እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን መን'ዩ ጀሚሩዎ? - ክሲታት ትራምፕ እንክጻረ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዩክረይን ነቲ ምስ ሩስያ ዝኣተወቶ ኲናት ተሓታቲት ምዃና ክኸስስ ተሰሚዑ ኣሎ።
ትራምፕ ካብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ማር-ኣ-ላጎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ህቡብነት ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ እውን ነክዩ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ዩክረይን፡ ብሰንኪ ወተሃደራዊ ሕጊ ገና መደብ መረጻ ከም ዘይገበረት ገሊጹ።
ትራምፕ ዝሃቦም ርእይቶታት ግን - ገለ ካብኣቶም ብዛዕባ እቲ ኲናት ልሙዳት ዝዀኑ መዛረቢ ነጥቢታት ሩስያ ዘንጸባርቝ ይመስሉ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ምስ ሓደ ናብ ሪያድ ዝኸደ ልኡኽ ሩስያ ተራኺቦም ነቲ ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ዩክረይን ንምውዳእ ዝርርብ ከም ዝጀመሩ ይፍለጥ።
ዘለንስኪ ድሒሩ ንትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ኣብ ሓደ [ብሩስያ ዝተፈጥረ] መድረኽ ግጕይ ሓበሬታ" ዝነብር ክብል ነቒፉ።
ቢቢሲ ቬሪፋይ ብዛዕባ እቶም ትራምፕ ዝተዛረቦም ጕዳያት ምጽራይ ገይሩ ኣሎ።
ክሲ ትራምፕ፡ 'እቲ ኲናት ፈጺምካ ክትጅምሮ ኣይነበረካን'
ሰበ ስልጣን ዩክረይን፡ ኣካል እቲ ብሰሉስ ኣብ ሪያድ ክካየድ ዝጀመረ ዝርርብ ኣመሪካን ሩስያን ብዘይምዃኖም ዕጉባት ኣይኰኑን።
ትራምፕ ግን ነዚ ስክፍታታት ይነጽጐ።
ዩክረይን፡ ነቲ ኲናት ብምጅማር ቅድሚ ምኽሳሱ፡ ነቲ ውግእ ንምቍራጽ ሰለስተ ዓመት ከም ዝነበራ ተዛሪቡ
"[እቲ ኲናት] ፈጺምካ ክትጅምሮ ኣይነበረካን፡" ኢሉ።
ክረምሊን፡ ቅድሚ ሕጂ ዩክረይን ኣንጻር ሩስያ ኲናት ጀሚራ ክትብል ከሲሳ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ለካቲት 2024 ንኣመሪካዊ ታከር ካርልሰን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ "እቲ ኲናት ኣብ 2014 ንሳቶም'ዮም ጀሚሮምዎ፤ ንሕና ዕላማና ነዚ ኲናት ደው ምባል'ዩ። ኣብ 2022 ድማ እቲ ኲናት ኣይጀመርናዮን፡" ኢሉ ነይሩ።
ዩክረይን ነቲ ኲናት ኣይጀመረቶን፤ ሩስያ ኣብ 2014 ንክረምያ ጐቢጣ ብምሓዝ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ፈጺማ።
እቲ ጐበጣ ደጋፊ ሩስያ ዝዝነበረ ፕረዚደንት ዩክረይን ብህዝባዊ ናዕቢታት ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ'ዩ መጺኡ።
ሩስያ ንከባቢታት ምብራቓዊ ዩክረይን ዝተቘጻጸሩ ተገንጸልቲ ሓይልታት'ውን ትድግፎም ነይራ።
ንሓድሽ መንግስቲ ኪቭ ድማ ኣብ ልዕሊ ተዛረብቲ ሩስያ ኣድልዎን ምጽናት ዓሌትን ይፍጽም ኣሎ ብምባል ከሲሳ።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ግን ነዚ ክስታት ይነጽጐ።
ድሕሪ'ቲ" ኣብ 2014 ዝነበረ ግጭት ንምቍራጽ ዝዓለመ ስምምዓት ግብራዊ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ - ሩስያ ኣብ መወዳእታ 2021 ምስ ዩክረይን ኣብ ዘዋስና ዶባት ሰፊሕ ሰራዊት ክትሃንጽ ጀሚራ።
ፑቲን ነቲ ወራር ብ24 ለካቲት 2022 ጀሚርዎ።
ዕላማ ናይቲ ስርሒት፡ ነቲ ደጋፊ ምዕራብ ዝዀነ መንግስቲ ቮሎድሚር ዘለንስኪ "ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊን ናዚን ናጻ ንምግባር" ከምኡ'ውን እታ ሃገር ናብ ኔቶ ከይትጽንበር ንምክልኻል ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብቲ ናይ መወዳእታ መረጻ ባይቶ ዩክረይን፡ ሕጹያት ሕሉፋት የማናውያን ክልተ ሚእታዊት ደገፍ ጥራይ'ዩ ነይሩዎም።
ዘለንስኪ ኣይሁዳዊ ምዃኑን እቲ ዝመርሖ ሰልፊ ውድቡ ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ምዃኑን ምግንዛብ'ውን የድሊ።
ከምኡ'ውን ሰበስልጣን ኔቶ ኣብ 2021 ዩክረይን ኣብ መጻኢ ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ምዕራብ ክትጽንበር ሕጽይቲ ምዃና ክዛረቡ እንከለዉ፡ ኣካል ዝዀነ ወግዓዊ መስርሕ ግን ኣይነበረትን።
ክሲ ትራምፕ፡ 'ክብሎ ኣይደልን፡ ግን ተቐባልነቱ ናብ 4 ሚእታዊት ወሪዱ'ዩ'
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ደረጃ ተቐባልነት ዘለንስኪ ናብ 4 ሚእታዊት ከም ዝወረደ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ መርትዖ ስለ ዘየቕረበ እንታይ ዓይነት ምንጪ ይጠቅስ ከም ዝነበረ ንጹር ኣይኰነን።
ነዚ ንምንጻር፡ ካብ ዋይት ሃውስ መብርሂ ሓቲትና ኣለና።
ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዩክረይን ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ትካል ስነ-ማሕበረሰብ ኪቭ ዘካየዶ መጽናዕቲ ግን፡ 57 ሚእታዊት ዩክሬናውያን ነቲ ፕረዚደንት ከም ዝኣምንዎ የመልክት።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ካብቲ ኣብ መወዳእታ 2023 ዝነበረ 77 ሚእታዊት፡ ኣብ ግንቦት 2022 ድማ 90 ሚእታዊት ዝወረደ'ዩ - እዚ ድማ ህቡብነት እቲ ፕረዚደንት ከም ዝወረደ'ዩ ዝሕብር።
ገለ ካልእ መጽናዕቲታት፡ ዘለንስኪ መነሓንሕቱ ዝዀነ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ቫለሪ ዛሉዝኒ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ መጻኢ መረጻ፡ ክልቲኦም ክነሓንሑ ምዃኖም የመልክቱ።
ወግዓዊ መረጻ ውሱን ኰይኑ ኣብ እዋን ኲናት ቅኑዕ ዳህሳስ ንምክያድ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዩክሬናውያን ተሰዲዶም'ዮም ዘለዉ፤ ሩስያ ድማ ሕምሲት ግዝኣት ዩክረይን ተቈጻጺራቶ ትርከብ።
ድሕሪ እቲ ትራምፕ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ገለ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ሩስያ ነዚ ክሲ ሒዘን፡ ኣባል ባይቶ ዩክረይንን ነቓፊ ዘለንስኪን ኦሌክሳንድረ ዱቢንስኪ ዝተገብረ ዳህሳሳት ከቕርባ ተራእየን።
ዱቢንስኪ ኣብ ዩክረይን ብክሕደት ተኸሲሱ'ዩ፤ ንሱ ግን ነዚ ይነጽጐ።
ክሲ ትራምፕ፡ 'ኣብ ዩክረይን መረጻ ኣይተኻየደን፡ ወተሃደራዊ ሕጊ'ዩ ዘሎ'
ትራምፕ፡ ዩክረይን ካብ 2019 ጀሚሩ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዘይምክያዳ ጠቒሱ።
ዘለንስኪ - ቅድሚ ሕጂ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ ዘይነበሮ ኮሜድያን - ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ስልጣን ከም ዝመጽአ ይዝከር።
እቲ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ግዜ ኣብ ግንቦት 2024 እዩ ኣእኪሉ።
እንተዀነ፡ ዩክረይን ካብ ለካቲት 2022 [ድሕሪ ወራር ሩስያ] ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕጊ እያ ጸኒሓ።
እዚ ማለት ድማ፡ መረጻ ይእገድ።
ወተሃደራዊ ሕግታት ዩክረይን፡ መጀመርታ ኣብ 2015 እዮም ተዳልዮም።
እዚ ድማ፡ ሩስያ ንሓውሲ ደሴት ክሪምያ ድሕሪ ምጕባጣ ነዊሕ ከይጸንሐን ዘለንስኪን እቲ ዝመርሖ ሰልፊን ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኦም'ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣብ ሕዳር ኵለን ሰልፍታት ዩክረይን መረጻታት ክሳብ እቲ ኲናት ዝውዳእ ክናዋሕ ደጊፈን።
እዚ ድማ ዩክሬናውያን ከም ዝተቐበሉዎ ሓደ ዳህሳስ ይሕብር።
ዓለምለኻዊ ኢንስቲትዩት ሪፐብሊካን ካብ መስከረም ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ድማ ኣስታት 60 ሚእታዊት ሰባት ኣብቲ ኲናት ንዘለንስኪ ንምትካእ መረጻ ክግበር ከም ዝቃወሙ ይሕብር።
ዘለንስኪ፡ እቲ ኲናት ምስ ተወድአ ሓድሽ መረጻ ከካይድ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ።
ንሱ፡ ኣብቲ መረጻ ክወዳደር ድዩ ዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ኣይገበረን።
ገለ ክኢላታት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ከተማታት እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽለሉን ሚልዮናት ዜጋታት ኣብ ሃገራት ወጻኢ ተዓቊቦም ኣብ ዘለዉሉን ኵነታት፡ መረጻ ምክያድ ኣጸጋሚ'ዩ ይብሉ።
ትራምፕ ኣብዚ ጕዳይ'ዚ ዝገበሮ ምትእትታው፡ ክረምሊን፡ ዘለንስኪ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ግዜ ኣእኪሉ'ዩ ብምባል ሕጋውነት ዘለንስኪ ኣብ ሕቶ ድሕሪ ምእታው ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ዝመጽአ እዩ።
እዚ፡ ሞስኮ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ከተቕርቦ ዝጸንሐት እዩ።
ፑቲን ብ28 ጥሪ ምስ ማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ንዘለንስኪ "ዘይሕጋዊ" ኢሉዎ።
ትራምፕ ነቲ ኵነታት መረጻ ብምጥቃስ፡ "እዚ ካብ ሩስያ ዝመጽአ ኣይኰነን፤ ካባይን ካብ ካልኦት ሃገራትን ዝመጽአ ነገር'ዩ፡" ኢሉ።
ዘለንስኪ ብወገኑ፡ ኣብ ማእከል እቲ ግጭት "ኣርእስቲ መረጻ ምልዓል ፍጹም ዘይሓላፍነታዊ እዩ፡" ክብል ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።