራሕ ኣብ ምድላይ ካብ ምጥፋእ ናይ ገዛእ ርእሳ ንእሽቶ ትካል ጀሚራ። 

ኣብዚ እዋን'ዚ ብርክት ዝበሉ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ቈጺራ ተስርሕ ኣላ። እታ 60 ሰንቲ ሜተር ዝቝመታ ጊታ፡ ሰባት ብሰንኪ ኣካላዊ ስንክልና ንድሕሪት ክተርፉ ክትርኢ ከም ዘይትደልን ዕውትቲ ምዃናን ትገልጽ።