እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሓደ ግዜ ሽዱሽተ ሎተሪ ዝተዓወተ ኣመሪካዊ ጥሮተኛ
ኣብዚ ቆራሪ ወርሒ ታሕሳስ ሓደ ናይ ቬትናም ሓርበኛ ናብ ሓንቲ ኣብ ማሳቹሰትስ መስተ እትሸይጥ ዱኳን ኣትዩ።
ከምቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝገብሮ ዝነበረ፡ ሽዑ እውን ሎተሪ ኣቑረጸ።
አእምሩኡ፡ ሓደ ቲኬት ጥራይ ኣይትዓድግ። ሽዱሽተ ቲኬት ዓድግ። ግን ከኣ ዝኾነ ቁጽሪ ጥራይ ኣይትጠቐም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትኬት ሓደ ዓይነት ቁጽሪ ተጠቐም ክብል ኣዚዙዎ።
ዕድል ገይሩ ከኣ ራይሞንድ ሮበርትስ ኣብ ሽዱሽቲኡ ትኬት ተዓዊቱ። ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዶላር ዝጽጋዕ መጠን ገንዘብ ረኺቡ። ዓመታዊ ከኣ 25 ሺሕ ዶላር ኣመሪካ ይኽፈል ኣሎ።
እቲ ሚስተር ሮበርትስ ዝመረጾ ናይ ዓወት ቝጽርታት፡ ዕለተ ልደትን ዕለተ ዝኽርን ዝሓቘፈ እዩ ነይሩ። ነቲ ተመሳሳሊ ቁጽርታት ኣብ ካልእ መዓልታት ኣብ ካልእ ናይ ሎተሪ ቲኬት ይጥቀመሎም እኳ እንተነበረ ቅድሚኡ ግን ኣይቀንዖን።
እቲ ካብ ቦስተን ንሸነኽ ደቡብ ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ናይ ቬትናም ሓርበኛ ብ15 ታሕሳስ ነቲ ውጽኢት ዓወቱ ተቐቢሉዎ።
እሞ ደኣ በቲ ዘይተጸበዮ ሃንደበት ዝረኸቦ ሃብቲ እንታይ ክገብር ይኽእል? እንታይ ሓሳብ ኣለዎ?
ካብ ትካል እቲ ሎተሪ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ፈለማ ሞተር ብሽክለታ ክዕድግ እዩ።
እቲ ሚስተር ሮበርትስ ዝረኸቦ ዓወት ናይ ሎተሪ ኣብ ህይወቱ ፍሉይ ዕድል ስለዝኸፈተሉ ገሊኦም ሰባት “ዕድለኛ” ክብሉ እዮም ዝጽውዕዎ ።
ብመሰረት ሕጊ ጸወታ እቲ ሎተሪ፡ ኣብ ዓመት 25,000 ዶላር ናይ ምዕዋት ዕድል፡ ሓደ ካብ 1,813,028 ዝርከብ ምዃኑ ይግለጽ።
ተቐማጦ ማሳቹሰትስ፡ ካብ ኣብ ካልእ ክፍልታት ኣመሪካ ንላዕሊ ሰባት ሎተሪ ከምዝጻወቱ ይፍለጡ።