እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ንጥፈታት ዕደና ጠቕሊሉ ንምእጋድ እንታይ እዩ ደሪኹ?
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ ሰፋሕቲ ብባህላውን ዘመናውን መንገዲ ንጥፈታት ዕደና እናተኻየዱ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብ'ከሚካላት' ተሓጊዙ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ከዘራርብ ይስትውዓል ኣሎ።
እቲ መርዛም ከሚካላት ተሓዊሱዎ ዝካየድ ኣገባብ ዕደና፡ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ፡ ህይወት ሰብን እንስሳታትን ሓደጋ የስዕብ ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዝካየዱ ኵሎም ዓይነታት ዕደና ጠጠው ከብሉ ከም ዝወሰነ ብቐዳም ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ ደብዳበ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ኣብ ፌስቡክ ገጽ ናይ ተለቪኝን ትግራይ ዝወጽአ ደብዳበ፡ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ 01 ለካቲት 2017 ዓ.ም (ግ) ጀሚሩ ንጥፈታት ዕደና ትግራይ ደው ክብል ከምዝወሰነ እቲ መግለጺ የብርህ።
እቲ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ ውሳነ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ክልል ኣዘራራቢ ኰይኑ ዝርከብ፡ ምስ ዕደና ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ዝተኣሳሰር መርመራን መጽራይን ንምክያድ ዝዓለመ ይመስል።
ካብቶም ኣብቲ ዝርዝር ዝተኻተቱ፡ ምፍራይ ዝኸበሩ ማዕድናት (ወርቂ፣ ኮፐር፣ታንግስተን . . .) ዝኣመሰሉ ብኸፊል ደው ክብል፡ ካብ ባህላዊ ጀሚሩ ክሳብ ብዘበናዊ መንገዲ ዝግበሩ ንጥፈታት ዕደና ድማ ጠቕሊሎም ደው ክብሉ ዝብል ይርከቦ።
ኣብቲ ክልል ካብቲ ታሕተዋይ ኣካል ምሕደራ -ካብ ወረዳ ጀሚሩ ክሳብ ብፈደራል መንግስቲ ዝተዋህቡ ፍቓት ዕደና ክቋረጹ ይእዝዝ።
ከምኡ'ውን፡ ነዚ ዘተግብር ሓይሊ ዕማም ከም ዝተጣየሰ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ነባራት ኰኑ ሓደሽቲ ፍቓዳት ሰነዶም ንመርመራን ተሓታትነትን ክፉት ክገብሩ ይእዝዝ።
ነዚ ስዒቡ፡ በቲ ፍቓድ ተዓሺጐም ኣካል ምጽራይ ክዀኑን በቲ ብሕጊ ዝተጣየሰ ሓይሊ ዕማም ጥራይ ክንቀሳቐሱን ወሲኑ።
መርዛም ከሚካላት
ቢቢሲ ትግራኛ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ዘዳለዎ ሰፊሕ ጸብጻብ ኵነታት እቲ ዕደናን ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ከሚካል ኣመልኪቱ ዳህሲሱ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ሓደ ነባሪ፡ በቲ መርዛም ከሚካል ዝተበከለ ማይ ሰትየን ጥሪት ከም ዝሃለቓ ዝገለፁ ዀይኖም፡ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሩባታት ይብከሉ ከም ዘለዉን ኣብቲ ንጥፈታት ካብ ፖለቲከኛታት ክሳብ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ተሳትፎ ከም ዘሎን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ኣፈናዊ መጽናዕቲ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ትግራይ (ዞባ ሰሜን ምዕራብን ማእከላይን ትግራይ) ብታሕተዋይ ደረጃ ዝካየድ ዝነበረ ዕደና ወርቂ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ናብ ብማእከላይን ላዕለዋይን ደረጃታት ዝካየዱ ስርሓት ከም ዝዓበየ የርኢ።
ኣብ ዝሓለፈ፡ እቶም ወርቂ ብምእራይ ዝመሓደሩ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ሩባታት ኰይኖም ሓመድ ብምሕጻብ እዮም ዝሰርሑ ነይሮም፣ እዚ ድማ ልዕሊ 98 ሚእታዊት ይሕዝ ከም ዝነበረ ይግለጽ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ዕደና መልክዑ ቀዪሩ፡ ብዓበይቲ ደረጃታት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ፡ መራሒ እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም መምህርን ላዕለዋይ ተመራማርን ክኢላ ሜታሎርጂካል ኢንጅነሪን ዶክተር ዮናስ ወልደማርያም ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ብዓበይቲ መሽናት ዝተሓገዘ ስራሕቲ ይካየድ ኣሎ። ዓበይቲ ጐቦታት ብምፍሓር'ዩ ዕደና ተጀሚሩ። እዚኦም ወርቂ መነፋንፍ ዝበሃላ ማሽነሪታትን ዓበይቲ ስካቫተርን ሓዊሱ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ እዩ፡" ክብል የብርህ።
ኣብዚ ስራሓት ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣካላት፡ ወርቂ ንምሕጻብ ዝውዕሉ ኬሚካላት "ብሰፊሑ" ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ንምርዳእ ከም ዝተኻእለ ድማ ጠቒሱ።
"ገሊኦም መርኵሪ ገሊኦም ሳይናይድ ይጥቀሙ ኣለዉ፡" ብምባል፡ እቶም ሓደገኛታት ዝተባህሉ ኬሚካላት ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዓሉ ምርግጋጽ ከም ዝተኻእለ ሓቢሩ።
ስፍሓትን ዓቐንን እዞም ኬሚካላት ንምፍላጥ ግን ቀጻሊ መጽናዕቲ ዝሓትት'ዩ።
ዘይሕጋዊ 'ዕደና'
ገለ ተዓዘብቲ፡ እቲ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ ካብዚ ስግኣታት ዝብገስ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግምቱ ኰይኖም፡ ኣብ ዙርያ መሸጣ እቲ ፍርያት ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን'ውን ሕቶታት ይለዓል ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ፖለቲከኛታትን ነቲ ንጥፈታት ዝተሓወስዎ ከም ዝዀኑ ዝዝረብ ኰይኑ፡ ኣካል እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ ከይኸውንን'ውን ይጥርጠር።
ነቲ ከባቢ ተቘጻጺሩ ዝርከብ ሓይሊ ጸጥታ ካብቶም ብደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ፍንጫል ህወሓት ከም ዝድገፉ ዘፍለጡ ኣዘዝቲ ዝምራሕ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብምዃኑ'ውን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ነዚ ናይ እገዳ ውሳነ ብኸመይን በየናይ ዓቕሙን ተፈጻሚ ክገብሮ እዩ ዝብሉ ሕቶታት ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ነቲ ውሳነ ከተግብር ዝቘመ ሓይሊ ዕማም ብምክትል ግዝያዊ ምመሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ምዃኑ ይንገር።
ትግራይ፡ ካብተን ንሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ልዑል መጠን ወርቂ ዓመታዊ ኣታዊ ዝገብራ ሓንቲ እያ።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ፡ እቲ ምፍራይ ተጠናኺሩ ዝቐጸለ እንተዀነ'ኳ፡ ኣብዚ እዋን ወርቂ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ይወጽእ ኣሎ ዝብሉ ስግኣታት'ውን ኣለዉ።
ነቲ ብዅናት ዝተሃስየ ቍጣባ ትግራይ ኣዝዩ ዘድሊ እቶት ኰይኑ ከገልግል ትጽቢት ዝግበረሉ ዕደና ወርቂን ካልእ ማዕድናትን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪ ንብልሽውና ጕሕለትን ተቓሊዑን ኣብ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ኣትዩን ተባሂሉ ይንቀፍ ኣሎ።