እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃልባ ስደተኛታት ተገልቢጣ፡ ፍልጥቲ ስነ-ጥበባዊት ሶማልያ ምስ ጓላ ሞይተን
ፍልጥቲ ድምጻዊት ቋንቋ ሶማል ሆዳን ዓደንን ካልኦት ሓያሎ ሶማላውያን ስደተኛታትን ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ብፈረንሳ እትመሓደር ማዮት ብዘጋጠማ ሓደጋ ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።
ሆዳን ኣፍሪቃ ብዝብል ናይ መድረኽ ስማ እትፍለጥ ድምጻዊት ሆዳን ዓደን ምስ ጓላ ኣብታ ጃልባ ከም ዝነበረትን ህይወተን ከም ዝሓለፈን ተገሊጹ።
መሳርሕትን መሓዛን እታ ስነ-ጥበባዊት ዓብደልቃደር ፊልፊል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብታ መርከብ 15 ሰባት ከም ዝነበሩን ሓደ ጥራይ ከም ዝደሓነን ገሊጹ።
ካልኦት ምንጭታት እውን ቁጽሪ ናይቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣስታት 20 ከም ዝዀነ ይሕብሩ።
ሞት እታ ድምጻዊት፡ ፍሉጣት ሰባት ዝርከብዎም ሰባት፡ ዝሓሸ ህይወት ንምድላይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኤውሮጳ ብባሕሪ ንምእታው ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉሉ ኣገባብ ኣጕሊሑ'ሎ።
"ሆዳን ኣብ ስርሓ ጠንካራን ስርሓ እትፈቱን እያ ነይራ፤ ካብ ኣቦኣ ዝወረሰቶ ፍቕሪ ስነ-ጥበብ ንምዕዋት ብዕምቈት ትውፈ ነይራ፡" ይብል ዓብደልቃድር ፊልፊል።
"ፈጣሪ ነፍሳ የዕርፍ" ዝበለ ዓብደልቃድር፡ ንስድርኣን ፈተውታን ጸዕንዓት ተመንዩ።
ሆዳን ቅድሚ ዓመታት ኣብታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ስደት ትነብር ነይራ።
ኣብ ሶማልያ ስነ-ጥበባውያንን ደረፍትን ተቐባልነት ስለ ዘይብሎም፡ ሆዳን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሰሪሖም ሽምን ዝናን ካብ መንጐ ዝነበሩ ብዙሓት ሶማላውያን ስነጥበባውያን ሓንቲ እያ ነይራ።
ስራሕታ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሶማላውያንን ተዛረብቲ ቋንቋ ሶማልያ ናእዳ ዝረኸቡ እዮም።
ብፍላይ ስራሕታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ እዩ።
ሆዳን ናይ ሙዚቃ ሞያኣ ንምቕጻል ናብ ሶማልያ ክትምለስ እኳ እንተፈተነት፡ ድሒራ ግን ብሰንኪ ኣብ ሞቃድሾ ዘጋጠማ ብድሆታት ስደት መሪጻ።
ኣብ 2018 ምስ ሓንቲ መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ "ኣብኡ ዝነበረ ባህሊ ክስዕብ ፈቲነ'የ፤ ኣብኡ እየ ንመጀመርታ ግዜ ጸጉረይ ክዕመም ዝጀመርኩ፡" ኢላ።
ኣብ ሞቓድሾ ካብ ዘጋጠማ ሓደ ከቢድ እዋን ብምዝካር፡ "ኣብ መድረኽ ምርኢት ከቕርብ ከለኹ፡ ንነብሰይ ካብ ፕረዚደንት ክሓብእ ተነጊሩኒ ነይሩ፡" ኢላ።
"ኵሎም ሰበስልጣን መንግስቲ ዝተረኽቡሉ ጽምብል እዩ ነይሩ፡" ዝበለት ሆዳን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቃድሾ ዝነበረትሉ ግዜ በዳሂ ከም ዝነበረ ገሊጻ።
ንሳን ጓላን ዝሞታላ ደሴት ማዮት ካብ ደሴታት ኮሞሮስ 70 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ።
እታ 300 ሽሕ ነበርቲ ከም ዘለዋ ዝግመት ደሴት፡ ኮሞሮስ ኣብ 1975 ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፈረንሳ እያ ነይራ።
ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ጥሪ ክሳብ ነሓሰ 2025፡ 5,435 ሶማላውያን ብባሕርን ብመሬትን ናብ ኤውሮጳ ከም ዝበጽሑ ጸብጺቡ።
እዚ ቁጽሪ እዚ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ3.3 ሚእታዊት ወሲዅ።