ብመምህራኖም ክሳብ ሞት ዘብጽሕ መግረፍቲ ዝወረዶም ተምሃሮ

ካሌብ ምዋንጊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘይተፈቐደሉ ተወሳኺ ቁርሲ በሊዑ ብዝብል መምህሩ ብዘሰቅቕ ኵነታት ምስ ገረፈቶ፡ ውነኡ ስሒቱ ን 11 መዓልቲታት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ክወድቕ ተገዲዱ።

“ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕኩ፡ ካብ ዓራቱ ኣይለዓልን ነይሩ። ክዛረብ እውን ኣይክእልን” ይብል ኣቦኡ ፍረድ ምዋንጊ።

እዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ካሌብ ወዲ 13 ዓመት እናሃለወ ዘጋጠመ እዩ።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ውነኡ ዝስሕተሉ ኵነታት እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ዝገልጽ እዚ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ዝነብር ወርጠበ፡ ሓልሓሊፉ ኣዝዩ ከምዝሓርቕን መንደቕ ከምዝወቅዕን ይዛረብ። እዚ ድማ ናይቲ ክሳብ ኣፍደገ ሞት ኣብጺሕዎ ዝነበረ መውቃዕቲ ኣእምሮኣዊ በሰላ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ።

ኣቶ ምዋንጊ፡ ኣብቲ እዋን ክዳን ወዱ ምስቀልዖ ዳርጋ ምሉእ ዝባኑ ዝሽፍን በሰላ እዩ ረኺቡ።

እቲ ቍስሊ ኣዝዩ ዓሚቝ ብምንባሩ እቲ መጥባሕቲ ዘካየደ ዶክተር፡ ካብ ካሌብ ገዙፍ ቆርበት ወሲዱ ነቲ ቍስሊ ከምዝሸፈኖ ይገልጽ።

“ምሉእ ሰብነቱ ከምዚ እዩ ነይሩ” ትብል ኣደኡ ኣግነስ ሙቱሪ፡ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ እንከሎ ዝተስኣሎ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ስእሊ እናርኣየት።

ኣብ ኬንያ፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ምስ ሚስዮናውያንን ባዕዳዊ መግዛእትን ተተሓሒዙ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ፤ ስልጣኖም ዘጽንዕሉ መንገዲ እዩ ዝነበረ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብ 2001 [ኣኣ] እኳ ኣካላዊ መቕጻዕቲ እንተኸልከለ፡ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣመለኻኽታ ብቐሊሉ ምቕያር ኣይተኽኣለን።

‘ቫዮለንስ ኤገነስት ችልድረን ሪፖርት’ ዝተባህለ ትካል ኣብ 2019 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም 18 ክሳብ 24 ዝዀኑ መንእሰያት መምህራን ኣካላዊ መቕጻዕቲ ክጥቀሙ ከምዘለዎም ይሰማምዑ።

ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ፡ ዘካየዶ ምርመራ ካብ ህዝቢ ዝቐርቡ ጥቆማታት ኣዝዮም ከምዝወሰኹ የመልክት።

ካሌብ፡ መጀመርታ ዳይረክተር ናይቲ ግሪሞን ኢጁኬሽን ሰንተር ዝተባህለ ቤት ትምህርቲ ናንሲ ጋቸዋ ከምዝገረፈቶን፡ ድሕሪኡ እቶም ካልኦት ተምሃሮ እውን ክገርፍዎ ከምዝኣዘዘትን እዩ ዝገልጽ።

“ኣዝየ ጠምየ ነይረ፤ ሓሙሽተ ቻፓቲ ብሻሂ በሊዐ” ክብል ይዝክር።

መምህር ናንሲን ካብቶም ተምሃሮ ብዕድመ ዝዓበየ ኢድ ሳሊም ዝተባህለ ተምሃራይን ብመውቃዕትን ኣካላዊ ሃስያ ብምውራድን፡ ተኣሲሮም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቲ ተምሃራይ ኣርባዕተ ዓመት ክእሰር ዝተፈረዶ ኮይኑ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣንጻር እታ መምህር መስኪሩ። ናይታ መምህር ጉዳይ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀጺሉ ኣሎ።

ጉዳይ ካሌብ ኣዝኡ ዘሰንብድ'ኳ እንተዀነ፡ ፍሉይ ተርእዮ ዝበሃል ኣይኰነን። ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ንሞያ መምህርነት ኣብ ኬንያ ዝከታተል ‘ቲቸርስ ሰርቪስ ኮምሽን’ (ቲኤስሲ) ኣብ ዝተባህለ ትካል ዝሰርሕ ውልቀ ሰብ ነዚ እዩ ዘረጋግጽ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ቍጽሪ ዝኸፍአ ዝበሃል ብዝሒ መግረፍቲ፡ ካብ ሸውዓተ፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ 29 ከምዝበጽሐ ይገልጽ።

“እዚ ናብ ቅልውላው እዩ ዝዓቢ ዘሎ. . . ሐዚ ካብ ቍጽጽር ወጻእ ዝዀነ ይመስለና። ዝተጐድኡን ኣካሎም ዝጐደሉን ኣለዉ። ገሊኦም ኣጋጣሚታት ሞት ሓዊሱ ዝኸፍአ ሳዕቤን ዝወለዱ እዮም” ይብል።

እቲ በዓል ሞያ ከምዝሕብሮ፡ መብዛሕትኦም ክሲታት ናብቲ ትካል ኣብ ዝበጽሑሉ፡ እቲ መስርሕ ክሲ በርዒኑ እዩ ዝጸንሕ።

“ብዙሕ እዋን፡ እቲ ጉዳይ ናባና ኣብ ዝበጽሐሉ፡ ብዙሕ መረዳእታ ተመራሲሑ እዩ ዝርከብ። ገለ እዋን ነቶም መሰኻኽር'ኳ ክትረኽቦም ኣይትኽእልን።"

ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ካብቲ ትካል (ቲኤስሲ) ነቶም ዝቐርቡ ክሲታት ኣመልኪቱ መብርሂ ሓቲቱ ምላሽ ኣይረኸበን።

ተምሃሮ ብኢድ እቶም ክምህርዎምን ክሕልዉዎምን ዝግብኦም መምህራን ተቐቲሎም ክበሃል እንከሎ ብዙሓት ሰባት ክቕበልዎ ይኸብዶም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ኣስታት 20 ምስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መግረፍቲ ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ሞት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተቓሊሑ እዩ።

ጓል 15 ዓመት ኢቢ ኖወሊ ሳሙኤል፡ ካብኣቶም ሓንቲ ከምዝዀነት ይእመን።

ኢቢ፡ ካብ ናይሮቢ 60 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ሙሩንጋ፡ ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ጊታንጋ ሲሲኤም ነይራ።

9 መጋቢት 2019፡ ወላዲታ ማርታ ዋንጂሩ፡ ጓላ ሓሚማ ሆስፒታል ከምዝኣተወት ብሰልኪ ተነጊርዋ።

ኣብቲ ሆስፒታል ምስበጽሐት ጓላ ድሮ ዓሪፉ ነይራ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ደቂሳ እንተላ ከምዝሞተት እኳ እንተገለጸ፡ መሰኻኽር ግን ምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ብሰንኪ ኣሰራርሓ ጸጕራ ከምዝሃረመታ ገሊጾም።

“እታ ተምሃሪት ከቢድ ናይ ርእሲ መጕዳእቲ ከምዘጋጠማ ምርምራ ሬሳ ኣረጋጊጹ እዩ። ስለዚ ዝዀነ ሰብ ነዚ ክሳብ ሞት ዘብቀዓ ጉድኣት ብዘብጽሕ ሃሪምዋ ነይሩ ማለት እዩ” ትብል ወ/ሮ ማርታ።

ሞት ጓላ ክጻረ ንኣርባዕተ ዓመታት ጐስጓስ ኣካይዳ።

“ትንፋሰይ ክሳብ ዝሃለወት ተስፋ ኣይቈርጽን።"

ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ምስ ሰብመዚ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኬንያ ቃለመሕተት ከካይድ ሓቲቱ፤ ዋላ ሓደ ግን ክዛረብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ቤከን ቲቸርስ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል ምስዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣሎ። ዛጊድ ኣብ 47 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣስታት 50 ሽሕ መምህራን ብኣባልነት ሒዙ፡ ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርትን ማሕበረሰብን ሓለዋ ክግበረሎም ስልጠና ይህብ ኣሎ።

ሮበርት ኦምዋ ካብቶም 3 ሽሕ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ቤከን መምህራን ሓደ እዩ። ንተምሃሮ ብዛዕባ መሰላቶም ካብ ምምሃር ብተወሳኺ፡ መምህራን ኣካላዊ መቕጻዕቲ ከይተጠቐሙ ከመይ ስርዓት ከትሕዙ ከምዘለዎም የሰልጥን።

“ኣብ መጀመርታ ጥርጣረታት ነይሩኒ። እዚ ናይ ምዕራባውያን ስነ ሓሳብ እዩ፤ ኣፍሪቃዊ ቈልዓ ክዝበጥ እዩ ዘለዎ ዝብል ሓሳብ ነይሩኒ። ምስፈተንክዎ ግን ከም መምህር ሩፍታ ረኺበ። ቅልል ኢሉኒ። እቶም ተምሃሮ ናባይ ይሰሓቡ ከምዘለዉ ተሰሚዑኒ” ይብል።

ኣብ ሞምባሳ፡ ካሌብን ቤተሰቡን፡ ናይታ ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ዕጫ ክሰምዑ ይጽበዩ ኣለዉ። መምህር ናንሲ ጋቸዋ፡ ገበነኛ ከምዘይኰነት ገሊጻ እያ።

እቲ ወዲ 15 ዓመት፡ ነቲ ዘጋጠሞ ነገር ክቕበሎ ተጸጊሙ ኣሎ።

“ኣነ ፍትሒ ክረክብ፡ እዛ ሰበይቲ ክትእሰር ይደሊ።"