ብደብዳብ ሞርታር ተሰንዩ ሞቓድሾ ዝበጽሐ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን

ምንጪ ስእሊ, Fana

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንምዝታይ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሞቓድሾ ከም ዝኣተወ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ጻንሒት ድማ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ንምኽንያት ዑደት ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብኽቡር ቀዳማይ ምኒስተር ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ናብ ሞቓድሾ ሶማልያ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ዝምድና ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ንምሕያል፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ዘሎ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ዓቢይ ግደብ ትርጕምን፡" ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

ቀጺሉ፡ "ከም ዝፍለጥ ንኸባቢ ሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ርክብ ንፋስ ዝኣተዎን ቍሩብ ዝሻሕከረን እዩ ነይሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ነዚ ምዕራፍ'ዚ ሓሊፉ ሓድሽ ናይ ምትሕብባርን ሕውነትን ምዕራፍ ከም ዝበጽሐ ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።

እቲ ካብ ህዝቢ ሶማልያ ከይተረፈ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝግለጽ ተሪር ቅሬታ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣደን ዓደ ቅድሚ ምብጽሑ፡ ኣብ ከባቢ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሞርታራት ከም ዝዓለበ ማዕከናት ዜና ሶማልያ ገሊጸን።

ኢትዮጵያ ኣብታ ርእሰ-ምምሕዳር ኣቚማ ዘላ ሶማሊላንድ መደበር ሓይሊ ባሕርን ንግዳዊ ወደብን ክትሃንጽ፡ ከም ኣምሳያኡ ድማ ኢትዮጵያ ከም ሃገር "ኣፍልጦ ክትህባ" ድሕሪ ዝገበርኦ ውዕል፡ ካብ ጥሪ 2024 ኣትሒዙ ዝምድናኣ ምስ ሶማልያ ሻሕኪሩ እዩ ጸኒሑ።

ሶማልያ ከም ግብረ-መልሲ፡ ንኢትዮጵያ "ግዝኣታዊ ሓድነታ" ከም ዝጠሓሰት ብምኽሳስ፡ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራን ግብጽን ኣጠናኺራ።

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ታሕሳስ ብመንጐኝነት ቱርኪ ንዝነበረን ወጥሪ ብዝርርብ ክፈትሓኦ ተሰማሚዐን። እታ ባሕሪ ኣልቦ ኢትዮጵያ ከኣ "ውሑስን ዘላቕን" ብዘለዎ መንገዲ ንግዳዊ ንጥፈታታ ናብ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ከተካይድ ቃል ከም ዝተኣትወላ ተገሊጹ ነይሩ።

እንተዀነ ኢትዮጵያ፡ እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ከም ዝሰረዘቶ ብወግዓዊ መንገዲ ኣይገለጸትን።

መራሕተን ኣብ መወዳእታ ለካቲት ቴክኒካዊ ዝርርብ ክጅመር ተሰማሚዖም እዮም።

እቶም ክልተ መንግስታት ድሕሪ ርክቦም ኣብ ዘውጽኡዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ሓባራዊ ረብሓ ንምሕያል ዘለዎም ድልውነት፡" ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሞቓድሾን ኣዲስ ኣበባን ተራኺቦም ነቲ ኣብ ኣንካራ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ክዘራረቡ ምጽንሖም ይግለጽ።

እዚ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፡ ድሕሪ ወርሒ ናይቲ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ መገሻ እዩ።

ኣብቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ሶማልያ ዝገሸሉ፡ ሓይልታት ሶማልያ ብዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተደጊፎም ሓያሎ መንገድታት ዓጽዮምን ምንቅስቓስ ነፈርቲ ደሪቶምን ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ጽኑዕ ሓለዋ እኳ እንተ ገበሩ፡ ብዝሑ ዘይተነጸረ ሞርታራት ከም ዝተተኰሰ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ነቲ ከዛርብ ዝወዓለ ሎሚ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሞርታር ኣመልኪቱ ቢቢሲ ሶማልኛ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ሞርታራት ከም ዝተተኰሰ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ። እንተዀነ፡ እቲ ሞርታር ዘውረዶ ጉድኣት ክሳዕ ሕጂ ኣይተገልጸን።

ኣቢይ ኣሕመድ ሞቓድሾ ኣብ ዝኣተወሉ

ምንጪ ስእሊ, Villa Somalia/X

ማዕከናት ዜና ሶማልያ፡ እቲ ሞርታር ክትኰስ እንከሎ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ፍሉይ ክፍሊ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኰይኑ ንቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ይጽበዮ ምንባሩ ሓቢረን።

ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይመረጸ ብዓል ስልጣን፡ ገለ ካብቲ ሞርታራት ኣብ ጥቓ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝዓለበ ገሊጹ።

ሮይቶርስ ግን እቲ መዓርፎ ነፍርቲ ብውሕዱ ብሓደ ሞርታር ከም ዝተወቕዐ ሓቢሩ ኣሎ።

ሓደ ምስክር ዓይኒ ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ስግኣት ጸጥታ ዝገልጽ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ (ሳይረን) ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዘቃልሐ ገሊጹ።

ብዛዕባ'ዚ መጥቃዕቲ ሞርታር ብመንግስቲ ሶማልያ ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።