ኣውሮጳ ብሙቐት ትልብለብ፣ ኢትዮጵያውያን'ከ ከመይ ይነብርዎ?

ኣውሮጳ ኣብዚ ቅነ ብሓያል ማዕበል ሙቐት ትልብለብ ኣላ። ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ዝተኸሰተ 'ዚ ሓያል ማዕበል፡ ናብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ እውን ይላባዕ ኣሎ። መጠን እቲ ዋዒ ድማ'ውን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃኡ በጺሑ ከም ዘሎ ክንገር ቀንዩ'ሎ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳይን ካብቲ ክወርድ ዝኽእል ሓደጋታት ብምስጋእ ንህዝበን መጠንቀቕታ ይህባ ኣለዋ። ድሮ'ውን ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው። እዚ ማዕበል ሓያል ሙቐት ዝፈጠሮ ኵነታት ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ባርዕ ከጋጥም እንከሎ፡ መገሻታት'ውን ክቋረጹ ተገዲዶም እዮም።

 ኣብ ፈረንሳይ፡ ስፔን፡ ፖርቹጋልን ግሪኽን ብዘጋጠመ ባርዕ፡ ኣሽሓት ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ናብ ዝሓሸ ዘጽልሉሉ ቦታታት ግዒዞም ኣለው።

እዚ ዋዒ ኣብ ዝበርትዓሉ ሃገር ብሪጣንያን ፈረንሳይን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን'ከ ነዚ ኵነታት ብኸመይ ይሓልፍዎ ኣለዉ?

ኣብ ፈረንሳይ ዝነብር ላይነት ቢንያም እዚ ዋዒ ዝለመድናዮ ነገር እዩ ይብል።

ቅድሚ 10 ዓመት፡ ንሓደ ሰሙን ምሉእ ዝተኸስተ ሙቐት ብዙሓት ብዕድመ ዝሸምገሉ ሰባት ከምዝቐተለ ዝዝክር ላይነት፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ኵሉ ከባቢ መዝሓሊ ስለዘየለ ነቲ ሃዋሁ ከም ዘኽብዶ ይዛረብ።

“ንኸምዚ ዓይነት ዋዒ እታ ሃገር ይዅን 'ቲ ሰብ ድሉው ኣይኮነን” ይብል።

ኣብ ፈረንሳይ፡ ዘይከም ዱባይን ጂዳን ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝተገጠመ መዝሐሊ የለን ዝብል ላይነት፡ ብሰንኪ እዚ ሰባት ብቐሊሉ ንኽጕድኡ ምኽንያት ከምዝኾነ ይዛረብ።

ስለዝኾነ፡ ሂወት ሰባት ኣብ ርእሲ ምጥፍኡ፡ “ኣብ ሆስፒታላት ጻዕቒ ተሓከምቲ የጋጥም፣ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት፡ ኣብያተ ብልዒ፡ ቦታታት ኣገልግሎት ካብ ግቡእ ንላዕሊ ብሰባት መሊኡ ይርአ” ይብል።

ኣብ ሰሜን ፈረንሳይ ዝነብር ላይነት፡ ዋላ’ኳ ንሱ ኣብ ዘለዎ ከባቢ እቲ ዋዒ ከቢድ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ግን፡ እቲ ዋዒ ይብርትዕ ከምዘሎ ይዛረብ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ህንፃታትን ቅጥራንን ኣብ ዝበዝሓለን ዓበይቲ ከተማታት፡ እቶም ህንፃታት እክብ ዝወዓልዎ ሙቐት ዓቂቦምዎ ናይ ምፅናሕ ባህሪ ስለዘለዎም፡ እቲ ዋዒ ኣብ ቀትሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ብለይቲ እውን ፈታኒ እዩ።

ብሪጣንያ ሓያል ዋዒ ኣመዝጊባ ከምዝነበረት ዝገልጽ ዳዊት ዋቅጋሪ ድማ፡ “ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት መጠን ዋዒ ክሳብ 41 ዲግሪ ሴንቲግሬድ በሪኹ ነይሩ። ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሂትሮ፡ ለንደን፡ ካምብሪጅን ሓደ ሓደ ከባብታትን ዝተራእየ ዋዒ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ ግዜ እዩ” ይብል።

ካብ ገዛኡ ኰይኑ ከምዝሰርሕ ዛዘረብ ዳዊት፡ ሓደ ክልተ መዓልቲ ዘድልዮ ኣቕሓ ክዕድግ ኣብ ዝወፅአሉ እዋን፡ እቲ ዋዒ ከቢድ ምዃኑ ክርኢ ክኢሉ እዩ።

“ብዙሓት ሰባት ዝግልገልሉ ስርዓተ መጓዓዝያ ትሕቲ መሬት ዝተዘርግሐ ስለዝዀነ፡ ንጥዕና ኣስጋኢ ኰይኑ ኣሎ። ወቕዒ ዋዒ (ሂት ስትሮክ) ዘጋጥሞም ሰባት ኣለዉ” ይብል።

ብሰሉስ ኣምቡላንሳት ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ብዙሓት ሰባት ንምብፃሕ ስራሕ ጽዒቝወን ከምዝነበረን ባርዕ ከምዘጋጠመን ሓቢሩ።

ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ባርዕ እታ ሃገር እውን ብሰሉስ፡ “ከቢድ ሓደጋ” ኢሉ ኣዊጁ ነይሩ።

ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉ ዝዛረብ ዳዊት፡ ካብ ዱራት ዝተበገሰ ባርዕ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተላብዐ ምስምዑ ተዛሪቡ።

ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝተመዝገበ መጠን ዋዒ

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ከቢድ ዋዒ ኣብ ዘመዝገባ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣብ ሂወት ሰባትን ንብረትን ጉድኣት ወሪዱ እዩ። እቲ መጠን ዋዒ ካብዚ ንላዕሊ ክዛይድ ስለዝኽእል ድማ ኣስጋኢ ኰይኑ'ሎ።

  • ኣብ ሰሜን ስጳኛ 43 ዲግሪ ሴንቲግሬድ መጠን ዋዒ ተመዝጊቡ።
  • ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ፈረንሳይ እውን ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጠን ዋዒ'ዩ ኣጋጢሙ፣ ምዕራባዊት ከተማ ናንተስ ከኣ 42 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ኣመዝጊባ።
  • ብሪጣንያ ብሰኑይ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ መጠን ሙቐት ኣመዝጊባ። ኣብ ሱፎልክ ዝለዓለ መጠን ሙቐት 38.1 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ተመዝጊቡ፣ እቲ መጠን ካብዚ ንላዕሊ ክዛይድ ከምዝኽእል'ውን ኣመተታት ይሕብሩ።
  • ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ጉግልን ኦራክልን፡ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ማእከላቶም ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ከቋርጹ ተገዲዶም።
  • ኔዘርላንድስ፡ ብሰኑይ ኣብዚ ዓመት እቲ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ኣመዝጊባ። ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ዌስትዶርፕ 33.6 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ተመዝጊቡ።
  • ቤልጂየምን ጀርመንን ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበፅሕ ዋዒ ከመዝግባ ትጽቢት ይግበር።
  • ኣብ ስፔኛን ፖርቱጋልን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ምስ ዋዒ ብዝዛመድ ሓደጋ ሞይቶም።

ነዚ ብኸመይ ምጽዋር ይከኣል?

መንግስታት እተን ሃገራት ዜጋታት ነዚ ሙቐት ስዒቡ ካብ ዝኽሰቱ ሓደጋታት ንርእሶም ክሕልዉ የገንዝቡ ኣለዉ። ኣብ ዘለውዎ ኰይኖም ነዚ ዋዒ ከመይ ክጻወርዎ ከምዝኽእሉ ድማ ብዕቱብ ይምዕዱ ኣለዉ።

ካብቶም ዝወሃቡ ዘለው ማዕዳታት እቶም ቀንዲ፤

ኣብ ደገ ዘሎ ዋዒ ናብ ገዛ ከይኣቱ መሳኹትን ማዕጾን ምዕጻው፣ ኣረጋውያን ንፋስ ናብ ዘለዎ ቦታ ምውሳድ፣ እዅል ማይ ምሓዝን እዅል ማይ ምስታይን፣ መዝሐሊ ኣየር ምጥቃም፣ ካብ ገዛ ዘይምውፃእ፡ እዮም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ፈረንሳይን ብሪጣንያን እውን፡ ነዞም ማዕዳታት ብምትግባር ነዚ ማዕበል ሙቐት ንምጽዋር ይቃለሱ ከምዘለዉ ይገልጹ።

ይዅን’ምበር፡ እቶም ኣብ ከተማ ዝነብሩ ዘለው ሰባት ብኸምዚ ኣገባብ'ኳ ነቲ ሙቐት ይቃለስዎ እንተለው፡ ኣብ ከባቢ ገጠራት፡ ኣብ ሕርሻን ዱርን ንዝነብሩ ግን፡ ብሰንኪ እቲ ማዕበል ሙቐት ዝለዓል ባርዕ ከይክሰት ኣብ ስግኣት ከም ዘለው ላይነት ይዛረብ።

ዳዊት ብወገኑ፡ “ዋላ’ኳ ኣብ ውሽጢ ገዛ እቲ ዋዒ ሓያል እንተዀነ፡ ኣብ ገዛይ ኰይነ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ” ኢሉ።

ከምዚ ዓይነት ማዕበል ዋዒ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን፡ ሰባት ቀትሪ ከምገለ ኢሎም ተጻዊሮም’ኳ እንተሓለፍዎ፡ ለይቲ ግን ልዋም ዘለዎ ጥዑም ድቃስ ንምድቃስ ይፅገሙ'ለው።