ውናት፡ ህወሓት ስልጣን ክለቅቕ ዝሓትት ሰለማዊ ሰልፊ ጸዊዑ

ክልላዊ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ብ17 መጋቢት 2015 [ግእዝ] ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል - መቐለ፡ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ስልጣን ንኽወርድ ዝሓትት ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ ጸዊዑ።

ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ግዝያዊ ህዝባዊ ክልላዊ መንግስቲ ክቐውም እውን ጠሊቡ።

እቲ ውድብ፡ እዚ ንልዕሊ 30 ዓመታት ገዚኡ ንትግራይ ግዳይ ኲናትን ሞትን ከምዝገበራ ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ ‘ዕድል እቲ ክልል ኣጸልሚቶም፡ ሕጂ’ውን ንብሕቶም ከመሐደርዋ ይሸባሸቡ ኣለው’ ክብል ነቒፉ።

"ህዝብና ነዚ ጕጅለ [ህወሓት] ብሰላማዊ ቃልሲ ካብ ስልጣን ኣልዩ ናተይ ዝብሎ ህዝባዊ መንግስቲ ክተክል ግድን እዩ፡ ውድብና ሰልፊ ናጽነት ትግራይ ድማ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ነዚ ኣብ ምጽዋዕ ሓላፍነት ክወስድ ወሲኑ” ይብል እቲ መግለጺ።

ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ኣብ ኣፈታትሓ እቲ ንልዕሊ ክልት ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናትን ምሕደራን ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ንዅሉ ዝሓቍፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ህዝባዊ ዋዕላታት ከይገብሩ ብህወሓት ከምዝተኸልከሉ ከሲሶም ነይሮም። እንተኾነ፡ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ‘ኣድላይ ሰነዳት ኣየማልኡን’ ዝብል ምላሽ ሂቡሉ።

ሰብመዚ ትግራይ ንብሄራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ትግራይ፡ "ንህዝባዊ መኸተና ንምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ" የካይዱ ኣለዉ ኢሎም ብምኽሳስ፡ ካብ ተግባሮም ክቝጠቡ ከጠንቂቝ ጸኒሖም እዮም።

"ገሊኦም ስግግር መንግስቲ፡ ገሊኦም ድማ ስሙር መንግስቲ ይጣየሽ ዝብል ቀይዲ በተኽ ሓሳባት ሒዞም ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምሩ ውዒሎም ሓዲሮም ኣለዉ" ክብሉ ክሲሶም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ፡ ሰለስተ ብሄራዊ ውድባት ትግራይ፣ ማለት’ውን ውናት፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን፡ ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንምምስራት ዝቘመ ኣተሓባባሪ ኮሚቴን ሓፈሻዊ መስርሕ እቲ መስርሕን ዝቃወም መግለጺ ኣውጺአን ነይረን።

እቲ መስርሕ ከኣ ኵሉ ዘየሳተፈ ብሓደ ሰልፊ ዝተዓብለለን እዩ ክብላ ነቒፈን እየን። በታ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ፡ እተን ሰልፊታት፡ ኣብቲ ዝተጸውዐ ጉባኤ ከይሳተፋ ዝወሰና ኰይነን፡ ዝተወሃበን ክፍፍል ስልጣን’ውን ከምዘይተቐበላኦ ይዝከር።

እቲ ካብ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ፖለቲካዊ መራሕትን ህወሓት ከምኡ’ውን ነቲ ውድብ ቀረባ ዝዀነ ምሁራትን ዘሓቘፈ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ፡ ንዅሉ ዘሳትፍን ዝበዝሐ ህዝቢ እቲ ክልል ዝቕበሎን ግዝያዊ መንግስቲ ከም ዝምስርት እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ምጥያሽን ዘይሻራዊነትን እቲ ኮሚቴ ሕቶታት ክለዓሉ ዝጸንሑ ዀይኖም፡ እዞም ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝቐርቡ ዘለው ክትዓት፡ ነቲ ተኣፋፊ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኵነታት እቲ ክልል ኣብ ኣሰካፊ ኵነታት ከይመልሶ ስግኣታት ኣለዉ።

ህወሓት፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቛም ተሰማሚዑ እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ውዕል ካብ ዝፍረም ራብዓይ ወርሑ ዘቝጸረ ኰይኑ፡ ዛጊት እቲ መስርሕ ተጓቲቱ ይርከብ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ፈዴራል መንግስቲ ባጀት እቲ ክልል ኣይለቅቕን ስለዝበለ፡ ኣብ ዕጽዋን ክባን ዝጸንሐ ነባሪ እቲ ክልል፡ ከቢድ ቅሬታ የልዕል ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ‘’ግዝያዊ ምምሕዳር ከምኡ’ውን ስቓይ ህዝብና ንምቅላል ዝግበር ኵሉ መዳያዊ ጻዕርታት ዕንቅፋት ዝዀኑ መሲሎም ዝጸንሑ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ እጃምና ንምፍጻም ድልዋት ኢና’’ ኢሉ።

ሰልፊ ውናት ግን፡ ህወሓት ነቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈረሞ ስምምዕ ሰላም፡ "ብምምዝማዝ ተወሳኺ ክሳራ ዘኽፍለና መንገዲ ይኽተል ኣሎ” ክብል ከሲሱ።

ውድብ ህወሓት፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሚያዝያ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቅድሚ ምዃኑ፡ ንኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብዓብላልነት ንሰላሳ ዓመታት ከምዝገዝአ ዝዝከር ኰይኑ ብሰፋሕቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ኣትሒዙ ጽልዋ ህወሓት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናወረደ ዝመጽአ ኰይኑ ናብ መቐለ ተደፊኡ ምጽንሑ ይዝከር።

እቲ ኣብ መንጐኦም ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምትፍናን፡ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ውግእ ኣምሪሑ፤ ነዚ ስዒቡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል ብጥሜትን መቕተልትን ከምዝሃለቐ ጸብጻበት ይሕብሩ።