ማሊ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክወፅእ ፀዊዓ

ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኪዳል ማሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኪዳል ማሊ

ሚንስተር ጉዳይ ወፃኢ ማሊ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ዘለዎ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም “ብዘይገለ ምድንጓይ” ከውፅእ ፀዊዑ።

ሚኒስትር ኣብዱላየ ዲዮፕ ነቲ ኣብ ማሊ ዝርከብ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት-ሚኑስማ፡ "ኣብ መንጐ ማሕበረሰባት ንዝህልዉ ወጥርታት ብምጕህሃር ኣካል እቲ ፀገም ኰይኑ" ብምባል ከሲሱ።

ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ሚኑስማ፡ ልዕሊ 13 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ማሊ ኣለውዎ።

እንተኾነ፡ ዓሰርተ ዓመት ዝገበረ ተልእኾኡ፡ ነቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተስፋሕፈሐ ዝመፅአ ጂሃዳዊ መጥቃዕቲ ክገትኦ ኣይከኣለን።

ሩስያዊ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነር ድማ፡ ኣብዚ እዋን ንወተሃደራዊ ገዛእቲ ማሊ ይድግፉ ኣለዉ።

ሰብመዚ ምዕራባውያን ሃገራት፡ እቲ ዕሱብ ጉጅለ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ይፍፅም ከምዘሎ ይኸስሱ።

ቅድም ክብል ነዚ ዕሱብ ጉጅለ ከም ዓለምለኻዊ ገበናዊ ውዳበ ገይራ ከም ትብይኖ ዘፍለጠት ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ዋግነር ኣብ ማሊ እዩ ዝበለቶ ኢቫን ማስሎቭ ማዕቀብ ኣንቢራ እያ።

ዋግነር፡ ነቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝቐረበሉ ክሲ ዝሃቦ ምላሽ የለን። የግዳስ ኣብ ማሊን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝገብሮ ምንቅስቓስ ተጐልቢቡ ብምሽጥር ይቕፅል ኣሎ።

ቅድም ክብል ማላውያን ፈረንሳይ ኣብታ ሃገር ንዝነበራ ናይ ነዊሕ እዋን ምትእትታው ድሕሪ ምቅዋሞም እዩ፡ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሚኑሱማ ነቐፌታ ኣቕሪቡ ዘሎ።

ኪዳን ማሊን መግዛእታዊት ሓይሊ እታ ሃገር ዝነበረት ፈረንሳይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝፈረሰ ይፍለጥ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣብዱላየ ዲዮፕ፡ “ኣብ መንጐ ሰብመዚ ማሊን ሚኒሱማን ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ምትእምማን” ኣመልኪቱ እንትዛረብ፡ መንግስቲ ማሊ፡ ሚኒሱማ ብዘይገለ ምድንጓይ ካብታ ሃገር ክወፅእ ይሓትት ኢሉ።

ግዘ ገደብ ተልኡኾ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማሊ፡ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ 29 ሰነ እዩ ዘብቅዕ። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ግና፡ እቲ ልኡኽ ኣብ ውሱናት ቀዳምነት ዝወሃቦም ነገራት ኣድሂቡ ክሰርሕ ዳግማይ ክውደብ እዩ ዝደልይ።

ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማሊ ኤልጋሲም ዋኔ፡ “ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዝውስኖ ዝኾነ ዓይነት ውሳነ ክንምራሕ ኢና” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ብዘይ ፍቓድ እታ ኣአንጋዲት ሃገር ምስራሕ በዳሂ ከም ዝኸውን እውን ተዛሪቡ።

ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዕጡቓት ሓይልታት ማሊን “ሓይልታት ፀጥታ ወፃእን” ኣብ ማእኸላይ ማሊ ሞራ ኣብ ትብሃል ቁሸት ኣብ ዝነበሮም ስርሒት፡ ልዕሊ 500 ሰባት ከም ዝቐተሉ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ፀብፃብ ከም ዘውፅአ ይፍለጥ።

መንግስቲ ማሊን ሩስያን ግና: ነዚ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት ኰኒነንኦ እየን።