‘ድሕሪ 32 ዓመታት ዝወሃብ ፍትሒ፡ ፍትሒ ኣይኰነን’

ገለ ካብቶም ኣብ 1992 ኣብ ራጃስታን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ታህዲደ-ምቕላዕን ዝተኸሰሱ ደቂ ተባዕትዮ

ምንጪ ስእሊ, Santosh Gupta

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቶም ኣብ 1992 ኣብ ራጃስታን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ታህዲደ-ምቕላዕን ዝተኸሰሱ ደቂ ተባዕትዮ

"ልበይ ብኸቢድ ቃንዛ ተመሊኣ’ያ። ህይወተይ በቲ ኵነታት ከመይ ከምዝዓነወት ክሓስብ ከለኹ ሎሚ’ውን ከይተረፈ እነብዕ።"

ኣብ 1992 እዩ ነይሩ። ሱሽማ (ስማ ዝተቐየረ) ጓል 18 ዓመት እንከላ፡ ሓደ እትፈልጦ ሰብ ቪድዮ ክንርኢ ብዝብል ሰበብ ናብ ሓደ ንነዊሕ እዋን ዝተዓጽወ መኽዘን ከምዝወሰዳ ትዛረብ።

ኣብቲ መኽዘን ምስ ኣተዉ ግን ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸውዓተ ተባዕትዮ ኣሲሮም ዓሚጾማ። ካብዚ ሓሊፎም እውን እናተዓመጸት እንከላ ስኢሎማ።

ስድራ እቶም ተባዕትዮ ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ ግዝኣት ራጃስታን ካብ እትርከብ ከተማ ኣጅመር ዝነብሩ ሃብታማት እዮም።

"ምስ ዓመጹኒ፡ ሓደ ካብኣቶም ሊፕስቲክ መግዝኢ 200 ሩፒ [2 ዶላ] ሂቡኒ። ግን ኣይተቐበልክዎን" ትብል።

ድሕሪ 32 ዓመታት ሱሽማ፡ እቶም ዝዓመጽዋ ተባዕትዮ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ንሕልፈት ክፍረዱ ርእያ።

"ሕጂ ጓል 50 ዓመት እየ፡ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ዝረኸብኩ ኰይኑ ይስምዓኒ" ትብል።

"ንዅሉ ስቓየይ ግን ክኽሕስ ኣይክእልን።"

ብሰንኪ’ቲ ፍጻመ፡ ንዓመታት ጸለመን ላግጽን ሕብረተሰብ ተጻዊራ’ያ፤ ክልተ ግዜ ሓዳር መስሪታ’ኳ እንተነበረት ክልቲኦም ሰብኡታ ግን ሕሉፍ ህይወታ ሓዳራ ከምዝተበተነ ትዛረብ።

ኣብ 1992 ኣብ ከተማ ኣጅመር ዝተዓመጸት ግን ሱሽማ ጥራይ ኣይኰነትን።

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እታ ከተማ ብጕጅለ ሃብታማት ደቂ ተባዕትዮ ዓመጽን ታህዲደ-ምቕላዕ ዘጋጠመን ግዳያት 16 እየን፤ ኵለን ድማ ተምሃሮ እየን ነይረን።

እቲ ጉዳይ ዓቢ ዕንደራ ኰይኑ ሰፊሕ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ እዩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ቤት ፍርዲ ካብቶም 18 ተኸሰስቲ እቶም ሽዱሽተ ዕድመ-ልክዕ ክእሰሩ ፈሪዱ።

ሽዱሽቲኦም ብገበኖም ኣይተኣመኑን፤ ጠበቓታቶም ድማ 'ይግባይ ክንሓትት ኢና' ኢሎም ኣለዉ።

ደቂ ኣንስትዮ ንምጉዕዓዝ ዝጥቀሙላ ዝነበረት መኪና

ምንጪ ስእሊ, Santosh Gupta

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ኣንስትዮ ንምጉዕዓዝ ዝጥቀሙላ ዝነበረት ሱዙኪ ቫን

እቶም ዝተረፉ ተኸሰስቲ’ኸ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ሸሞንተ ኣብ 1998 ንሕልፈት ተኣሲሮም። ግን ካብኣቶም እቶም ኣርባዕተ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነጻ ተባሂሎም። እቶም ክልተ ድማ ፍርዶም ናብ 10 ዓመት ተቐኒሱ።

እቶም ካልኦት ኣርባዕተ’ኸ?

ሓደ ብነብሰ ቅትለት ሞይቱ። ካልእ ኣብ 2007 ንዕድመ ልክዕ ተፈሪዱ ነይሩ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ግን ነጻ ኰይኑ። እቲ ሳልሳይ ብተመሳሳሊ ቀሊል ጉዳይ ተፈሪዱ ነይሩ፡ ንሱ’ውን ድሒሩ ነጻ ተባሂሉ። እቲ ራብዓይ ግን ክሳዕ ሕጂ ካብ ፖሊስ ሃዲሙ ይርከብ።

እቲ ሕጂ ዝተወሃበ ፍርዲ "ፍትሒ ክበሃል ይኽእል’ዶ? ፍርዲ ፍትሒ ኣይኰነን" ይብል ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝጸሓፈን ኣብ መስርሕ ፍርዲ ምስክር ኣኽባሪ ሕጊ ኰይኑ ዝቐረበን ጋዜጠኛ ሳንቶሽ ጉፕታ።

ጠበቓ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ረቤካ ጆን እውን ተመሳሳሊ ስምዒት’ዩ ዘለዋ። "ዝደንጐየ ፍትሒ፡ ዝተኸልከለ ፍትሒ’ዩ" ትብል።

"እዚ ካብቲ ሕጋዊ ስርዓት ኣዝዩ ዝሰፍሐ ጸገም ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። ብተባዕትዮ ዝተዓብለለ ሕብረተሰብና ፍሹል 'ዩ። ለውጢ ኣተሓሳስባ የድልየና’ዩ፡ እዚ ግን መዓስ’ዩ ክመጽእ?"

እቶም ተኸሰስቲ፡ ስልጣኖምን ጽልዋኦምን ተጠቒሞም ንግዳያቶም ከምዘታለሉን ከምዘፈራርሑን ጠበቓ ኣኽባሪ ሕጊ ቪሬንድራ ሲንግ ራቶር ይገልጽ።

ንግዳያቶም ዘሰክፉ ፎቶታት ብምስኣልን ቪድዮታት ብምቕራጽን ስቕ ንኽብላ ወይ ካልኦት ግዳያት ንኸምጽኣሎም ከም መፈራረርሒ ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩ ወሲኹ ይሕብር።

"ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እቶም ተኸሰስቲ ንዝፈልጥዎ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ናብ ድግሶም ዓዲሞም ኣሰኺሮምዎ። ስክፍታ ዝፈጥረሉ ፎቶታት ስኢሎምዎ። ብድሕሪኡ ደቂ ኣንስትዮ መሓዙቱ ከምጽኣሎም፡ እንተዘይኣምጺኡሎም ግን እቶም ስእልታት ናብ ህዝቢ ከምዝዝርግሕዎ ኣፈራሪሖም" ይብል።

"ብኸምዚ እዮም ግዳያት እናረኸቡ ቀጺሎም።"

እቶም ተኸሰስቲ ዝተኣማመንሉ ድልዱል ፖለቲካውን ማሕበራውን ምትእስሳር ነይርዎም። ገለ ካብኣቶም ምስ ሓደ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ፍሉጥ መስጊድ ዝምድና ነይርዎም።

"ኣብቲ እዋን ንእሽቶ ከተማ ዝነበረት ከተማ ብሞተር ብሽክለታን መካይንን ይንቀሳቐሱ ነይሮም" ይብል ጋዜጠኛ ጉፕታ።

"ገለ ሰባት ይፈርሕዎም ነይሮም፡ ገሊኦም ድማ ክቐርብዎምን ከምኦም ክዀኑ ይደልዩ ነይሮም።"

እቲ ጉዳይ ንኣዋርሕ ከይተቓልዐ ክጸንሕ ዝሓገዘ ድማ ሃብቶምን ዝነበሮም ምትእስሳርን ምዃኑ የብርህ። ይኹን’ምበር ከምቶም ኣብቲ ስእልታቶም ዝሕጸበሉ ስቱድዮ ዝሰርሑን ገለ ኣባላት ፖሊስን ከይተረፈ ብዛዕባ’ዚ ዝፈልጡ ሰባት ነይሮም።

ሓደ መዓልቲ፡ ገለ ካብቶም ተኸሰስቲ ዝሰኣልዎም ፎቶታት ናብ ጋዜጠኛ ሳንቶሽ ጉፕታ በፂሖም። ሕማቕ ስምዒት ድማ ኣሕዲሮምሉ።

"ገለ ካብቶም ሓያላት ደቂ ተባዕትዮ እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት፡ ንኣሽቱ ኣዋልድ ጽዩፍ ተግባራት ይፍጽሙ ነይሮም - መርትዖ ድማ ነይሩ። ካብ ፖሊስ ይዅን ካብ ህዝቢ ግን ዓቢ ግብረ መልሲ ኣይተዋህበን" ይብል።

እቲ ጋዜጠኛ ብዛዕባኡ ውሑዳት ጸብጻባት ኣቕሪቡ ነይሩ፤ ግን ነቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ከልዕሎ ዝኸኣለ ኣይነበረን።

ድሕሪኡ ሓደ መዓልቲ፡ እታ ዝሰርሓላ ጋዜጣ "ደፋር ውሳነ ወሲዳ" ይብል።

ሓንቲ መንእሰይ፡ ክሳብ ሽምጣ ዕርቃና ኰይና፡ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ብኽልቲኡ ጎና ኰይኖም ኣጥባታ ክደርዙ ዘርኢ ስእሊ ኣሕቲማ። እቲ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ናብ ካሜራ እናጠመተ ፍሽኽ ክብል ይረኣይ። እታ ጋዜጣ ገጽ እታ ጓል ጥራይ እያ ክድብዝዝ ገይራ።

እቲ ሕትመት ኣብታ ከተማ ስንባደ ዝመልኦ ማዕበል ኣበጊሱ። ህዝቢ ተቖጢዑ ንመዓልታት ኣብ ዘካየዶ ተቓውሞ እታ ከተማ ተዓጽያ። እቲ ቁጥዐ ኣብ ግዝኣት ራጃስታን ከም ሓዊ ተዘርጊሑ።

"ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ገለ ጭቡጥ ስጉምቲ ወሲዱ። ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ጉዳይ ዓመፅን ምፍርራሕን መዝጊቡ ናብ ክፍሊ መርመራ ገበን ግዝኣት ራጃስታን ኣሕሊፍዎ" ይብል ጠበቓ ኣኽባሪ ሕጊ ቪሬንድራ ሲንግ ራቶር።

ኣብ 1992 ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ “ዕንደራ ታህዲደ-ምቕላዕ፡ ኣጅመር ተዓጽያ” ዝብል ኣርእስቲ ነይርዎ

ምንጪ ስእሊ, Santosh Gupta

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1992 ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ “ዕንደራ ታህዲደ-ምቕላዕ፡ ኣጅመር ተዓጽያ” ዝብል ኣርእስቲ ነይርዎ

ቪሬንድራ ሲንግ ራቶር ወሲኹ፡ ብሰንኪ ሓያሎ ረቛሒታት እቲ ፍርዲ ን32 ዓመታት ከምዝተደናጎየ ይገልጽ። ገለ ካብዚኦም ተደጋጋሚ ምስንኻል ማእሰርቲ ተኸሰስቲ፡ ብመከላኸሊ ተኸሰስቲ ተፈጢሮም ዝተበሃሉ ሜላታት ምድንጓይ፡ ትሑት ምወላ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊን ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ ስርዓተ ፍትሒ ዝነበሩ ስርዓታዊ ጉዳያትን ይርከብዎም።

እቶም ሕጂ ዝተፈርዱ ሽዱሽተ ተኸሰስቲ ሃዲሞም ስለዝነበሩ፡ ኣብቲ ፖሊስ ኣብ 1992 ዘቕረቦ ፈላማይ ክሲ ኣይተኻተቱን ነይሮም።

እዚ ድማ ጌጋ ከምዝነበረ ራቶር ይኣምን።

ፖሊስ ኣብ መወዳእታ ኣብ 2002 ኣብ ልዕሊ እቶም ሽዱሽተ ክሲ ከቕርብ እንከሎ፡ ሽዱሽቲኦም ገና ኣይተታሕዙን ነይሮም። ካብዚኦም እቶም ክልተ ኣብ 2003፡ ሓደ ኣብ 2005፡ ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ 2012 ክእሰሩ እንከለዉ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ተኸሳሲ ኣብ 2018 እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ከም ብሓድሽ ይጅምር፡ መከላኸሊ ተኸሰስቲ ድማ ግዳያት ምስክርነተን ክህባ ዳግማይ ይጽዋዓን ነይረን።

"ብመሰረት ሕጊ ተኸሳሲ መሰኻኽር ክምስክሩ ከለዉ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ መሰል ኣለዎ፡ መከላኸሊ ድማ መስቀላዊ ሕቶ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለዎ" ይብል ራቶር።

እዚ ድማ እተን ግዳያት ነቲ ዘጋጠመን ስንባደ ደጋጊመን ክገልጻ ስለዘገድደን፡ ኣብ ጭንቀት የእትወን ከምዝነበረ የስምር።

እተን ሕጂ ኣብ 40ታትን 50ታትን ዕድመ ዝርከባ ግዳያት፡ ድሕሪ ዓመታት ንምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ይጉተታ ከምዘለዋ ይሓትት።

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ፖሊስ’ውን ንመሰኻኽር ምድላይ በዳሂ ኰይንዎ።

"ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ስለዝቐጸሉ፡ ምስቲ ጉዳይ ምትእስሳር ክፈጥሩ ኣይደለዩን" ይብል ራቶር።

"ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ ሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ኣይተተሓዘን። እንተተኣሲሩ፡ ወይ ሓደ ካብቶም ተኸሳሲ ነቲ ፍርዲ ናብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ወሲዱ ይግባይ እንተድኣ ሓቲቱ፡ እተን ግዳያት መሰኻኽርን ዳግማይ ናብ ቤት ፍርዲ ክጽውዑ’ዮም።"

ካብተን ግዳያት ሓንቲ ዝዀነት ሱሽማ፡ ዘጋጠማ ዘሕዝን ፍጻመ ሓቂ ስለዝዀነ ከይተሰከፈት ምስ ማዕከናት ዜና ክትዛረብ ከምዝጸንሐት ትገልጽ።

"ታሪኸይ ቀይረ ኣይፈልጥን። እዞም ሰባት ክዕምጹኒ እንከለዉ መንእሰይን ንጽህቲን’የ ነይረ። ግን ኵሉ ነገር መንዚዑኒ’ዩ። ሕጂ ዝስእኖ ነገር የብለይን" ትብል።