ሩስያ ንሓላፊ ማእከል ኑክሌር ዛፖሪዚዝያ ከምዝኣሰረቶ ዩክረይን ከሲሳ

ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን፡ ንሓላፊ ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ከምዝኣሰርዎ ትካል ኑኩሌር ዩክረይን ኢነርሆቶም ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ማእከል ኒኩሌር ዛፖሪዚዝያ ኣይሆር ሙራሾቭ ካብ ስርሑ፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ እትርከብ ከተማ ኢነርሆዳር ብመኪና ይጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ከምዝተትሓዘ ተገሊጹ።

እቲ ሓላፊ ኣብ ከተማ ኢነርሆዳር ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ ክኸውን ከምዝኽእል ፕረዚደንት ትካል ኢነርሆቶም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሩስያ ግን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዛጊድ ዝሃበቶ ምላሽ የለን።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ማእከል ኑኩሌር ድሕሪ ምቍጽጻራ፡ ዩክሬናውያን ሰራሕተኛታት ስርሖም ቀጺሎም’ዮም።

ሩስያን ዩክረይንን ኣብቲ ማእከል ኑክሌር ከቢድ ብረት ስለዝተተኮሰ ነንሓድሕደን ይካሰሳ።

ፕረዚደንት ትካል ኑኩሌር ዩክረይን ኢነርሆቶም፡ ፔትሮ ኮቲን ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውሕስነት እቲ ማእከል ኑኩሌርን ሓላፍነትን ኣብ እንግድዓ ሙራሾቭ ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

ንሱ ኣስዒቡ ማእሰርቲ ሓላፊ ማእከል ኒኩሌር ዛፖሪዚዝያ ድሕነትን ስራሕን እቲ ካብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ማእከል ኒኩሌር ዩክረይን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ፕረዚደንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ማእሰርቲ ሙራሾቭ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዛፖሪዚዝያ ዝርከበሉ ግዝኣት ሓዊስካ ኣርባዕተ ክልላት ዩክረይን ናብ ሩስያ ከምዝኣተዋ ብወግዒ ምግላጹ ስዒቡ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ተወከልቲ ትካል ተቘጻጻሪ ኑኩሌር ሩስያ ዝዀነ ሮሳቶም ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ዝሓበረ ኮንቲን፡ እቲ ከባቢ ናብ ሩስያ ስለዝተጠቓለለ ምሕደራ እቲ ማእከል ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያ ክስገጋር ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኮንቲን ኣስዒቡ መጭወይቲ ሙራሾቭ ነቲ ማእከል ኑኩሌር ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያ ንምስግጋር ዝዓለመ ስጕምቲ ከምዝዀነ’ዩ ዝኣምን።

“ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያዊ ትካል ሮሳቶም ንምስግጋር ዝሓሰብዎ ውጥን ክቕበሎም’ዮም ጻዕሪ ዝገብሩ ዘለዉ። እንተኾነ ርግጸኛ እየ በንጻሩ ደው ከምዝብል። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዕላማታት ሩስያ ዝነጸገ ሰብ’ዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ናይቲ ማእከል ትካል ዓለምለኸ ኣቶማዊ ሓይሊ ሓላፊ ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ክጠልብ ከምዘለዎ ጸዊዑ። ኮንቲን ንሩስያ ኑኩሌራዊ ራዕዲ ብምፍጣር’ዩ ዝኸሳ።

'6 ሪኣክተር' ዘለዎ ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ኣብ ጥቓ ኢነርሆዳር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ዩክረይን ዝዀነ ደቡባዊ ዛፖሪዚዝያ ዝተደኮነ እዩ።

ዩክረይን ወተሃደራት ሩስያ ነቲ ማእከል ከም ድፋዕ ይጥቀምሉ ከምዘለዉ’ያ እትኸስስ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ግዝኣታት ዛፖሪዚዝያ፡ ኬርሶን፡ ዶነስክን ሉሃንስክን ናብ ሩስያ ከምዝተጸምበራ ብወግዒ ዝኣወጀ ኰይኑ ብዩክረይን ኮነ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጺጉ’ሎ።

ሩስያ ኣብተን ናብ ግዝኣታ ኣጠቓሊለየን’የ ኢላ ዝኣወጅትለን ቦታታት ምሉእ ቁጽጽር የብላን።