ናይሮቢ፡ ናብ ኲናት ዩክረይን መንእሰያት ይምልምል ነይሩ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Directorate of Criminal Investigations-Kenya
ፖሊስ፡ 'ኣብ ሩስያ ስራሕ ክትቝጸሩ ኢዅም' ብዝብል ምትላል ናብ ዩክረይን ናብ ውግእ ክለኣዅ ተዳልዮም ነይሮም ዝበሎም 20 ውልቀሰባት፡ ካብ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ከም ዘድሓነ ገሊጹ።
ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ብዝተገብረ ክትትልን ተፍትሽን እቶም ውልቀሰባት ንምምልማል ዝውዓሉ ናውቲታት፡ ናይ ጕዕዞ ሰነዳትን ደብዳበታትን ተረኺቦም።
እቶም ውልቀሰባት ብምምልማል፡ ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ናብ ሩስያ ንምልኣኽ የተሓባብር ነይሩ ዝተባህለ ሓደ ውልቀሰብ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ውልቀሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እንከሎ፡ ፖሊስ መርመራኡ ክሳብ ዝውድእ ንዓሰርተ መዓልቲታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንክጸንሕ ተወሲኑ።
ኣብ ኬንያ፡ ብዙሓት ኣብ ሩስያ ስራሕ ክትቝጸሩ ኢዅም ብዝብል ምትላል ይውሰዱ ኣለው ዝብል ልዑል ስግኣት ኣሎ።
ኣብ ቀረባ ኣብ ዩክረይን ዝተትሓዘ መንእሰይ ኣትሌት፡ ናብ ሰራዊት ሩስያ ንክጽንበር ንምግባር ምትላል ተፈጺምሉ እዩ።
ሰብ መዚ ኣብ ዘካየዱዎ ወፍሪ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ጸጥታን ድሕነትን ብርክት ዝበሉ ኬንያውያን ደለይቲ ስራሕ ካብ ሃገር ንክወጽኡ ዝገብር መርበብ ገበነኛታት ዒላማ ብምግባር ብምትሕብባር ዘካየዱዎ ወፍሪ ምዃኑ ኣፍሊጦም።
በዚ፡ ኣታይ ሪቨር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ 22 ኬንያውያን "ናብ ሩስያ ንምኻድ እናተጸበዩ፡" እንከለው ከም ዝተትሓዙ ተገሊጹ።
ፖሊስ፡ "ሚስጥራዊ ትካል ምስግጋር ሰባት" ኬንያውያን ኣብ ሞስኮ ስራሕ ክትረኽቡ ክንገብር ኢና ብምባል ኣብ ዩክረይን ናብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይልእኽ ኣሎ ኢሉ።
መርመርቲ፡ ስራሕ ክትቝጸሩ ኢዅም ብዝብል ዝተታለሉ ኬንያውያን፡ ሽሙ ንዘይተጠቕሰ ኤጀንሲ ወጻኢ ናይ ስራሕ ውዕል ከም ዝፈረሙ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እቲ ውዕል፡ ንቪዛ፡ ጕዕዞ፡ መንበሪን ካልኦት ወጻኢታት ሎጀስቲክስን 18 ሽሕ ዶላር ንምኽፋል ተሰማሚዖም። ገለ ውልቀሰባት፡ ኣቐዲሞም 1500 ዶላር ከም ዝኸፈሉ ተሓቢሩ።
ፖሊስ እዞም ደለይቲ ስራሕ ሓንሳብ ተመልሚሎም ካብ ሃገር ምስ ወጽኡ፡ ተጐዲኦም፡ ስነ-ልቦናዊ መጕዳእቲ በጺሑዎም ወይ ሞይቶም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ኢሉ።
ክልተ ኬንያውያን ኣብ ቀረባ ካብ ሩስያ ክምለሱ እንከለው፡ እቲ ሓደ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክትትል ሕክምና ይገብር ኣሎ ተባሂሉ።
ኣብ ቀረባ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ፡ ጕዳይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሩስያ ተወሲዶም ሰራዊት ዩክረይን ዝኣሰሮም ኬንያውያን መንግስቲ ይከታተሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል ዩክረይን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ዜጋታት ሶማልያ፣ ሴራሊዮን፣ ቶጎ፣ ኵባ፣ ስሪላንካን ካልኦርን ኣብ ዩክረይን ፔትሮ ያቴሴንኮ ኣብ ዝበሃል መዓስከር እሱራት ኲናት ከም ዝርከቡ ገሊጹ እዩ።
እንተዀነ፡ ብዛዕባ ካልኦት ምሩኻት ክዛረብ እንከሎ፡ "ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዜጋታተን ንምምላስ ዘርእይኦ ድልየት ድኹም'ዩ፤ ክመልሳኦም'ዉን ኣይደልያን፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







