መራሕቲ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዝተነብረ እገዳ ኣጽዋር ክለዓል ሓቲቶም

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዘንበሮ እገዳ ኣፅዋር ክልዓል ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ድሕሪ ምምራጹ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 18ን 19ን መስከረም 2015 (ግእዝ) ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዑደት ስዒቡ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ፡ ምልዓል ናይቲ እገዳ ኣጽዋር፡ ሶማልያ ካብ ስግኣት ኣልሸባብ ንክትላቐቕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ክልተኣዊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ፡ ምቅላስ ግብረሽበራን ጥሩፍነትን ከምኡ እውን ኣብ ሓባራውን ዞባውን ጉዳያት ዘትዮም።

ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ኣብ ቀዳምነታቶም ብሓባር ክሰርሑ’ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ።

እቶም መራሕቲ፡ ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ምኽባር ግዝኣታዊ ልኡላውነትን ሓድነትን ክልቲአን ሃገራት ዝተመርኮሰ ክኸውን ከምዝተሰማምዑ'ውን ሓቢሮም።

ቅድሚ ምምጻእ ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ወይ ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማልያ ናይ ጸጥታ ስግኣት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ሰራዊታ ትልእኽ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ቀንዲ መሻርኽቲ ኮይና ከም ዝጸንሐት ዝዝከር’ዩ።

ኢትዮጵያ ኣልሸባብ ካብ ሱሩ ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኢዳ ብምእታዋ እኳ እንተነቐፈት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ግን ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ክብሪ ሂቦም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሰላም፡ ምርግጋእን ህንፀትን ሶማልያ ዝለዓለ መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ገሊፆም።

ናይ ሓባር ጸላኢ ዝበልዎ ግብረሽበራን ጥሩፍነትን ኣብ ምምካት ብኣድማዒ መንገዲ ንምትሕብባር ዘለዎም ቆራጽነት ድማ ኣረጋጊጾም።

እቲ ናይ ምትሕብባር ስትራተጂታቶም ንምሕያል፡ ንናይ ጸጥታ መሓውሮም መምርሒ ምሃብ ሓዊሱ ሓበሬታ ክለዋወጡ ድማ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ብተወሳኪ’ውን ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ነቲ ኣብ ሶማልያ ዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣት ብኣድማዒ መንገዲ ንምምካትን፡ እኹል ዕጥቂ ንኽህልዎን፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ዝተነብረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ናይ ምልዓል ሕቶ ኣብ ግምት ከእቱ ሓቲቶም።

ምስ ኣልቃዒዳ ዝምድና ኣለዎ ዝበሃል እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ እቲ ጉጅለ ነቲ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ እትካፈሎ ነዊሕ ዶብ ሰጊሩ፡ ንመጀመርታ ግዜ ሓያል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዙሓት ኣባላት እቲ ጉጅለን ላዕለዎት ኣመራርሓን ከምዝተቐትሉን ከምዝተማረኹን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ንኣልሸባብ ምቁጽጻርን ነታ ሃገር ምርግጋእን ቀንዲ ዕማሙ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንሰራዊት ሶማልያ ኣብ ምጥንኻር ይርከብ።

ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ን30 ዓመታት ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ክለዓል ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ።

እቲ እገዳ ኣጽዋር፡ ብስያድ ባሬ ዝምራሕ ዝነበረ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ምፍራሱ ስዒቡ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታትን ኲናት ሕድሕድን ንምርግጋእ ዝተገበረ እዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ 1992 (ብኣውሮጳ) ዝተገበረ እገዳ ኣጽዋር፡ ንዘይተወሰነ እዋን ብዘይ ገደብ ግዜ ክጸንሕ ከምዝወሰነ ይዝከር።