እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ሰራዊት ኤርትራ ሕጂ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ' - ኣሜሪካ
ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣሜሪካ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዋላ’ኳ ናብ ዶባት ገጾም እንተስሓቡ ገና ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዘርጊሑ።
እዚ ድማ ‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኦም’ዮም’ ምስ ዝብል መግለጺ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝጻረር እዩ።
ሰራዊት ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ደጊፉ ኣብቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተገበረ ኵናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክዋግኡ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።
እንተዀነ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብዝኸተምዎ ውዕል ሰላም ኵሎም ሓይልታት ወጻኢን ዘይኣባላት ሰራዊት ፈደራልን ካብ ትግራይ ክወጽኡ ተሰማሚዖም እዮም።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባት ምስሓቦም ንፈልጥን ነኽብርን ኢና፤ ካብ ኢትዮጵያ ከወጽኡ ክሕተቱ እዮም ጸኒሖም” ኢላ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንምዕባለታት ኣፈጻጽማ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ተሌፎን፡ ዛጊት ንዝተገብረ ምዕባለታት ብምንኣድ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ይወጽኡ ምህላዎም ብሓጐስ ከምዝቕበሎን እዚ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ወሳኒ ምዕባለ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 20 ጥሪ 2023፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ትግራይ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ብብዝሒ ክወጽእ ከም ዝተራእየ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።
እንተዀነ ኣምባሳደር ቶማስ፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክትዛረብ ዘኽኣላ መርትዖን መረዳእታን ግን ኣየቕረበትን። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ተሓቲቱ ምላሽ ኣይሃበን።
እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ሕዳር ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ምኽንያት ሞት ዓሰርተታ ኣሽሓትን ጠንቂ ምምዝባል ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትን ከምዝዀነ ዝፍለጥ ኰይኑ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዘይምውጽኡ ንትግባረ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዕንቅፋት ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ።
ዳይሬክተር ዝምድናታት ወጻኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ምክልኻል ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ፡ ወተሃደራዊ ኣታሸ ኤምባሲታት ወጻኢ፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ‘ወተሃደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ’ ዝብል ሓበሬታ ነጺግዎ።
ሜጀር ጀነራል ተሾመ ኣብ መግለጺኡ፡ “ኣብ ትግራይ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝንቀሳቐሱ ካልኦት ሓይልታት የለዉን” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ወጺኦም’ዮም’ ዝብል ሓበሬታ ግጉይ ከምዝዀነ ብምግላጽ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትግራይ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ኣፈኛ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ብዛዕባ እዚ ብቶማስ ግሪንፊልድን ጌታቸው ረዳን ንዝተገልጸ ጉዳይ ምላሽ ከምዘይሃቡሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ሓያሎ ምንጭታት ኤርትራ ንቢቢሲ ከምዘሓበርዎ ብኣሽሓት ዝቝጽሩ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ናውትን ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ኣረጋጊጾም’ዮም።
ዝተፈላለየ ጭርሖታት ኣብ ዝተጠቅዐን መካይን ዝተጻዕኑ ወተሃደራት ኤርትራን ኣጽዋርን'ውን፡ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክወጽኡን ኣብ ገለ ከተማታት ኤርትራ ክኣትዉን ዘርኢ ኣሳእልን ቪድዮታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ክርአ ቀንዩ እዩ።